ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ስሎቨንያ ጆርጂያ ብዘጋጠመ ኣዕናዊ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ብዝተጊድእይ ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ስሎቨንያ ጆርጂያ ብዘጋጠመ ኣዕናዊ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ብዝተጊድእይ ይጽልዩ  (BORUT ZIVULOVIC)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ስሎቨንያ ጆርጂያ ብዘጋጠመ ኣዕናዊ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ብዝተጊድእይ ይጽልዩ

ስለ እቶም ግዳያት እጽሊ፥ ንስድራኦምን ንዅሎም በዚ ሓደጋታት ንዝሳቐዩ ዘለዉ ሰብኣውን መንፈሳውን ቅርበተይ ኣረጋግጽ፥

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 9 ነሓሰ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳዊያን ነጋዶ ተቐቢሎም ድሕሪ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ኣብ ስሎቨኒያን ጆርጂያን ዘጋጠመ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ስዒቡ ዝሳቐዩ ንዘለዉ ሓገዝ ክግበረሎም ጻውዒት ኣቕሪቦም ዩክረይንን ኣብ ኲናት ዘለዋ ሃገራት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 9 ነሓሰ ዓመታዊ ክብረ በዓላ ንዘብዓላለትላ ቅድስቲ ኤዲት ሽታይን ሕድሪ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ምስቶም ኣብ ስሎቨኒያን ጆርጂያን ብዘጋጠመ ኣዕናዊ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ንዝሳቐዩ ዘለዉ ቅርበቶም ገሊጾም፥ ነቶም በቲ ዘጋጣመ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ግዳያት ንዝኾኑ ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፥

ስለ እቶም ግዳያት እጽሊ፥ ንስድራኦምን ንዅሎም በዚ ሓደጋታት ንዝሳቐዩ ዘለዉ ሰብኣውን መንፈሳውን ቅርበተይ ኣረጋግጽ፥

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ሓገዝ ከቕርበሎም ሓደራ ቢሎም ነቶም ኣብቲ ዝተጎድአ ከባቢ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ንዘለዉ ናይ ሕጹጽ ሓደጋ እዋን ሰራሕተይናታትን ወለንተይናታትን ድማ ከምዘመስገኑ ኣመላኺቱ፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ በቲ ኣብ ስሎቨኒያን ጆርጂያን ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናም ስዒቡ ብዝተፈጥረ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ስሎቨኒያ ሹድሽተ ሰባት ከም ዝሞቱን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ቤት ኣልቦ ከምዝኾኑን፡ ኣብ ጆርጂያ እውን ብተመሳሳሊ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ፥ ብውሑዱ 19 ሰባት ሓደጋ ሞት ከም ዘጋጠሞም ይሕብር።

ር.ሊ.ጳ. ዩክረይንን ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራትን ኤዲት ስታይን ሕድሪ ይብሉ

ር.ሊ.ጳ. እውን ኣቃልቦኦም ናብ ዩክረይንን ናብተን ብኲናት ዝተሃሰያን ሃገራት ገይሮም፥ ዕለት 9 ነሓሰ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ኤዲት ሽታይን ከምዘብዓለት ዘኪሮም፥ እዛ ቅድስቲ እዚኣ ሓንቲ ካብቶም ሓለውቲ ቅዱሳን ኤውሮጳ ምዃና እውን ዘኪሮም፥ “ምስክርነታ ዘተን ሕውነትን ተወፋይነትን ከነቓቕሕ እጽሊ” ቢሎም ንዩክረይንን ነተን ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራትን ነማላድነታ ሕድሪ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 Aug 2023, 15:54