ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሃንጋሪ ርእሰ ብሔር ካታሊን ኖቫክ
ዕለት 25 ነሓሰ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወት ናይ ሃንጋሪ ርእሰ ብሔር ካታሊን ኖቫክ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ፡ ዛዕባ ኲናት ዩክረይንን ስድራ ቤታውን ክርስቲያናውን ክብርታትን ከምኡ እውን ሃይማኖታዊ ናጽነትን ስደትን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ከም እተመያየጡ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ነሓሰ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንናይ ሃንጋሪ ርእሰ ብሔር ካታሊን ኖቫክ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 28 – 30 ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃንጋሪ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከም እተዘከረን፡ ናይ ሓባር ጉዳያት ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት፥ ማለት ስድራ ቤታውን ክርስቲያናውን ክብርታትን” ስዒቡ እውን ብዛዕባ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣተኩይሮም ብፍላይ ሰብኣዊ ኩነታትን ነቲ ግጭት ንምውጋድ ዝገበር ጻዕርታት ዘማእከለን ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ኣብ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ስደት ክርስቲያን ዘማእከለ ምይይጥ ምክያዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ርእሰ ብሔር ሃንጋር ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ቅዱስነቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ወጻኢ ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ጉዳያት ዝምድናታት የኔታ ሚሮስላው ዋቾውስኪ ምስ ተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸበት ኣፍሊጡ ኣብ መወዳእታ ናይ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት እውን ምክያዱ የመልክት።