ድለ

2023.08.05 Viaggio Apostolico in Portogallo in occasione della XXXVII Giornata Mondiale della Gioventu' - Incontro privato con i Membri della Compagnia di Gesu' 2023.08.05 Viaggio Apostolico in Portogallo in occasione della XXXVII Giornata Mondiale della Gioventu' - Incontro privato con i Membri della Compagnia di Gesu'  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንኢየሱሳውያን ምዕባሌ ሰረተ-እምነትን ሲኖዶሳውነትን ንቤተ ክርስትያን ኣገዳሲ ምዃኑ ገለጹ

አብቲ ርክቦም ዘነበረ ቀንዲ ኽፋል አርእስቶም እቲ ሓባራዊ ንኹሉ ዝሓቁፍ ምዃን ዝብል አምር ኢዩ ኔሩ ። ኣብቲ አብ ሊዝበን ዝተገብረ መደባት ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት፣ ቤተ-ክርስትያን ናይ ኩሉን ንኹሉን ክትከውን አለዋ ዝብል ርድኢት፣ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቤተ-ክርስትያን "ንዅሉ ሰብ ዝኸውን ቦታ ኣለዋ" ብምባል ዝደጋገምዎ ቃለ አጋንኖ "ቶዶስ ቶዶስ" ማለት “ኵሉ ኩሉ” ብዝበልዎ ኣጸቢቑ ደሚቑ ንረኽቦ ።

አብታ "ላ ሲቪልታ ካቶሊካ" ዘርእስታ ብኢየሱሳውያን እትመሓደርን እትሕተምን ክልተ ሰሙናዊት መጽሔት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት 2023 ናብ ሊዝበን ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ፣ ቅዱስነቶም ምስ ማሕበር ካህናት ኢየሱሳውያን ፖርቱጋል ዝገበርዎ ርክብ ዝሓዘ ጽሑፍ አቕሪባ። ኣብቲ ርክቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ አብዚ ግዜ እዚ ቤተክርስትያን ዘለዋ ብድሆታትን ብዛዕባ እቲ ንኹሉ ዘማእከለ ዝብል ዘለዎም ሓሳብትን፣ ብዛዕባ ምዕባለ ሰረተ-ትምህርቲ እምነትን ሲኖዶሳውነትን ዝለዎም ኣረኣእያን ብገፊሑ ንምክፋል እተፈላለየ ኣርእስትታት ኣቕረቡሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብቲ ንዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት ናብ ፖርቱጋል ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ምስ ማሕበር ኢየሱሳውያን ሊዝበን ብግህዶ ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ብዛዕባ እቲ ቤተክርስትያን ኣብዚ ግዜና ዘለዋ ብድሆታት ብዓሚቝ ብምስትውዓል ከምኡውን ብዛዕባ ሓራዊ ንኹሉ ዘማእከለ ዝብል ምዕባለ ሰረተ-ትምህርቲ እምነትን ከምኡውን ብዛዕባ ሲኖዶሳውነትን ዘለዎም አተሓሳስባን ርድኢትን አካፍልዎም። 

ንኵሉ ዚሓቍፍ ምዃን ማእከላይ መድረኽ ኢዩ

አብቲ ርክቦም ዘነበረ ቀንዲ ኽፋል አርእስቶም እቲ ሓባራዊ ንኹሉ ዝሓቁፍ ምዃን ዝብል አምር ኢዩ ኔሩ ። ኣብቲ አብ ሊዝበን ዝተገብረ መደባት ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት፣ ቤተ-ክርስትያን ናይ ኩሉን ንኹሉን ክትከውን አለዋ ዝብል ርድኢት፣ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቤተ-ክርስትያን "ንዅሉ ሰብ ዝኸውን ቦታ ኣለዋ" ብምባል ዝደጋገምዎ ቃለ አጋንኖ "ቶዶስ ቶዶስ" ማለት “ኵሉ ኩሉ” ብዝበልዎ ኣጸቢቑ ደሚቑ ንረኽቦ ። ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ጾታዊ ኣረኣእያኦም ወይ መንነቶም ብዘየገድስ ንዅሎም ውልቀ-ሰባት ዝኸውን ቦታ ምፍጣር ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ አጕሊሖም ከም ዝተዛረቡ ዝዝከር ኢዩ ። እዚ መልእኽቲ እዚ ውን አብቲ ምስ ማሕበር ካህናት ኢየሱሳውያን ኣብ ፖርቱጋል ዝገበርዎ ርክብ ነዚ ዘቃልሕ ኢዩ ዝነበረ ። 

ንዅሉ ተቐባልነት ምህላው

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጾታዊ መንነት ብዘየገስ ነቶም ሓደአዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ውን እንተኾኑ፣ ኣብ ቤተክርስትያን ክቕበልዎም ኸም ዝጸውዑ እንደገና ገለጹ ። ነቲ ኣብ ጾታዊ ኣበሳ ዘሎ መጠኑ ዝሓለፈ ኣትኵሮን ጽንፈይናዊ አተሓሳስባን ብምንቃፍ እኳ ደአ ካልኦት 'በደላትን ሓጢአታትን' መብዛሕትኡ ግዜ ዕሽሽ ተባሂሎም ይሕለፉ ከም ዘለዉ ውን አትሪሮም ገለጹ። ስለዚ ንኹሉ ማለት ብዘይ አፈላላይ ንውልቀ-ሰባት ኣብ መንፈሳዊ ጕዕዞኦም ከሰንይዎም ከም ዘለዎም አባታዊ ምኽሮም አቕረቡሎም ። ቀጺሎም ድማ ቅዱስ አቦና ንውልቀ-ሰባት አብ መንፈሳዊ ጕዕዞኦም ንምሕጋዞምን ንኸነሰንዮምን ጕስነታዊ ቅንአትን አርአያዊ ቅርበትን ከም ዘድሊ አነጺሮም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቶም ሰገር-ጾታ ዝኾኑ ግለዘባት ንዝገበርዎ ርክብ እንከዘንትዉ ድማ እዞም ግለሰባት ቅርበትን ድንጋጼን ቅዱስነቶም ብምርአዮ ብምሽጦም ከም እተተንከፉን ከም ዝነብዑን ይዝክሩ ። ነቶም መብዛሕትኡ ግዜ እተነጸሉ ዀይኑ ዚስምዖም እተገለሉ ክፍሊ ማሕበረሰብ ምሕጋዝ ኣድላዪ ከም ምኹኑ መጠን ንኣገዳስነት ድንጋጸን ርሕራሔን አትሪሮም አስመሩሉ ።

