ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ መካነ ንግደት ፋጢማ ብዘይ ዕላውነት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለም ጸልየ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መበል 37 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፖርቱጋል ዘካየድዎ መበል 42 ዓለምለኸ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ናብ ሮማ ኣብ ምምላሶም ምስቶም ዘሰንይዎም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት ቃል መሕትት ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ሰላምታ ኣቕሪቦም ልኡካን ጋዜጠይናታት ንቕዱስነቶም ሕቶ ከቕርቡ ቅድሚ ምዕዳሞም ቅዱስነቶም ነቶም ጋዜጠይናታት ነቲ ዝተኻየደ መበል 37 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሰፊሕ ሽፋን ስለ ዝሃብሉ ምስጋናኦም ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመልክት።
ልእኽቲ ጋዜጠይና ማሪያ ቪስታስ ሚገል - ካብ ራዲዮ ረናሸንሳው
ቅዱስነቶም ስለ እቲ ኣብ ፖርቱጋል ዘካየድክምዎ ምብጻሕ አመስግን . . . ኣብ መካነ ንግደት ፋጢማ ከይድኩም ኣብታ ንእሽተይ ቤተ ጸሎት ዘግልጸታ ድማ ብጽሞና ጸሊኹም፡ ኣብቲ ቅድስት ድንግል ማርያም ዂናት ንኸብቕዕ ኩሉ ኣበርቲዑ ክጽሊ ሓደራ ዝበለትሉ ስፍራ፥ (ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑድ ድማ ሎሚ እውን ኣብ ውግእ ንርከብ) ስለዚ ኩሉ ብግልጺ ምእንቲ ሰላም ክትጽልዩ ዝብል ትጽቢት ነይሩ፡ እዚ እውን ብዙሕ ትኩረት ተገይሩሉ ነይሩ፡ ስለምታይ ግን ከምኡ ዘይገበርኩም? ሰላም ምእንቲ ክወርድ በማላድነት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጸልየ! ምእንቲ ሰላም ጸልየ፡ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ከነቋርጾ የብልናን። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብዘይ ምቁራጽ ክጽለ ዝበለቶ ሕድሪ ጸልየ፡ ይኹን እምበር ነዚ ጸሎት እዚ ኣየወዓዋዕኽዎን!
ዥዋው ፍርናሲስኮ ጎመዝ - ካብ ኦበርቫዶር ማዕከን ሓበሬታ
ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ፖርቱጋል ዝወጸ ጸብጻብ ግህሰት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝምልከት ሕቶ ከቕርብ እፈቱ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዳርጋ 5 ሺሕ ዝኾኑ ህጻናት ግዳያት ከም ዝኾኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። እቲ ጸብጻብ ተረኪብክምዎ ዶ? ጉዳይ እቶም ነቲ ግህሰት እናፈለጡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ዘየምሓላለፉ ጳጳሳት እንታይ ክኸውን ኣለዎ ትብሉ? የቐንየለይ! ኩሉኹም ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታን ምስቶም ግዳያት ዝኾኑ ብግሊ ከም እተራኸብኩ ትፈልጡ ኢኹም፡ ብዛዕባ እዚ መዓትን በደልን ተዛሪብና። ብዙሕ እዋን ከምቲ ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ከባብን ዝፍጸም ክሽፈን ጸኒሑ እዩ፡ 42 ሚእታዊ ኣብ ስድራ ቤት ወይ ከባቢ ዝፍጸም እዩ፡ ካብ ቦስተን ጀሚሩ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ብምስትውዓል ብዕምቆት