ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ቅድስቲ ካተሪ ተካክዊታ ተራ ተግባራት ናብ ዓብዪ ቅድስና ከብጽሕ ከም ዚኽእል ኣርኣት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ህይወት እታ ቅድስቲ እንከስተንትኑ ፣ ካተሪ ካብ ላዕለዋይ ክፍሊ ኒው-ዮርክ ኮይና ፣ ጓል ሓደ ሓለቓ ናይ ሞሃውክ ሕብረተሰብ ዝኾነት፣ ሓንቲ ኣደ ካብ ኣልጎንኲን ዝበሃሉ ክርስትያን ምዃና ውን ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብቲ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ አብ ዘስምዕዎ አስተምህሮ፣ ነታ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ፋልመይቲ ቅድስቲ ዝዀነት ቅድስቲ ካተሪ ተካክዊታ ብምጥቃስ፣ ቅዱስነቶም እምነታ ኣብ ስድራቤታ ከም ዝጀመረን መከራኣ ድማ ናብ መስቀል ገጻ ከም ዝሰሓባን ከምኡውን በቲ ተራ ዝኾነ ቅዱስ ተግባራታ ሓያል ኣብነት ከም ዝዀነት ብምግላጽ ነቲ ቕዱስ ሓዋርያዊ ቅንኣታ አድነቕዎ። 

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን  

እቶም ተራ ዝመስሉ መዓልታዊ ተግባራት ህይወት ዓብዪ ቕድስና ኼንጸባርቑ ይኽእሉ ኢዮም ... 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነታ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ናይ መጀመርታ ቅድስቲ ዝኾነት ቅስድቲ ካተሪ ተካክዊታ ሎሚ ሮቡዕ አብቲ ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝስመ ናይ ጉዳኤ ኣዳራሽ ዘካየድዎ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕቤት ቅድስናአ ብምጥቃስ አድነቕዋ ። 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብዛዕባ ሓዋርያዊ ቅንአት አቀዲሞም ዝጀመርዎ ተኸታታሊ ትምህርቲ እንክቅጽሉ፣ ምስክርነት ቅዱስ ህይወት ሰብኡትን ኣንስትን ከመይ ኢሉ ወንጌል ኣብ መላእ ዓለም ክበጽሕ ከም ዝገበረን ፣ ንእምነት ናብ ኩሉ ከስፋሕፍሕ ከም ዝገበረን ብምግላጽ ቀጸልዎ ። 

ስድራቤታዊ እምነት 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ህይወት እታ ቅድስቲ እንከስተንትኑ ፣  ካተሪ ካብ ላዕለዋይ ክፍሊ ኒው-ዮርክ ኮይና ፣  ጓል ሓደ ሓለቓ ናይ ሞሃውክ ሕብረተሰብ ዝኾነት፣ ሓንቲ ኣደ ካብ ኣልጎንኲን ዝበሃሉ ክርስትያን ምዃና ውን ገለጹ ። 

ቅዱስነቶም አብ አስተምህሮኦም  - "መብዛሕትና ንመጀመርታ ግዜ ናብ ጐይታ ዝቐረብና አብ ስድራቤትና ኢና፣ ብፍላይ ከኣ ብምስክርነት ኣዴታትናን ዓባያትናን ኢዩ ዝነበረ።” በሉ። 

መብዛሕትኡ ግዜ ወንጌላውነት በዚ ኸምዚ ኢዩ ዝጅምር እንክብሉ - "ከምቲ ወለዲ ንደቆም ምስ ኣምላኽ ብጸሎት ክዘራረቡ ከም ዘምህርዎምን ከምኡ ውን ብዛዕባ እቲ ዓብይን ምሕረተንናን ፍቕሩ ንኽርድኡ ከም ዚሕግዝዎም ብነአሽቱ ተራ ዝመስሉ ተፍባራትን እዩ ። " በሉ። 

ናይ ካተሪ መሰረት እምነታን ናይ ብዙሓት ካባታትናን ውን ጅማሮ እምነትና ብዚ ከምዚ ኢዩ ዝነበረ ብምባል ቅዱስ አቦና ዘለዎም ትዕዝብቲ አካፈሉ ።

ስቓይ ነቲ ንመስቀል ዘለዋ ፍቕሪ አስተንፍሶ ኮይንዋ 

ካብ ንእስነታ ኣትሒዙ ሕማም በዲዶ ስለ ዘቝሰላን ብዙሕ ሰለ ዘሳቐያን "እቲ ዘሕለፈቶ ስቓይ ናብ ዓብዪ ፍቕሪ መስቀል ከም እትሰሓብ ገበራ" ከምኡውን "ክርስቶስ ኣብቲ ንደቅሰብ ዘለዎ ናይ ድሕነት ፍቕሪ ጥቡቕ ቅርበትን አፍልጦን ከም ዝህልዋ ገበራ" በሉ።  

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዘሕለፈቶ ስቓይ ብምዝካር ንእምነታን ርድኢታታን ብገፊሑ ገለጹ ። 

ቅዱስ አቦና "ወንጌል ኣብ ምንባርን ኣብ ምምስካርን ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ተስፋ ንኽንቈርጽ ኣብ ገዛእ ምትእምማና ንኽንዕቈብ ወይ ከአ ምስ ከማና ብዚሓስቡ ንዓና ዝመስሉን ንኣሽቱ ጕጅለታት ገዛእ ርእስና ንምዕጻው ክንፍተን ንኽእል ኢና" በሉ። 

