ድለ

ፍራንቸስኮ ካብ ሊዝበን ናብ ሮማ ተመሊሶም፥ ስለ ዝተገብረለይ ምዉዕ ኣቀባብላ አመስግን! ፍራንቸስኮ ካብ ሊዝበን ናብ ሮማ ተመሊሶም፥ ስለ ዝተገብረለይ ምዉዕ ኣቀባብላ አመስግን! 

ፍራንቸስኮ ካብ ሊዝበን ናብ ሮማ ተመሊሶም፥ ስለ ዝተገብረለይ ምዉዕ ኣቀባብላ አመስግን!

“ኣብ መወዳእታ ሓዋርያዊ ጉዕዞይ ናብ ሮማ ኣብ ዝምለሰሉ ዘለኹ እዋን ደጊመ ንኽብሩነትኩም ርእሰ ብሔርን ንፖርቱጋላውያን ዓሚቝ ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ። ስለ ዝተገብረለይ ምዉዕ ኣቀባብላንን ስንብታን አመግን፡ ስሌኹምን ሃገርኩምን እጽሊ፡ ናይቲ ከሃሌ ኵሉ ኣምላኽ በረኸት ሕብረትን ሓጎስን ሰላምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፖርቱጋል እምሕጸን”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ነሓሰ ልክዕ ሰዓት 18.20 ድሕሪ ቀትሪ ሊዝበን ኣብ ዝርከብ ፊጎ ማዱሮ ብናይ ረፓብሊካዊት ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ሶዛ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ንኽብሮም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ናይ ሃገረ ቫቲካንን ፖርቱጋልን ሰንደቕ መዛሙር ምስ ተሰምዐ ክቡር ዘበዐይና ንኽብሮም ድሕሪ ዘቕረቦ ናይ ክብሪ ሰላምታ ተሰናቢቶም ናብ ሮማ ከም ዝነቐሉን ኣብ ምምላሶም ነተን ናይ በረራ ዶባተን ንዘቋረጹለን ሃገራት ናይ ተለግራም መልእኽቲ እውን ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም መበል 42 ዓለምለኸ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም፥ ንርእሰ ብሔር ሶዛ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥ “ኣብ መወዳእታ ሓዋርያዊ ጉዕዞይ ናብ ሮማ ኣብ ዝምለሰሉ ዘለኹ እዋን ደጊመ ንኽብሩነትኩም ርእሰ ብሔርን ንፖርቱጋላውያን ዓሚቝ ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ። ስለ ዝተገብረለይ ምዉዕ ኣቀባብላንን ስንብታን አመግን፡ ስሌኹምን ሃገርኩምን እጽሊ፡ ናይቲ ከሃሌ ኵሉ ኣምላኽ በረኸት ሕብረትን ሓጎስን ሰላምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፖርቱጋል እምሕጸን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ከምኡ እውን ንናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንፖርቱጋል “ንውቅያኖስ ዝርኢ ዶብ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ህዝብታትን ባህልታትን መራኽቦ ሃገር” እንክብሉ ገሊጾም፡ ኣብታ ሃገር ነቲ ናይ መንእሰያት ውዕዉዕ ስምዒትን ናይታ ሃገር መንፈሳዊ ተመክሮታትን ብቐረባ ዝረኣይዎ ህያው ኮይኑ ድማ ከም ዘሰንዮም ኣረጋጊጾም፥ “እቶም ሓደስቲ ወለዶታት ኣብነት ድንግል ማርያም ብምስዓብ ብፍላይ ከምቲ ከም ኣዴማ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፋጢማ ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦ ንነፍሲ ወከፍና ዘለዎ ውጥን ብምትእምማን ኣብነታ ብምስዓብ ክንጓዓዝ ጸሎተይን ምስጋናይን ናብቲ ልዑል ኣቦ ክብ አብል” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱነቶም ልክዕ ሰዓት 21.40 ደቓይቕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሖም ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም - ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ኣትዮም።

ር.ሊ.ጳ. ካብ ሊዝበን ናብ ሮማ ተመሊሶም
07 Aug 2023, 09:40