ክትምልከቶን መልሲ ክትህበሉን ተበራቲዓ እያ። . . . ቅድሚ ክልተ ዓመት ናይ ጉባኤ ኣበ መናብርት ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ዓለም ተካይዱን ኣብኡ ዝቐረበ ጸብጻብ ድማ እቲ ኩነታት ኣዚዩ ከቢድ ምዃኑ ኣመላኺቱ እዩ፡ እቶም ብገለ መገዲ ሓላፍነት ዘይወስዱ ጓሶት ድማ ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም . . . ኵሉ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክፉት ክኸውን እላቦ፡ ኣብ ፖርቱጋል እቲ መስርሕ ጽቡቕ ይኸይድ ኣሎ። ብህድኣት እውን፡ ኣብ ጉዳይ ግህሰት ዕቱብ ምዃን የድሊ፡ እቲ ብዝሒ ሓደ ሓደ ግዜ ዝተጋነ ኮይኑ ይወጽእ፡ እቲ ዘገድስ ቅጽሪ ኣይኮነ፡ ብትብዓት ምክትታል የድሊ። እቲ ክውንነት ድማ ጽቡቕ ይኸይድ ኣሎ፥ እዚ ዝተወሰነ ቅሳነት ይህበኒ።
ጋዜጠይናታት ኣብዚ ጉዳይ እዚ ክትተሓባባሩ እሓትት፡ . . . ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፈጽም ዓመጽ . . . ጾታዊ ርክብ ተቐሪጹ ብሕቡእ ይዝርጋሕ፡ መን እዩ ዝቐርጾን ዘመሓላልፎን? ኣበይ እዩ ተቐሪጹ? እቶም ገበነይናታት መን እዮም? ንሓደ ሕጻን ተጠቂምካ ናይ ግህሰት ትርኢት ክትሰርሕ ከለኻ ነቲ ሕጻን ኢኻ ተህልኾ ዘለኻ። ብዙሕ ምክትታል ዘድልዩ ግዳይ እዩ፡ ኣብ ምቅላዕ ነዚ ገበን እዚ ኩሉ ክዋሳእ ኣለዎ።
ምስ ዝተበደሉ ሰባት ተራኺብካ ምዝራብ ኣዚዩ መሪር ተመክሮ እዩ። እዚ ንዓይ ጽቡቕ እዩ፡ ክሰምዖ ስለ ዝፈቱ ዘይኮነስ ነቲ መዓት ንምግጣም ስለ ዝሕግዘኒ እዩ፡ . . . እቲ መስርሕ ጽቡቕ ይኸይድ ኣሎ። ብገለ ገለ መገዲ ድማ ክትተሓባበሩ እሓትት። ኩሉ ዓይነት ግህሰት ምእንቲ ክፍታሕ፡ ናይ ኩሉ ምትሕብባር ይሓትት፡ ግህሰት ግን ጾታዊ ዓመጽ ጥራሕ ዝምልከት ኣይኮነን።
ካልኦት ናብ ሰማይ ዝጭድሩ ዓይነታት ግህሰት እውን ኣለዉ፡ ህጻናት ንስራሕ ዓለም ምግዳድ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምዝመዛ ጉልበት ብዙሕ ዓይነት ግህሰት እዩ ዘሎ፡ ወዲ ሰብ ነዚ ጉዳይ እዚ ክገጥሞም ናይ ባህሊ ምልዋጥ ክገብር ኣለዎ።
ዣን ማሪየ ገኖይስ - ካብ ጋዚጣ ፊጋሮ
ብዛዕባ ጥዕናኹም . . . ከመይ ኣለኹም? ኣብቲ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ሓሙሽተ መደረታት ጥራይ ኢኹም ኣንቢብኩም፥ እዚ ድማ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ። ስለምታይ ትብሉ፥ ናይ ዓይኒ ጸገም ስለ ዘለኩም ድዩ ወይ ድኻም፡ ወይ ከኣ እቲ ጽሑፍ ነዊሕ ስለ ዝነበረ እዩ? ኣብ ፈረንሳ ናብ ማርሴ ክትበጽሑ መደብ ኣለኩም ንፈረንሳ ግን በጺሕኩም ኣይትፈልጡን፥ ነዚ ህዝቢ ብኸመይ ይርድኦ ይኸውን፥ እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ . . . ? ብጥዕናይ ጽቡቕ ኣለኹ ኣምላኽ ይመስገን፡ . . . ብርቱዕ ናይ መብራህቲ ነጸብራቕ ስለ ዝነበረ ንኸንብብ ብጹሕ የጸግመኒ ነይሩ፡ . . . ክዛረብ ክሰብኽን ከለኹ ስነ ትምህርታዊ ክፍሊ ክገብሮ ኣይደልን፡ ብዝተኻእለ መጠን ንጹር ክኸውን እየ ዝጽዕር። ክዛረብ ከለኹ ኩሉ ግዜ በገባብ ርክብ እየ ክገብሮ ዝደሊ፡ ኣብ ገለ ገለ እዋን ትምህርታዊ ዝመስል መደረ እውን እንተሎ ዘተ ክህሉ መታን ገለ ገለ ዋዛታት እጥቀም። . . . መንእሰይ ነዊሕ ናይ ኣቃልቦ ግዜ የብሎምን፥ ንጹር መደረ ምቕራብ ይሓትት፡ ንሸሞንተ ደቓይቕ ክስዕቡኻ ይኽእሉ፡ ኣብታ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽተይ እውን ብዛዕባ ስብከት ዝምልከት ምዕራፍ ጽሒፈ። . . . ሓጺርን ንጹርን መልእኽቲ ፍቕራዊ ሓቆፍ ክኸውን ኣለዎ። . . .
