ር. ሊ. ጳ.፦ አብ ግዜ ጸገምናን ሓጐስናን ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንጠምት
ቅዱስ ዮሓንስ ዲየጐ "ሓደ ትሑት ካብቶም ህዳውያን ተባሂሎም ዝፍለጡ ደቀባት ደቡብ አሜሪካ ኢዩ ዝነበረ" በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ "መልእኽተይና ናይ እኖና ቅድስቲ ድንግል ዘጓዳሉፐ"እዩ ዝዀነ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ትምህርቶም እቲ ነቶም ትሑታት ዝመርጽ ጠመተ እግዚአብሔርን ጠመተ እኖና ድንግል ማርያምን አይተፈልዮን ከመይ፦ "እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዅሉ ሳዕ ከተጸናንዓናን ንቕድሚት ንኽንስጕም ዘኸለና ብርታዐ ንኽትህበናን ወትሩ አብ ቀረባና እያ" ኢሎም ።
አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 23 ነሓሰ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብቲ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ አስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ ንምስክርነት ቅዱስ ዮሓንስ ዲየጎ ኢዮም ዘቕረቡ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ናይቲ ንሃዋርያዊ ቅንኣት እተወፈየ ተኸታታሊ ትምህርቶ መቐጸልታ ኮይኑ አሎ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮት አብቲ ሎሚ ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ አቀዲሞም ዝጅመርዎ ብዛዕባ ሓዋርያዊ ቅንአት ንስብከተ ወንጌል ዝምልከት ተኸታታሊ አስተምህሮቶም መቐጸልታ ኮይኑ ነቲ ብዛዕባ ስብከተ ወንጌል አብ አሜሪካ ብዝብል አእርእስቲ ዝተንክፍ ኢዩ ዝነበረ። ስለዚ ንምስክርነት ናይቲ መልእኽተይና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፔ ዝኾነ መክሲካዊ ቅዱስ ዮሓንስ ዲየጎ ኢዮም ዘስተምሃሩ ። ቅዱስ አቦና ብዛዕባ እዚ ቅዱስ እዚ እንክምስክሩ ነቶም አብቲ ጳውሎስ 6ይ ዝበሃል አብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ናይ ጉባኤ አዳራሽ ተአኪቦም ዝነበሩ ምእመናን “ብዛዕባ ማርያም ብምጥቃስ ልክዕ ከም አምላኽ ንሳ ውን አደ ከም ምዃና መጥን ናብቶም ነሽቱን ትሑታን ኢያ እትጥምት።” ብምባል አስተምሃሩ።
ድንግል ማርያም ኣብ ህይወት ደቂሰባት ትግለጽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መእተዊ ትምህርቶም ቅድሚ ናይ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፕ ግልጸት ምፍጻሙ ወንጌል አብታ ክፍለዓልም ደቡብ አሜሪካ ተሰቢኹ ነይሩ ኢዩ፣ እንተኾነ "ብዓለማዊ ረብሓታት እተሰነየ እዩ ነይሩ" እንክብሉ ፦
