ድለ

150th anniversary of French national pilgrimage in Lourdes 150th anniversary of French national pilgrimage in Lourdes  (ANSA)

ቡራኬ ር. ሊ. ጳ. ንመበል 150 ዓመት ዝኽሪ ሃገራዊ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘሉርድ

ቅዱስ አቦና አብ መልእኽቶም ንካህናት ነቶም ጓሶት ነፍሳት "ነቲ ምእመናን ዘስተማቕርዎ ዘለዉ ናይታ ጠበቓኦም ዝኾነ ቅድስቲ እኖ ፍቕርን ርሕራሐን ብፍሉይ አተኩሮ ሂቦም ብእተፈላልዩ መንፈሳዊ መደባትን አገልግሎታትን ተኸናኸንዎን ዓቕብዎን” ክብሉ ምሕጽንታኦም አቕረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ብ15 ነሓሰ 2023 ንመበል 150 ዓመት ዝኽሪ ንግደት ደብረ ቅድስተ ማርያም ዘሉርድ ንምኽባር ብምኽንያት በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ካብ ፈረንሳይን ካብ መላእ ዓለምን ዝመጹ 20,000 ምእመናን ሰላምታን ቡራኬን ለአኹሎም።

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቨቲካን

"እታ ብርኽትን ቅድስትን ዝኾነት ድንግል ማርያም፣ አዴና ስለ ዝዀነት ንሕና ውን ደቃ ስለ ዝዀንና ብቘራጽነት ናብታ ቅድስቲ እመቤትና ንጠምት!" ር. ሊ. ጳ.

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቶም ካብ መላእ ፈረንሳይን መላእ ዓለምን እተኣከቡ 20,000 ዝዀኑ ምእመናን ኣብቲ ንበዓል ዝኽሪ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘሉርድ  እተአከቡ ነጋድያን ናይ ምትብባዕን ምሳኦም ብመንፈስ ምህላዎምን ዝገልጽ መልእኽቲ ለአኹሎም። አብ መልእኽቶም ቅዱስ አቦና ዕለት 15 ነሓሰ 2023 ነቲ ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ኢዮቤል ንግደት ናይዚ ክቡር ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘሉርድ ይኸብር ምህላው ውን ዘኪሮም፦

"ምሳኻትኩም ኰይነ ነታ ፍቕርቲ እኖና ብፍላይ ከኣ ኣብዛ ዕለተ 15 ነሓሰ ዝኸብር ዘሎ ኢዮቤል አብቲ ልባዊ ጸሎታትኩምን ልማኖኹምን ብመንፈስ ምሳኹም ይሓብር ኣለኹ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምእመናን ነዚ ነዊሕ ዝጸንሐ ልምዲ ኣምልኾን ተወፋይነትን ንግደትን ክዕቅብዎ ብምርኣዮም  ሓጐሶም ይገለጹ ። ነቲ ብዙሓት ምእመናን በዚ ዕለት እዚ አብ ዕለተ በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ብምዝካር አብ ቤተመቅደስ ደብረ ቅድስተ ማርያም ዘሉርድን ከምኡ ውን አብ ተፈላለዩ ካቴድራላትን ቁምስናታን ፈረንሳይ ዝግበር ዘሎ መደባት ጸሎትን ንግደታትን ብምዝካር፦ “ብዙሓት ብናይ ውሉዳዊ ፍቕሪ ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቀሪቦም ብምሉእ ተአማንነት ይጽልዪን ይምህለሉን አለዉ” ብሓቂ ቅዱስ ተግባር ምኹኑ ብምምስካር አተባብዕዎም።

ብመንፈሳውነት ከም ብሓድሽ ናይ እናታዊ ፍቕሪ ምስትምቓር

ቅዱስ አቦና አብ መልእኽቶም ንካህናት ነቶም ጓሶት ነፍሳት "ነቲ ምእመናን ዘስተማቕርዎ ዘለዉ ናይታ ጠበቓኦም ዝኾነ ቅድስቲ እኖ ፍቕርን ርሕራሐን ብፍሉይ አተኩሮ ሂቦም ብእተፈላልዩ መንፈሳዊ መደባትን አገልግሎታትን ተኸናኸንዎን ዓቕብዎን” ክብሉ ምሕጽንታኦም አቕረቡሎም።

ንኣብነት ነቲ "ብ15 ነሓሰ ኣብ ሃገርኩም ንኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ዝጸንሐ እገብርዎ ምልኩዕ ዑደት" ዝነአድ ኢዩ ክብሉ አተባብዕዎም።

