ር. ሊ. ጳ.፦ ጐይታ ናብኡ ኽንጽሊ ኸለና ክነፍገና አይከአሎን እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 20 ነሓሰ 2023 አብ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተአኪቦም ዝነበሩ ምእመናን ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም፣ ናብ ጐይታ ኽንጽሊ ኸለና ኢየሱስ ክነፍገና ከም ዘይከአሎ ኣትሪሮም ገለጹ፣ ነቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ብሕታዊ ርክብ ኣኽቢርና ብምርኣይ ኣብ እምነትና ጽኑዓት ክንከውን ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ ።
አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ አብ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር አብ ዘስምዕዎ ቃል አምላኽ ኩንነት እምነት አብቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ብሕታዊ ርክብ ዝተመርኮሰ እንክኸውን ጐይታ ብጸሎት ናባኡ ክንቀርብ እንከሎና ከም ዘይንፈገና ርግጸይናታት ምስ እንኸውን እንርድኦ ምዃኑ ኣጕሊሖም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብቲ ቀውታ ጻሓይ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተአኪቦም ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናን አብ ዘስምዕዎ ቃል፣ ናብ ጐይታ ክንቀርብን ኣብኡ ኽንውከልን ከሎና ዋላ እውን ብልመናናን ጸሎትናን "ቍሩብ ጸቕጢ" ክንገብረሉ እንከሎና ውን እንተ ዀነ ኣምላኽ ከም ዝርሕርሓልናን ከም ዝድምግጸልናን ገለጹ።
ቅዱስ አቦና ነቲ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ዘቕረብዎ አስተንትኖ ቃል አምላኽ አብ ናይ ዕለቱ ምንባብ እንካብ ወንጌል ማቴዎስ ምርኩስ ብምግባር፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ከንአናዊት ሰበይቲ ካብ ግዚአት እስራኤል ወጻኢ ዝኾነት፣ ናብኡ ቀሪባ ብዓቢይ እምነት ጐይታ ንጓላ ካብ ማእሰርቲ ዲያቢሎስ ከናግፈላ አበርቲዓ ክንዲ ዝለመነቶ ዝሃባ መልሲ ብምጥቃስ አስተምህሮኦም አቕረቡ ።
ጐይታ ድማ ነቲ ጽኑዕ ዝኾነ እምነታ ርእዩ 'ከም ዝደለኻዮ ይኹነልኪ' በላ።
ጓላ ውን ብኡንብኡ ሓወየት ።
ኢየሱስ ንጸሎትና ክነፍጐ አይከአሎን እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ጐይታናን መሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እምነታ ምስ ረአየ ዝገበሮ ለውጢ ባህርያት መሳጢ ዀይኑ ኸም ዝረኸብዎ ገለጹ። እታ ሰበይቲ ዘቕረበትሉ ትብዓት ዝመልኦ ጸሎት ምስ ሰምዐን ነቲ አጋጢምዋ ዘሎ ኩነታት ህይወታን ምስ ተዓዘበ ደንጋጽላን ራሕርሓላን ።
"ኣምላኽና ነዚ ኢዩ ዝመስል። ንሱ ፍጹም ፍቕሪ እዩ። "
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ስብከቶም "እቲ ዜፍቅር ኣብ ባህርያቱ ነቓጽ ኣይኰነን ፣ የግዳስ ቀልጢፉ ዝትንከፍን ቦቕባን እዩ ። ብከመይ ብርሕራሔን ድንጋጸን ባህርያቱ ከም ዚቕየር ይፈልጥ እዩ" ምስ በሉ።
ንሕና ውን ከም ክርስትያን ንክርስቶስ ብፍቕሩን ርሕራሔኡን ንሰብት ዘለዎ ድንጋጸን ክንመስሎ ኸም ዘሎና ቅዱስ አቦና ኣትሪሮም አስተምሃሩ ።
ምስ ክርስቶስ ግልጺ ኮይንካ ምዝርራብ
ቅዱስ ኣቦና አብ ልዕሊ ምስጢር እምነት እታ ከንአናዊት ሰበይቲ እንከስተንትኑ ፦
" እዛ ሰበይቲ ብሉጽ ዝኾነ ሓሳባት ዘይኰነስ ተግባራዊ እምነት ኢዩ ዘልዋ " በሉ ። እዛ ከነኣናዊት ሰበይቲ - "ናብኡ ቐሪባ ፍግም ኢላ ሰገደትሉ፣ ኣትሪራ ተዛረበቶ ናብ ጐይታ ብግልጺ ቀሪባ፣ ነቲ ዅሉ ክስምዓ ዝኽእል ዕንቅፋታት ከኣ ሰጊራቶ ሓሊፋ ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ "እዚ ተፍባራዊ እምነታ ማለት ሃይማኖታዊ ልምዲ ዘይኰነስ ምስ ጐይታ ብሕታዊ ርክብ ከም ዝነበራ ኢዩ ዘርእየና" በሉ።
እምነት እዛ ሰበይቲ እዚኣ "ብስነ መለኮታዊ ትምህርትን ሃይማኖታዊ ትብዓት ዝቖመ ዘይኰነስ ብጽንዓት እተመልአ ኢዩ ፣ ብቓላት ዘይኰነስ ብጸሎት ዝመቀረ እዩ።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ኣምላኽ "ነቶም ናብኡ ብጸሎት ዝቐርቡ ክነፍጐም አይከአሎን" በሉ።
"ስለዚ ኸኣ እዩ ‘ለምኑ ኪወሃበኩም እዩ፣ ድለዩ እሞ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ማዕጾ ዃሕኵሑ ኪኽፈተልኩም ከአ እዩ፣'" ዝበለና።
'እምነተይ እንታይ ይመስል አሎ?'
ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ቅዱስ አቦና ንርእስና ግለ ሕቶታት ክንሓትት ከም ዘሎና የመልክቱ ።
ነዚ ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘጋጠመ ለውጢ ኣእምሮን ሓሳባትን ብምርዳእ "አነኸ ሓሳብተይን ደላየይን ክቕይር እኽእል ድየ ? ከመይ ገይረ ንሰባት ክርድኦም ከም ዘለንን ክድንግጸሎምን እኽል ድየ ወይስ ኣብ ባህርያተይ ነቓጽ ኮይነ እየ ዝተርፍ?"
ነቶም አብቲ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ምእምናን ድማ ገለ ድርቅና ወይ ትሪ ልቢ ዝመስል ባህርያት አብ ልባቶም እንተ አልዩ ገዛእ ርእሶም ክምርምሩ ሕቶ አቕረቡሎም ።
ናብ እምነት እዛ ከንአናዊት ሰበይቲ ብምጥማት ድማ "እምነተይ ከመይ ትመስል አላ? ኣብ ሓሳባትን ቃላትን ጥራይ ድየ ተደሪተ ዝተርፍ ወይስ ብሓቂ ብጸሎትን ብግብርን እየ ዝነብር? ምስ ጐይታ ብኸመይ ከም ዝዘራረብ እፈልጥ ድየ? ብጽንዓትን እምነትን አትሪረ ድየ ዝልምን? ወይስ ብጽቡቕ ዝተቓመመ ቃላት ጥዑም ድርሰታት ጥራይ ኢየ ዝደግም?"
አብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ እኖና ድንግል ማርያም "ንሰናይ ነገር ክፉታት ክንከውን" ከምኡውን "ኣብ እምነት ጽኑዓትን ተፍባራውያንን ክንከውን" ትሓግዘና ኢሎም ብምጽላይ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር አብጽሑ።