ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናብ መንጎሊያ ከም ሓው ኩሉ!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ነሓሰ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ብሓባር መሪሖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፥ ዝመጽእ ዘሎ ሓሙስ ዕለት 31 ነሓሰ ናብ እስያዊት ሃገረ ሞንጎሊያ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ፥ “ሃረር ዝብሎ ጉዕዞ” ኣንክብሉ ገሊጾም፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ነቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ “ብቁጽሪ ውሑድ ብእምነት ህያውን ብምግባረ ሰናይ ዓባይን ዝኾነ ማሕበረሰብ ክርስቲያ እተሓቁፍ” ቤተ ክርስቲያንን ክመኡ እውን “ዓቢይ ሃይማኖትዊ ትውፊት ንዘለዉ ክቡር ህዝቢ ንኽራኸብ ናብ ሞንጎሊያ ክነቕል እየ” ቢሎም፥ ካብ ዕለት 31 ነሓሰ - ዕለት 4 መስከረም “ብሓባር ተስፋ ንገርብ” ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰነየ ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ብጸሎት ከነሰንዮም ሓደራ ቢሎም፥
እዚ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ብቁጽሪ ውሑድ ብእምነትን ግብረ ሰናይን ህያው ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ክራኸብን ነቲ ብትውፊት እምነት ዓቢይ ዝኾነ ክቡርን ለባምን ህዝቢ ንኽራኸብ ዝሕግዘኒን ኣብቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝካየድ ናይ ሓባር ዓውደ ኣኼባ ንኽርከብ ዕድል ክኾነኒ እዩ!
ከም ዝበሉን ንኹሎም ሞንጎላውያን፥ “ከም ሓው ኵሉ ኣብ መንጎኹም ንኽርከብ እዳለው ኣለኹ፥ ነዚ መገሻ እዚ ክኡል ኣብ ምግባር ንዝዓዩ ዘለዉን ኣዳለውትን አመስግን፥ ምእንታኦምን ስለ እቲ ዝራኸቦ ህዝቢ ሞንጎሊያ እጽሊ፥ ኵልኻትኩም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ብጸሎትኩም ከተሰንይኑ” እምሕጸን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።