ድለ

2023.08.21 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጠበቓታት ኤውሮጳ፥ ‘ኣገልገልቲ ሓቅን ፍትሕን ኩኑ’ 2023.08.21 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጠበቓታት ኤውሮጳ፥ ‘ኣገልገልቲ ሓቅን ፍትሕን ኩኑ’  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጠበቓታት ኤውሮጳ፥ ‘ኣገልገልቲ ሓቅን ፍትሕን ኩኑ’

“ኣብ ሓደ ካብ እማመታትኩም ‘ግዝኣተ ሕጊ ድሕሪ ደጊም ኣብ እዋን ቅልውላው ሓዊሱ ንፍሉያት ክኸውን የብሉን” ዝብል ጽንዓት ኣድኒቖም - ምኽንያቱ ልዕልና ሕጊ ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ኣካል ኣማእኪሉ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ንምሕላው ዝዓለመ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ፍሉይነት ከምዘይብሉ ይእመን፥ መትከል ስለ ዝኾነ።”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ነሓሰ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣባል ሃገራት ማሕበር ጠብቓታት ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዘካይድዎ ርክብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ጠበቓታት ልዕልና ሕጊ ክሕልዉን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስ ሕብረተሰብ ኣብ ዘለዎ ርክብ መሰላትን ግብኡን ከም ዘለዎም ክዝክሩ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቶም ብናይ ኣዋጅ ቪየና ስምምዕ ዝቖመ ናይ ኤውሮጳ ኣባል ሃገራት - ባይቶ ጠበቓታት ልኡካን ተቐቢሎም፥ ነቲ ዕለት 11 ሰነ 2022 ዓ.ም. ዝጸደቐ ሰነድ ኣባላት ሃገራት እቲ ቤት ምኽሪ፡ ንልዕልና ሕግን ናጽነትን ፍርዳዊ ኣካልን ዝድግፍ ቃል ክኣትዋ ዝደረኸ ምዃኑ ኣዘኻኪሮም፥ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ “ኣብ መሬት ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ትርጉም ኣልቦ ኲናት” ዝተጸልወ “ጸገም” ዘለዎ ኤውሮጳዊ ቅርጺ - እቶም ጠበቓታት “ኣብ ምድንፋዕ ደሞክራስን ምኽባር ናጽነትን ሰብኣዊ ክብርን ኣገዳሲ ኣበርክቶኦም” ኣመስጊኖም።

ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ኣካልነት

እዚ መትከላት እዚ “ብፍርሒ በርገሳዊ ናዕቢ፡ ተግባራት ዓመጽ ለውጢ፡ ናይ ምዝንባዕ ተስፋን ህጹጽ ኩነታትን ኣብ ምግጣም ኣድማዒ ስግሙቲ ምውሳድን” ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከም ዝኽእል ኣስተብሂሎም፥ ውጽኢቱ ድማ “ፍሉያት ንምግባር ወይ ንምድራት ዝግበር ፈተና፡ . . . ልዕልና ሕጊ ንምውሓስ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እንተወሓደ ንግዚኡ ቀሊልን ቅጽበታውን ፍታሕ ዘርክብ ክኸውን ይኽእል።

“ኣብ ሓደ ካብ እማመታትኩም ‘ግዝኣተ ሕጊ ድሕሪ ደጊም ኣብ እዋን ቅልውላው ሓዊሱ ንፍሉያት ክኸውን የብሉን” ዝብል ጽንዓት ኣድኒቖም - ምኽንያቱ ልዕልና ሕጊ ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ኣካል ኣማእኪሉ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ንምሕላው ዝዓለመ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ፍሉይነት ከምዘይብሉ ይእመን፥ መትከል ስለ ዝኾነ።”

ማእከልነት ሰብኣውነት

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ዕለት 25 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብ ስትራስበርግ ኣብ ዝርከብ ባይቶ ኤውሮጳ ተረኺቦም ናይ ዘስምዕዎ መደረ ሓያሎ ክፍልታት ዘኪሮም፡ ኣብቲ እዋን እቲ ቅዱስ ኣቦና፥ “መሰረትን ክብርን ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብቲ ስግር መበቆሉ ክርከብ ከም ዘለዎን በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ኩሉ ሰብኣዊ ጉዳያት እናጠለበ ኣብ ሓደ እዋን ዝኾነ ይኹን ምግሃስ ናይቲ ክብሪ ዝኽልክል እዩ፡ ማእከልነት ሰብኣውነት ምኽባር፡ እዚ እንተዘይኮይኑ ኣብ ምሕረት ናይቲ ህሞት ሸውሃትን ሓይልታትን እዩ ዝኸውን።” ኣብ ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ “ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ኣካል ማሕበራዊ ኩነታት ምዃኑ ኣብ ግምት ከየእተወ ዝያዳ ውልቃዊ መሰላት ናይ ምሕታት ኪደት” የስተብህሉ።

ምስጢራዊ ርክብ

“ወንጌላዊ ሓሴት”  ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ጠቒሶም፥ ብዛዕባ ኣምር ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ ኣውን ስዒቡ ዝመጽእ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዘይትኽክል ምርዳእን ምትግባርን፡  ምልካዊ ስርዓት ኣንጻራውነት፡ ሕላገት ዘይታሪኻዊ መሰረታውነት፡ ሕያውነትን ጥበብን ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዝጐደለ ምሁራዊ መደረ ከመይ ጌሩ ንሰባት ግዳይ ክግበሮም ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም፥

[ሕብረሰባትና ውልቀሰባት ሓሳቦም ክገልጹን ጾሮም ከንብሩሉን ዝኽእሉ መልክዓት ምስጢራዊ ርክብ ምዕቃብ ኣገዳሲ እዩ . . . ]

ነዚ ብዝምልከት ቅዱስነቶም ኣብ መንጎ ፍጹም ዕቃበ ምስጢር ንስሓ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን “ሓደ ሰብ ካብ ዝተወሰነ ኩነታት ንኽላቐቕ ጠበቓኡ ምእንቲ ክሕግዞ ሓቂ ኣብ ምንጋርን ዘሎ ተመሳሳልነት” ኣስተብሂሎም፥

ሰላምን ስኒትን

ኣተሓሒዞም፥ ምስ ምዕቃብ “ምድሪ፥ ናይ ሓባር ቤትና” ዝተኣሳሰር ቃል ኪዳንን “ንከባቢ ንምሕላው ዝዓለመ ስርዓታዊ ቅርጺ ንምምዕባል ንምስራሕ ድልውነት” ኣፍልጦ ብምሃብ፥ “እዋናዊ ክውንታ ኣብ ግምት ዘእተወ ሕዳሴ ንምግባር ካልኣይ ክፋል ዓዋዲት መልእክቲ ስብሃት ሎቱ እሰናድው ኣለኹ”ቢሎም፥ “ንኤውሮጳውያን ጠብቓታት “ናብ ኣገልግሎት ሓቅን ኣብ ዓለም ሰላምን ኣብ ሕብረተሰብና ስኒትን ንምስጓም ዘድሊ ፍትሒ ኣብ ዘቕንዐ ሞያኦም ክጸንዑ ኣተባቢዖም፥ ንኹሎም ጠበቓታት ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደን ሓላዊ ጠብቓታት ቅዱስ ኢቭን ኣወኪፎም መደረኦም ዛዚሞም።

22 Aug 2023, 15:06