ር. ሊ. ጳ. ናብ ሞንጎልያ ንዝግበርዎ ጕዕዞ ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕድሪ አወፈይዎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቲ ዕለት 31 ነሓሰ ናብ ሞንጎልያ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንምዕቋብ ንምውፋይን ናብ ባዚሊካ ቅርድስተ ማርያም ዓቢይ በጺሖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ረቡዕ ዕለተ 30 ነሓሰ ድሕሪ ቐትሪ ከምቲ ልሙድ አብ ነፍስ ወከፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ቅድሚ ምንቃሎምን ድሕሪ ምምላሶምን ዝገብርዎ፣ ነቲ ናብ ሃገረ ሞንጎልያ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ እኖና ቅድስተ ማርያም ንምውፋይ ናብ ባዚልካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ በጺሖም፣ አብ ቅድሚ እታ ድሕነት ሮማውያን እተሰምየት ስእለ እግዝእትነ ማርያም ከአ ናይ ግሊ ጸሎት አዕሪጎም።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ቅድምን ድሕርን ሓዋርያዊ መገሻኦም አብዛ ድሕነት ሮማውያን እተሰመይት ስእለ እግዝእትነ ማርያም ዝገበርዎ ምብጻሕ መበል 111 ግዜ ምዃኑ ዝፍለጥ ኢዩ።
ብመሰረት እቲ ናይ ቅድስሪ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዘውጽኦ መግለጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ቅዱስ ልምዲ ምብጻሕ ናብታ ድሕነት ሮማውያን ዝተሰምየ ስእለ እግዝእትነ ማርያም፣ ነቲ ናብ ሃገረ ሞንጎልያ ዚገብርዎ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ንእኖና ድንግል ማርያም ብሕድሪ ንምሃብ ከም ዝኾነ ተገሊጹ።
ቅዱስ ኣቦና ሎሚ ሓሙስ ዕለት 31 ነሓሰ ድሕሪ ቐትሪ ናብ ርእሰ ከተማ ኡላንባታር ክነቕሉ ኢዪም፣ ሰኑይ 4 መስከረም ከኣ ናብ ሮሜ ክምለሱ ኢዮም ።
31 Aug 2023, 11:15