መብዛሕትኡ ግዜ አብ ክንዲ ነቲ ወንጌል አብ ባህልን ህይወትይን እቲ ሕብረተሰብ ምስራጽ፣ ነቶም ደቀባት ናይቲ ቦታ አኽብሮት ስለዘይነበሮም ተሓዊኾምን ብታህዋጽን ነቶም ዓቐዲሞም ዝተሰርዑ ሞዴል ዝበልዎም ባህልታን ስርዓታትን ክተኽሉን ተተአታትውኡን ተረኽቡ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ነቲ ክዳውቲ ናይቶም ደቀባት ተወለድቲ ናይቲ ቦታ ዝኾኑ ተኸዲና፣ ቋንቍኦም እናተዛረበት ነቲ ባህሎምን ሰርዓታቶም እተፍቅር አደ ብምዃን ኢያ ተገሊጻ።
ቅ. ዮሓንስ ዲየጎ፣ ትሑት ሰብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወንጌል በቲ ሰባት ኪርድእዎ ዚኽእሉ ቛንቋ ኣደ ኸም ዚመሓላለፍ፣ በዚ ኸምዚ ከአ ነተን ብቀዳምነት እምነት ንደቀንን ንደቂ ደቆምን ዘመሓላለፋ ኣዴታትን ዓባየይን አመስገንወን። ኣስዕብ ኣቢሎም ከአ ኸምዚ ብምባል መንነት ቅዱስ ዮሓንስ ዲየጎ ገለጹ -
ካብት ትሑት ህንዳዊ ህዝቢ ኢዩ ነይሩ፣ ከምኡ ኸኣ ናይቲ በቶም ትሑታት ደቁ አቢሉ ዘደንቕ ነገራት ክገብር ዝፈቱ ኣምላኽ ጠመተ አብኡ ነበረ።
ስብከተ ወንጌል ጽንዓትን ትዕግስትን ዝሓትት ኢዩ
ቀጺሉ ነቲ ኣብ ታሕሳስ 1531 ኣብ መበል 55 ዓመት ዕድሚኡ ዝጀመረ ፍሉይ ዛንታ ዮሓንስ ድየጎ አዘንተዉ። ሓደ መዓልቲ አብ መንገዲ እናተጓዕዘ ከሎ ዮሓንስ ዲየጎ ነታ ኣደ ኣምላኽ ኣብ ሓደ ጎቦ ረኣያ ንሳ ድማ ‘ፍቁር ወደይ ዮሓንስ’ ኢላ ጸውዓቶ እሞ ኣብቲ ቦታ ቤተ መቕደስ ክሰርሑላ ከይዱ ንቶም ጳጳስ ናይቲ ዓዲ ክሓቶም ለአኸቶ።
ኣብ ፈለማ እቶም ጳጳስ ስለ ዘይኣመንዎ ነቲ ሓሳብት አይተቐበልዎን ስለዚ ብዙሕ ግዜ ክመላለስ ተገደደ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተጸናንዖን ተበራትዖን ነበረት ። ቅዱስ አቦና አብዚ ኩነት ከምዚ ክብሉ አስመሩሉ -
ቅዱስ ቅንኣት እናሃለካ ኽነሱ ሓድሓደ ግዜ ኻብ ቤተ-ክርስትያን ዘይተጸበኻዮ ፍጻመታት ክመጸካ ይከአል እዩ። አብ ሓዋርያዊ አገልግሎት ብዛዕባ ሰናይ ምምስካር ጥራይ እኹል አይኮነን እኳ ደአ ንስብከተ ወንጌል አብ እተወጸሉ ንኽፍአትን እከይን ደቅሰባት ብኸመይ ክትጾሮ ከም ዘለካ ምፍላጥ ኣድላዪ እዩ ። ነዚ ኣይንረስዓዮ - ወንጌል ንምስባኽ ንሰናይ ብስራት ምምስካር ጥራይ እኹል ኣይኰነን የግዳስ ብኸመይ እከይን ክፍአትን ደቂሰብት ከም እትጻወር ምፍላጥ ኣድላዪ ኢዩ ። ሓደ ክርስትያን ዝበሃል ሰናይ ዚገብር እኳ እንተ ዀነ ንእከይ ከአ ዝጸውር ክኸውን ይግብኦ ። እዞ ክልተ ባህርያት ንሰናይ ምምስካርርን ንኽፍአት ምጻእርን ብሓባር እዮም ዚነብሩ ፣ ህይወት እውን ከምኡ እያ ። ሎሚ እውን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ወንጌል ብወንጌል ንህይወት ደቂሰባት ንምድሓን ጽንዓትን ትዕግስትን የድሊ እዩ ። በዚ ኸብምዚ ሓንቲ ሃገር ትዝ ትብለኒ ክርስትያን አሕዋንትን አሓትን ክርስትያን ብምዃኖም ጥራይ ስደትን መከረራን ይበጽሖም አሎ ነምነቶም ክነብርዎን ሃይማኖቶም ብሰላምን ገልግሉን ስለ ዘይክእሉ ዝኸፍልዎ ዘለዉ ዋጋ የተሓሳስበኒ ። ብምባል ቅዱስ አቦና አስተምህሮቶም ቀጸሉ።