ብዛዕባ ቐጻሊ ውግኣት ህጹጽ ሻቕሎት 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ህጹጽ ዝኾነ ጕዳያት አመልኪቶም እንክዛረቡ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣትሒዙ ብቐጻሊ አብኩሉ ክፍልታት ዓለም ዝተፈላለዪ ውግአት ኣስፋሕፊሑ ምህላዉ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዝፈጥረም ገለጹ ። ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓለምለኻዊ ጕዳያት ኣጕልሖም ብምርአይ ወሳኒ ዝኾነ  ሰላማዊ መፍሔ ናይ ምድላይ ተበግሶ ምውሳድ ህጹጽ ስጉምቲ ምዃኑ ድማ ገለጹ ።

ምዕባለ ሰረተ-ትምህቲ እምነት ከም ዘድሊ

አብቲ ዝርርቦም ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ወጥሪ ናይ አተሓሳስባ፣ ማለት እንተላይ ነቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተገብረ ውሳኔታት ከይተረፈ ንምጽራርን ዘይምቕባልን ዘጠቓልል ኢዩ ክብሉ ጠቐሱ ። ቅዱስነቶም ነቲ ገለገለ አካላት ንካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንምውቃስ ዝገብርዎ ስም ከይሃብካ ተጠንቂቕካ ዝግበር ጠቐነታትን ካልእ ዜምጽእዎ እተሓላለኸ ብድሆታትን ኣፍልጦ ብምሃብ ጠቐስዎም ። ነቲ ንጡፍ ዝኾነ ባህርይ ሰረተ-ትምህቲ እምነት ብምጥቃስ ድማ ክምዕብልን ፍልቀት ክህልዎን ብምግላጽ ድማ፣ ሰረተ-ትምህርቲ እምነት ቤተ-ክርስትያን ዘይቀያየር ንጽለ-ከውሒ ዘይኰነስ መሰረቱ ከይሓደገ እናማዕበለ ዚኸይድ ኣካል እዩ ዚብል ኣተሓሳስባ ድማ አዕሚቖም ገለጹ ። ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ሰረተ-ትምህቲ እምነት ክሳዕ ክንደይ እና ማዕበለን ግልጺ እናኾነን ከም ዝኸይድ ንምግላጽ ንአብነት ከም ናይ ፍርዲ ሞት ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከምኡውን ብዛዕባ ባርነት ዝኣመሰሉ ትምህርታትን ርድኢታትን ከመይ ቢሎም ከም ዝተቐየሩ ታሪኻዊ ኣጋጣሚታት ጠቐሱ ። 

ኣንጻር መንፈስ ዓለማውነት 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ መጠኑ ዝሓለፈ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ናብ ሃይማኖታዊ ህይወት ጥሒሱ ምእታዉ ከም ዘሻቐሎም ገለጹ ። ነቲ ቐንዲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ምስቲ ዜስድዕ ዓለማዊ ስነ-ሓሳብ ከይንለማለም ኣጠንቀቑ። ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ቤት-ክህነት ሰበኻ ሮማ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ብምጥቃስ አብ መንፈስ ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ኣብቲ አብ ቤተ-ክርስትያን ኬውርዶ ዚኽእል ጕድኣትን ከይንወድቕ ኣጠንቀቑ። ብተወሳኺውን እቲ "ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል" ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ዘለዎም ልምድታትን ናብ ሕብረተሰብ ዘምጽኦ ብድሆታትን ንአብነት ከም ልምዲ ናይ ጽዩፍ-አሳእል ዝኣመሰለ ተግባራት ኣብዚ መዋእል ምዕባለ ኤለክሮኒካዊ መሳርሒታት ዘምጽኦ ሳዕቤናትን አግፊሖም ብምምርማት ዘተዮም። 

ሲኖዶሳውነት 

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ እቲ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን አብ ኣገደስቲ ጕዳያት ቤተክርስቲያን ንኽዝትዩ አብ ምቅርራብ ዝርከብ ሲኖዶስ ዘለዎም ትጽቢት ገለጹ። ቅዱስነቶም ሲኖዶስ ናቶም ፈጠራ ከም ዘይኮነ ድሕሪ ምንጻር ፣ ኣብ ክንዳኡስ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ንመጀመርታ ግዜ ዝጀመርዎ ኣብ ባህሪ ቤተ-ክርስትያን ዝነበረ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ናብ ቀደሙ ንምምላስ ዝዓለመ እዩ ። እቲ ንሲኖዶስ ዝድርኾ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ብምግላጽ ከአ ካብ ፖለቲካዊ ኣድልዎ ነጻ ዝኾነን ወይ ድምጺ ኣብ ምርካብ ጥራይ ዘተኰረ ከም ዘይኮነ ገለጹ ። 

29 Aug 2023, 15:21