ቀጺሎም ድማ ከምዚ በሉ - "ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ዓለም ብፍላይ ከኣ እታ ኽስረዝ ብዘይከኣል ወፈያ ንቅድስተ ማርያም ዝወፈየት ፈረንሳ ኣብዚ ግዜና ጸገማትን ሻቕሎትን ብድሆታትን  አብ ዘጋጥመሉ ዘሎ እዋን ጠበቓነትን ዕቝባን ማርያም የድልያ ኢዩ ።”  

ሰላም ንምርካብ ናብ ማርያም ምምላስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ማርያም ንግስቲ ሰላም "ደሃይ ኣጽዋር ኣብ ዝስማዓሉ ዘበለ ኩሉ እቲ ዚድለ ሰላም ምእንቲ ክንረክብ" ናብ ወዳ ተማልደና ክብሉ ጸለዩ።

ሕብረተሰባት ንኻልኦት ኣብ ዘለዎም ኣኽብሮት ተሰማሚዖም ምእንቲ ክነብሩ፣ ክብረቶምን መሰላቶምን ምእንቲ ኽሕልዉ ከምኡውን ዋላ ሓደ እኳ ኣብ  መገዲ ተደርቢዩ ምእንቲ ኸይተርፍ ኣብ ልቢ ኵሎም ደቂሰባት "ነቲ ሓቐኛ ሕውነታዊ ፍቕሪ ከተነቃቅሕ" ንለምና ክብሉ ጻውዒቶም አቕረቡ።

ንስድራ ቤታት ብፍሉይ መገዲ ንምዅስኳስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እታ ቅድስቲ ኣደ ኢየሱስ ንስድራ ቤታት "ብፍሉይ መገዲ" ዑቕባ ክትኮኖም ጸለዩ። ብፍላይ ከኣ ምእትንቲ እቶም "መዓልታዊ ከቢድ ሓላፍነት ዝጾሩ ወለዲ" ከምኡውን መንእሰያት "ብተመክሮ ኣዝዮም ሃብታማት እኳ እንተዀኑ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ብዛዕባ መጻኢኦም ይጭነቑ ወይ ውን ብዙሕ ምሕለኻታትን ዕንቅፋትን ይጋጥሞም ብምህላዉ" ብምባል አብ ጸሎቶም ወትሩ ከም ዝዝክርዎ መልከቱሎም።

ድሕርዚ ቅዱስ አቦና ናብቶም "ብተመክሮኦምን ጥበቦምን ሃብታማት" እኳ እንተዀኑ "መብዛሕትኡ ግዜ እተረስዑን ከምኡውን ዕሽሽ እተባህሉ" ኣረጋውያን ሽማግሌታትን ዘኪሮም ከም ዝጽልዩሎም አረጋገጹሎም። 

ኣብዚ ኩነት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንድንግል ማርያም ምእንቲ ዅሎም እቶም ዝሓመሙ ዝመግደሩን በይኖም እተገለሉ ወይ ውን አላይን ጠዋርን ዝሰአኑ ሰባት ከተጸናንዖምን ክትረድኦምን ምሕጽንታኦም አቕረቡ ።

ዘይነቓነቕ ተስፋን መስተንክር ምስክር እምነትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ምጽንናዕን ተስፋን ደልዮም ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሉርድ ዝነገዱ ብዙሓት ሰባት ብምዝካርን ከምኡ ውን አመንቲ ዅሎም እቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ሕሙማትን ስንኩላንን ዘኪሮም ብፍሉይ መገዲ ናብ ድንግል ማርያም ከም ዘማሕጸንዎምን ዘወፍይዎምን ገለጹ ።

ንሳቶምን ምስቶም ኵሎም ዘሰንይዎምን "ንዓለም ብዛዕባ እምነትን ግብረ ሰናይን ዜደንቕ ምስክርነት ይህብዋ እዮም" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ነጋድያን አብ እምነቶም "ዘይነቓነቕ ተስፋ" ኽፈጥረሎምን አባኡ ድማ  ህይወቶምን ማሕበረሰቦምን ክሃንጹን አተባብዕዎም።

አብ መደምደምታ "ብዓብዪ ሓጐስ" ንዅሎም አብ ቤተመቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘሉድ ዝተአከቡ ነጋድያንን ንኹሎም ምእመናን ሃገረ ፈረንሳን ጓሶታን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ብምክፋል መልእኽቶም ዛዘሙ።

18 Aug 2023, 16:43