መስተንክር ግብርታት አምላኽ
እቶም ሜክሲካዊ ጳጳስ ንዮሓንስ ዲየጎ ነቲ መልእኽቱ ክቕበልዎም ዝብሎ ዘሎ ንኽአምንዎን ሓደ ተአምራት ምስክር ዝኾኖ ይሓትዎ፣ እኖና ድንግል ማርያም ከአ ንዮሓስን ከምዚ ክትብል ተበራትዖ "አይትጠራተር አብዚ ዘሎኹ ኣዴኻ መን ድየ? "
ክንደይ ሰናይ ኢዪ! እኖና ድንግል ማርያም ወትሩ አብ ግዜ ብጓሂን ጭንቀትን ከምኡውን ኣብ ጸገም ክንርከብ እንከሎና አብ ነፍስወከፍ ልባትና እብለዝን እዚ ኢዩ "አጆኹም አነ እንድየ አዴኹም ግዲ?" በዚ ኸምዚ ወትሩ ኸተጸናንዓናን አብ ጕዕዞና ንኽንቕጽል ብርታዐ ኽትህበናን ትርከብ ።
ስለዚ ድማ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንዮሓንስ ዲየጎ ነቲ አብ ርእሲ እቲ እምባ ዝነበረ ዕምባባታት ክርኢ ዝገበረቶን ካብኡ ብኽዳኑ አኪቡ ድማ ናብቶም ኣቡን ኬብጽሖ ዝነገረቶ፦
በዚ ኸምዚ ድማ - ኣብቲ ነቲ ዕምባባታት ዝአከበሉ ዓለባኡ ስእሊ እኖና ድንግል ማርያም ተሳኢሉ ዝተረፈ፣ እዛ ስእለ እግዝእትነ ማርያም መልዕልተ ባህርያዊት ዝኾነት ህያው ስእሊ፣ አብ የዕንትና ከይተረፈ ተሳኢላ ተሪፋ ዘላ ንሳ ኢያ እታ ንዘደንቕ ተግባር አምላኽ እትገልጸልና ። ስለዚ ንአምላኽ ክፉታት ምስ እንኸውንን እንእዘዞን ዘይተጸበናዮ ነገር ብግዜን ክንግምቶ ብዘይንኽእል መገድን ክፍጽም ይኽእል ኢዩ።
መካናተ ንግደታት ናይ ምጽንናዕን ምሕረትን
በዚ ኸምዚ ድማ እታ ቤተ መቅደስ እኖና ድንግል ማርያም ተሃንጸት ቅዱስ ዮሓንስ ካብኡ ንደሓር ህይወቱ ምሉእ ነቶም ናብዚ ቅዱስ ቦታ ዝምጹ ነጋድያን አብ ምቕባልን ምግልጋልን ወንጌል ምስባኽን አወፈዮ ።
አብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ እቲ ኹሉ አብያተ መቕደስት እኖና ድንግል ማርያም ዝፍጸም፣ መካነ ንግደታትን ናይ ስብከተ ወንጌል ቦታታትን፣ አባኡ ኩሉ ሰብ ከም አብ ገዛኡ ዘሎ ኮይኑ ክስምዖ አለዎ። ... አባኡ እምነት ብቕልል ዝመበለ መንገዲ ተቐባልንት ተረክብ፣ ከምኡ ውን ንእምነት ብገርሀይና ልቢ ንቕበሎ፣ ከምቲ ንዮሓንስ ዲየጎ እኖና ቅድስሪ ድንግል ማርያም ዝበለቶ ከአ ንሳ ንብኽያትና ትሰምዖን ንስቓይና ትፍውስን ። ነዚ እስከ ንርአ፦ ኣብ ህይወትና ጸገማት ክርከቡ ከለዉ ናብ ኣደ ንኸይድ፣ አብ ህይወት ሓጐስ ምስ ረኸብና ኸኣ ነዚ ውን ንምክፋል ናብ ኣደ ንኸይድ ኢና ። ስለዚ ንሕናውን አብ መንፈሳዊ ህይወትን ናብቲ እምነት ብቛንቋ ኣደ ዚግለጸሉ ልሙዕ ቦታ ምጽንናዕን ምሕረትን ክንከይድ ኣሎና፣ ነቶም ናይ ህይወትና ጸገማት ኣብ ሕቝፍታ አዴና ዝኾነ ድንግል ማርያም ነማዕቍቦ በዚ ኸምዚ እውን ንሰላም ከም ደቃ መጠን ኣብ ልብና ከተንግሰልና ኢና።