ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ መገዲ ህይወት በይንና ኣይኰንናን

ቅዱስ አቦና ኣብ መገዲ ህይወት አመንቲ በይኖም ከም ዘይኰኑ ብምርግጋጽ፣ ክርስቶስ ምሳና ኸም ዘሎን ከምቲ ንጴጥሮስን ንኻልኦት ደቀ መዛሙርትን ዝገበሮ ኣብ መገድና ኸም ዚሕግዘናን አስተምሃሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ትማሊ ሰንበት 27 ነሓሰ አብ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተአኪቦም ዝነበሩ ምእመናን አብ ዘስምዕዎ ቃል አምላኽ ፣ ምእመናን ንሕላወ እግዚአብሔር አብ ቃሉን አብ ምስጢራቱን ንዝረኽብዎ ብምዅስኩስ አብ ጐይታ ዘለዎም እምነት ዳግም ክሕድሱ ጸውዒት አቕረቡሎም። 

አባ ተወልደ መብራህርቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ አቦና ር. ሊ. ጳ. መበገሲ ሓሳቦም ካብቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ብምውሳድ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ "ሰባት ወዲ ሰብ መን እዩ ይብሉኒ?" (ማቴ 16 13-20) ኢሉ ዝሓተቶም ካብ ወንጌል ማቴዎስ ጥቂሶም፣ እዚ ሕቶ እዚ ሎሚውን ንሕና ንገዛእ ርእስና ክንሓቶ ዘሎና ሕቶ ምዃኑ ገለጹ።  

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ተኣኪቦም ዝነበሩ ምእመናን አብ ዘስምዕዎ ቃል አምላኽ መሓኒና ኢየሱስ ብሓፈሻ "ዓብዪ መምህር፣ ፍሉይ ሰብ፣ ሕያዋይ፣ ጻድቕ፣ ዘይቀያየር፣ ተባዕ..." ጌርካ ኸም ዚርአ ድሕሪ ምግላጾም ። 

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ንሱ ግና ናይ ታሪኽ ፍጻሜ ኮይኑ ዝተርፍ አይኮነን ፣ ንሱ ቀደም ዝሓለፈ ነቢይ ዘይኮነስ ሕጂውን እንተኾነ ከምኡ ኮይኑ ይቕጽል አሎ፣ እንሆ ሎሚ ውን እንተኾነ አብ መንጐና አሎ፣ ንሱ ቀረባና ዝኾነ አምላኽና ኢዩ።  

ክርስቶስ እቲ ዘሎ ኣምላኽ እዩ ። 

ወሲኾም ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርቶስ ሕጂ ውን ህያው ኢዩ፣ አብ ኩሉ ህይወትና ውን የሰንየና አሎ እንክብሉ ። "ንሱ ወትሩ ኣብ ጐድንና አሎ ፣ ነቲ ኣብ ጕዕዞና ዜብርሃልናን ዜሐድሰናን ቃሉን ጸጋኡን ከአ ይህበና ።" 

ንሱ ክኢላን ጥበበኛን መራሒ ስለ ዝዀነ ኣብቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነ መገድታትን ብቐሊሉ ኽንበጽሖ ኣብ ዘይንኽእሎ ዓቐበት ናይ ህይወት ኬሰንየና ባህ እዩ ዚብሎ" በሉ። 

በይንና ኣይንኸውንን ኢና 

ቅዱስ አቦና ኣብ መገዲ ህይወት አመንቲ በይኖም ከም ዘይኰኑ ብምርግጋጽ፣ ክርስቶስ ምሳና ኸም ዘሎን ከምቲ ንጴጥሮስን ንኻልኦት ደቀ መዛሙርትን ዝገበሮ ኣብ መገድና ኸም ዚሕግዘናን አስተምሃሩ ። 

ቀጺሎም ቅዱስነቶም እቲ ነዚ ብጸጋ ዝተረድአ ቅዱስ ጴጥሮስ  ንኢየሱስ "ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ" ክብል ከም ዘለለዮ፣ እዚ ድማ ብዛዕባ ዝሓለፈ ባህርይ ዘይኰነስ ነቲ "ወዲ ህያው ኣምላኽ ሰብ ዝኾነ ንሓጐስናን ጻዕርናን አብ ጕዕዞና ክሳተፍ ዝመጸ" ምኹኑ ገለጹ። 

ኢየሱስ ኣብ ጐድንና ካብ ሃለወ ዘይከኣል ነገር የልቦን 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሓድሓደ ግዜ ይብሉ "ብራኸ ክርስትያናዊ ህይወት ኣዝዩ ልዑል እኳ እንተ መሰለ እቲ መገዲ ድማ ኣዝዩ ከቢድ ጸድፊ እውን እንተ መሰለና " ናብቲ ኣብ ጐንና ምሳና ኮይኑ ዝጕዓዝ ዘሎ ንድኽመታትና ሓንጐፋይ ኢሉ ዚቕበልን፣ አብ ጻዕርናን ድምኻምናን ዝሕግዘና፣ ከምኡውን እታ ጽንዕትን ሕያወይትን ኢዱ ኣብተን ድኹማት መንኵብና ዜዕርፍ ኢየሱስ ንጠምት በሉ። 

"ናብኡ ቐሪብና ንሓድሕድና ንተሓጋገዝን እምነትና ውን ነሐድስን - አብ ኢየሱስ እንተ ደአ ሃሊና እቲ ብገዛእ ርእስና ዘይከኣል ዚመስል ነገር ደጊም ከምኡ ኣይኰነን" ብምባል ንምእመናን አብ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ከሓድሱን ብቃል አምላኽን ብምስጢራትን አቢሎም ድማ ነቲ ናይ ክርስቶስ አማናዊ ህላዌ ከስተማቕሩን ክነብርዎን ከምኡ ውን አብቲ ምስ አሕዋትን አሓትን ኮይኖም ዝጕዓዝዎ ዘለዉ ማሕበራዊ ሕይወት ክርስቶስ ንኽመርሖም ከፍቅዱሉ መጸዋዕታ አቕረቡሎም።

28 Aug 2023, 16:16