ናብ ስትራስበርግ ከይደ እየ፡ ናብ ማርሴ ድማ ክኸይድ እየ። . . . ንዓይ ዘተሓሳስበኒ ጉዳይ መዲትራኒያን እዩ፡ ስለዚ ናብ ፈረንሳ ክኸይድ እየ። ብዛዕባ ምዝመዛ ስደተተይናታት፥ እዚ ዓበይ ገበን እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ጉዕዞ ስደተይናታት ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስክራት ዘጋጥሞም ጸገምን ንግድ ሰብ . . . ሓንቲ ብሓደ ዝተፈላለየ ጸገማት ዝሰገረ “ንኡስ ሓወይ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደረሳ መጽሓፍ ከተንብብዋ እዕድም ኣብ ክልተ ሰዓት ትንበብ እውን እያ። ዝሓለፈ ሰሙን ማሕበር “መዲትራኒያን - ምድሓን ሰብ” ነቶም ኣብ መንጐ ቲኒዝያን ሊቢያን ምድረ በዳ ዝነበሩ ስደተይናታት ንምድሓን ብዙሕ ስራሕ ትፍጽም ከም ዝነበረት ሰሚዕና፡ ኣብቲ በረኻ ዝተጠንጠኑ ንምድሓን፡ . . . ሜድትራኒያን ባሕሪ መካነ መቓብር ኮይኑ ኣሎ፡ ስለዚ እየ ናብ ማርሴ ዝኸይድ፡ ርእሰ ብሔር ማክሮን እውን ናብኡ ክመጹን ንሓደ መዓትን ፍርቓን ክጸንሑን እዮም . . . ንነኣሽቱ ሃገራት ኤውሮጳ እየ ዝበጽሕ ዘለኹ፡ እተን ዓበይቲ ሃገራት ከም ስፐይን ፈረንሳ እንግሊዝ ንደሓር።
ኣኒታ ሒርሽበኽ - ክና ማዕከን ዜና
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሊዝበን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ቦታ ከም ዘሎ ነጊርኩም፡ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ክፍትቲ እያ፡ ብተመሳሳሊ ግን ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት መሰል ዕድላት የብሉን፡ ንኣብነት ደቂ ኣንስትዮ፡ ግብረሶዶማውያን ኩሉ ምስጥራት ክቕበል ኣይክእሉን፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኣብ መንጎ ክፍትቲ ቤተ ክርስቲያንን ንኹሉ ዘይማዕረ ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ዘይምስምማዕ ብኸመይ ትገልጽዎ? የቐንየለይ! ክልተ ዝተፈላለየ ኣርኣእያታት ዝምልከት ሕቶ ሓቲትክኒ፡ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ክፍትቲ እያ፡ ድሕሪ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ንዘሎ ህይወት ዝቆጻጸር ሕጊ ኣሎ፡ እቲ ኣብ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ነቲ ሕጊ ይኽተሎ፡ . . . ኣብ ሚስጥራት ክሳተፉ ኣይእክሉን እዮም ዝብል ዘቕረብክዮ ሕቶ፡ እዚ ማለት ቤተ ክርስቲያን ተዓጽያ ማለት ኣይኮነን፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ብናቱ መገዲ ምስ እግዚኣብሔር ይራኸብ፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣደ ኮይና ንኹሉ ሰብ ኣብ መገዳ ትመርሕ። . . . ጐይታ ንጹር እዩ፡ ሕሙማት ጥዑያት ኣረጋውያንን ነኣሽቱ ጽዩፋትን ጽቡቓትን . . . ጽቡቕን ሕማቕን! ከናድይ እዩ ዝመጸ። . . . ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣብ ጉስነታ ብደቂ ሰባት ኣብ መገዲ ብስለት ደረጃ ብደረጃ ተሰንይ፡ ንሳ ኣብዚ መግዲ ብስለት እዚ ተሰንየና። . . . ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ እትቕበል እደ እያ።