ይኹን እምበር "ህይወት ካተሪ ተካክዊታ ነቲ ኣብ መገዲ ክርስትና ብተኣማንነትን ብጽንዓትን ንኽንቅጽል ዘድልየና ጸጋ ዝሃበና ኢየሱስ ልብና እንተ ኸፊትናሉ ንኵሉ ብድሆታት ህይወት ክንሰግሮ ከም እንኽእል ኢዩ ዘርኢ" እንክብሉ አስተምሃሩ። 

ዓሚቝ መንፈሳውነትን ጸሎትን 

ቅዱስነቶም "አብ ቅዱስ ቁርባንን ጸሎተ መቝጸርያን ከምኡውን አብ ናይ ንስሓ ህይወትን ዝነበራ ዓሚቍ መንፈሳውነት በቲ ንኣረጋውያንን ሕሙማትን እትገብሮ ዝነበረት ናይ ግብረ - ሰናይ ሓልዮትን ከምኡውን ነቶም ኣብ እምነት ይዓብዩ ዝነበሩ ቘልዑ አብ ምስትሃርን ዝነበራ ተወፋይነት መግለጺ ብሱል መንፈሳውነታ ነይሩ " በሉ ። 

ርእሰ ሊቃን ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ህይወት ካተሪ "ሓዋርያዊ ቅንአት ምስ ኢየሱስ ኣገዳሲ ሕብረት ብምግባርን ብህይወት ብጸሎትን ብምስጢራትን ብምምጋብ ከምኡውን ንጽባቐ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ብተኣማንነት ንምምስካር ዘለዋ ባህጊ ዘመልክት ምዃኑ ተወሳኺ ምስክርነት ኢዩ ። " በሉ።

ክትምርዖ እኳ እንተ ተተባብዐት ህይወታ ምሉእ ብምሉእ ንክርስቶስ ክትውፍዮ ደለየት ። ናብ ውፉይ ህይወት ክትኣቱ ስለ ዘይከኣለት ብ25 መጋቢት 1679 ዓቢይ መሓላ ድንግልና ብምግባር ናብ ዕላዊ ናይ ስብከተ ወንጌል ህይወት አተወት። 

በዚ ከምዚ ከአ "እቲ ናይ ህይውት ምርጫኣ ካልእ መዳይ ናይ ሓዋርያዊ ቅንኣት እንክኸውን ማለት ንጐይታ ምሉእ ተወፋይነት ገዛእ ርእስኻ ከም ምሃብ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ" በሉ። 

ጽሞናዊ ሓጐስን ንጐይታ ግልጽ ምዃንን 

ቅዱስ አቦና አብ ትምህርቶም - "ኣብ ካተሪ ተካክዊታ ምስ ሓንቲ ንወንጌል ዝመስከረት ሰበይቲ ኢና እንራኸብ፣ ከመይሲ ንሳ ሓደ ማሕበር ናይ ውስፉይ ህይወት አይመስረተርን፣ ከምኡ ውን ሓደ ትምህርታዊ ወይ ናይ ግብረ-ሰናይ ትካል ፈጺማ ኣይመስረተትን ብዙሕ ዓበይቲ ገግባርት ብምግባራ ዘይኮነስ፣ የግዳስ ንጐይታን ንኻልኦትን ግልጽ ዝዀነ ህይወት ብምንባር ከምኡ ውን ብጽሞናዊ ሓጐስን ናይ ህይወት ናጽነትን ብምንባር ኢያ ረኺባ።" 

ካተሪ ጓል 24 ዓመት ከላ ብ17 ሚያዝያ 1680 ቀቅድሚ ሙማታ ኣብ ዝነበረ መዓልትታት እውን ከይተረፈ "ንኣምላኽ ብምፍቃርን ብምውዳስን ከምኡውን ነቶም ምስአ ዚነብሩ ኸምኡ ኺገብሩ ብምምሃር" ሓዋርያውነታ ኸም ዝፈጸመት ቅዱስ አቦና መስከሩላ። እተን ናይ መወዳእታ ቓላታ 'ኢየሱስ አፍቅረካ እየ' ዚብላ እየን ነይረን።" 

ብእምነት ዝፍጸም ተራ ተግባራት 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ - "ከምቲ ቅድስቲ ካተሪ ተካክዊታ ዝገበረቶ ካብ ጐይታ ብርታዐ ሓይልን ንርከብ። በዚ ከምዚ ድማ ካብአ ከመይ ቢልካ ነቲ ተራ መዓልታዊ ተግባራትና ብመልእልተ ባህርያዊ ኩነቱ ክንገብሮ ከም እንኽእል ንመሃር ምስ እዚ ድማ መዓልታዊ አብ እምነትን ፍቕርን ቅንአት ምስክርነት ኢየሱስን ንዕበ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዓብዪ ምስክርነታ ኣብንኣሽቱ ዝመስሉ ተግባራት እውን ከይተረፈ ምስክር ብምዃና ነአድዋ ። 

ቅዱስ ኣቦና ነዚ አብነታዊ ዝኾነ ህይወት ቅድስቲ ካተሪ ተካክዊታ ወንጌል በቲ ንዓለምና ናይ ምቕያር ሓይሊ ዘለዎ ህዱእን መዓልታዊ ተግባራት ተገሊጹ ዘሎ ቕድስና ብዙሕ ፍረ ናይ ምፍራይ ሓይሊ ኸም ዘለዎ አብነት ኮይናትና ክብሉ መስከሩላ። 

30 Aug 2023, 16:03