ድለ

Wildfire in Dadia National Park in Evros Wildfire in Dadia National Park in Evros  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ ግዳያት ኣብ ግሪኽ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊን ኸምኡውን እትሳቐ ዘላ ዩክረይን ጸለዩ

እዚ ኣብ ሓንቲ ካብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ እቲ ዝዓበየ ኮይኑ ክሳዕ ሕጂ አስታት 21 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝፍለት ኢዩ ፣ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኻልኦት ከኣ ካብ ኣባይቶምን ደምበኦምን ተመዛቢሎም ይርከቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ምእንቲ እቶም ብባርዕ ሓዊ እተጐድኡ ህዝቢ ግሪኽ እተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም ከምኡ ድማ ምእንቲ እቶም አብ ስቓይ ዝርከቡ ዘለዉ ህዝቢ ዩክረይን ጸሎት አዕሪጐም፣ ኩሉ ሰብ ውን ክጽልየሎምን ክሕግዞም ምሕጽንታኦም አቕሪቦም።

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ሰንበት ዕለት 27 ነሓሰ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ድሕሪ ምድጋሞም ነቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሃገረ ግሪኽ ብባርዕ ሓዊ እተጐድኡ ጸሎቶም አዕሪጎም። 

እዚ ኣብ ሓንቲ ካብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ እቲ ዝዓበየ ኮይኑ ክሳዕ ሕጂ አስታት 21 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝፍለት ኢዩ ፣ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኻልኦት ከኣ ካብ ኣባይቶምን ደምበኦምን ተመዛቢሎም ይርከቡ። 

ከምኡ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ምእመናን "ምእንቲ እቶም ብውግእ ብዙሕ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ዩክረይን" ክጽልዩን ብኹሉ ክድግፍዎምን ተማሕጸንዎም። 

ምእንቲ ኣዴታት ጸሊ 

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነታ ኣደ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝኾነት ቅድስቲ ሞኒካ ዘኪሮም አብዛ ቤተክርስቲያን ዕለተ ክብረ በዓላ እዝክረሉ ዘላ መዓልቲ "ብርትዕቲ ሰበይቲ" ከምኡውን "ሕያወይቲ ሰበይቲ" ክትብል ትጽውዓ አላ። 

ቅዱስ አቦና "ብጸሎታን ብንብዓታን ወዳ አብ ክርስትና ንኽአቱ ብዙሕ ንጐይታ ለመነቶ" ምስ በሉ። 

ነቶም አባኡ ዝነበሩ ምእመናን ውን "ምእንቲ እተን ደቀን ምስ ዝጠፍእወን ዝሳቐያ አዴታት ከምኡ ውን  ኣብ ከቢድ ናይ ህይወት ፈተና ዝርከባ ዘለዋ ብዙሓት ኣዴታት" ክጽልዩ ምሕጽንታኦም አቕረቡ። 

28 Aug 2023, 16:13