ማተዮ ብሩኒ፥ ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሓሳብ ከካፍሉና ይፈትዉ! ሕራይ፥ እዚ ናይ ሊዝበን ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ራብዓይ ተመክሮእ እዩ፡ እቲ ቐዳማይ እቲ ኣብ ሪዮ ደጃነይሮ ዝተኻየደ እዩ። እቲ ካልኣይ ኣብ ክራኮቪያ፡ ኣብ ፓናማ ድማ እቲ ሳልሳይ፡ እቲ ራብዓይ እዚ ናይ ሊዝበን እዩ። ኣብዚ ናይ ሊዝበን ድማ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮንን ሽዱሽተ ሚእቲ ሺሕ ዝግመቱ መንእሰያት ከም እተረኸቡ ጸብጻባት ይሕብር። እዚ ናይ መግንስቲ ኣሃዛዊ ጸብጻብ እዩ። . . . እዚ ናይ ሊዝበን ዝበለጸ ነይሩ ክብል ይኽእል። . . . እቲ ጸገም ከመይ ጌርካ ከም እተሰንዮም ምፍላጥ እዩ፡ ከምኡ እውን ካብ ሱሮም ክንጸሉ ከምዘይብሎም ከስተውዕሉን እዚ ድማ ኣብ መንጎ ዓበይትን ንኣሽቱን ኣብ መንጎ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ምስ ፈቆምን ዘተ ክህልዎም ኣዚየ እጽዕር። እዚ ዘተ እዚ ኣገዳሲ እዩ። . . . ነፍሲ ወከፍና ኣብ ታሪኽና ገለ ውድቀት ኣሎና። ህይወት ከምኡ እያ፣ ጐይታ ግን መሓሪ ስለ ዝኾነ . . . ኣቦ ስለ ዝኾነ ኩሉ ግዜ ይጽበየና፡ ምሕረቱ ድማ ናብ ኩሉ ይሓልፍ። ናብ ሮማ ንኽምለስ ቅድሚ ምንቃለይ ምስ 25 ሺሕ ወለንተይናታት ተራኺበ ነይረ። ምስጢራዊ ተመክሮ እዩ ነይሩ። ናይ ብሓቂ ጽቡቕን መሳጥን።
ጁስቲን መክለላን - ካብ ካቶሊክ ኣገልግሉት ዜና
ብዛዕባ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ተዛሪብኩም፡ ኣብዚ ቅንያት እዚ ምስ ናይ ኣእምሮ ስንኩላን ምስ ጭንቀት ዝቃለሱ መንእሰያት ተራኺብኩም፡ ምስ ከምዚ ዓይነት ስቓይ ተቓሊስኩም ትፈልጡ ዶ? ሓደ ሰብ ነብሱ ክቐትል እንተ ወሲኑ ድማ ነቶም ብዛዕባ ርእሰ ቅትለት ዝምልከት ትምህርቲ ካቶሊክ ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ሰብ እዚ ናብ ሲኦም ከም ዝኸደ ብምሕሳብ ንዝሳቐዩ ኣባላት ስድራ ቤት እንታይ ምበልካዮም? ርእሰ ቅትለት ኣብዚ እዋን እዚ ንመንስእያት ዝምልከት ጉዳይ ኮይኑን ነዚ ዝፍጽሙ መንእሰያት ቁጽሮም እውን ክብ ይብል ኣሎ። መራኸቢ ብዙሓን ብዙሕ ግዜ ብዙሕ ዘይዛረባሉ ወይ ሓበሬታ ዘይህባሉ ኮይኑ ይርአ፡ . . . ምስ መንእሰያት ምዝራብን ምዝታይን የድሊ፡ ሓደ መንእሰይ ዝበሎም፥ ኣናዛዚ ስለ ዝነበርኩ ምስጢረ ንስሓ ክሰርዕ እንከለኹ ዝተነገርኒ ኣይኮንኩን ዝነግር ዘለኹ፥ ብዛዕባ ርእሰ ቅትለት እንታይ ትብሉ ቢሉ ከም ዝሓተቶምን። ድሕሪ ብዙሕ ምይይጥ ድማ የቐንየለይ ካብ ዓሚ ልዕሊ ህይወተይ ክወስዶ ሓሲበዮ ዝነበርኩ ውሳኔ እዩ ነይሩ፥ ስለዚህ የቐንየለይ” ኢሉኒ፥ ብዙሓት መንእሰያት ብዙሕ ጭንቀት ናይ ስነ ኣእምሮ ጥራሕ ኣይኮነን ዘሕልፉ። . . . ውሳኔ ርእሰ ቅትለት ብዝተፈላለየ ምኽንያት መዓልታዊ ጉዳይ እዩ ኣይብልን ግን ዓቢ ጸገም እዩ። ናይ ዘመንና ጸገም እዩ።
ማተዮ ብሩኒ፥ ቅዱስ ኣቦና ስለ መልስታትኩም የቐንየልና፥ ስለ ዝገበርክምዎን ስለ እታ ንኡስ ሓወይ ዘርእታ ዘዘኻኸርኩማን መጽሓፍን የቐንየልና ኢሎም።