ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣምልኾ ንቅዱስ ቁርባን ንሓልዮት ድኻታት ይድርኽ
ዓርቢ ዕለት 25 ነሓሰ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብማሕበር ደናግል ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ዘቅዱስ ቁርባን ኣብ ዝተሰናደው መደብ መንፈሳዊ ንግደት ንዝሳተፉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ “እቲ ንቅዱስ ቁርባን ዘሎና ፍቕሪ ኣዚዮም ንዝተናዕቁን ዝተገለሉን ኣባላት ኣካል ክርስቶስ ኣገልግሎትን ሓልዮትን ኣስተንፍሶ ይኹን” እንክብሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ፍራንቸስኮ ንኣሓት ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ - ዘቅዱስ ቁርባን፡ ኣብ ፊት መንበረ ታቦት ኣብ ቅዱስ ቁርባን ህልው ኣብ ዝኾነ ኢየሱስ ፊት ኣእጋርካ ዓጺፍካ ምጽላይን ምስትንታንን፥ ስግደትን ኣምልኾን ክፉት ኣእዳው ክህልወካ እሞ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓንጎፋይ ቢልና ክንቅበል እዩ ዝድርኽ” እንክብሉ ነተን ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምስረታ ማሕበረን ናብ ሮማ ብዘሰናደወኦ መደብ መንፈሳዊ ንግደት ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዋን ኣብዚ ንግደት እዚ ንዝሓበሩ ዓለማውያን ምእመናን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣተሓሳሲቦም፥
ድኻታት ኣገልገልቲ ድኻ ህዝቢ
ቅዱስነቶም እቲ ማሕበር ቅድሚ ሚእቲ ዓመት “መንፈስ ቅዱስ ብጭቡጥን ተኣፋፍን ጻውዒት ናይ ሓንቲ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ትሪካሪኮ ኣብ ማእከል ሉካኒያ ንነዊሕ ዓመታት ብዘይ ጓሳ ዝተሳቐየት ቤተ ክርስቲያን ኣብ 1923 ዓ.ም. ኣብቲ ገና በሰላ ቀዳማይ ውግእ ዓለምን ለበዳ “ስፓይና” ዝበሃል ሕማም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ዘበገሶን ኣብቲ እዋን ናይቲ ከባቢ ጳጳስ ብዝነበሩ ደለ ኖቸ ፍቓድ ረኺቡ ዝተመስረተ እውን ምዃኑ ዘኪሮም፥ እዚ ኣብቲ እዋን ዝተወልደ ማሕበር ደናግል ድኻታት ኣገልግልቲ ድኻ ህዝቢ እንክብሉ ድማ ገሊጾም፥ ጻዕረን ኣብ ምቕራብ ሓገዝን “ምንቕቓሕ ሰብኣውን መንፈሳውን ዕብየት ዝብል ነቢያዊ ኣገልግሎት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍቕሪ ሓድነት ምግባረ - ሰናይ
ቅዱስ ቁርባን - “ናይ ፍቕሪ ምስጢር ምልክት ሓድነትን ማእስር ምግባረ ሰናይን እዩ - ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝብሎ! “ፍቕርን ሓድነትን ምግባረ - ሰናይን፡ ንምምላኽን ንምግልጋልን፡ ንምጽጋንን፡ ማለት ኣብ ሰብን ሕብረተሰብን ሓጢኣት ዝፈጠሮ ቁስልን ባዶነትን ብለውሃት ንምላእ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ኣብቲ ዝተቐደሰ መንበረ ታቦት ብምምብርካኽ ጀሚርካ፡ ኣብ ፊት እቲ ህላዌ ኢየሱስ ድማ ንነዊሕ እዋን ብጽሞና ምዃን።”
ብመዓቀኒ ዓለምና ብዙሕ ተኣፋፊ ድሌታት ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ኣብ ኣምልኾ ቅዱስ ቅሩባን ግዜ ምሕላፍ ዕሽነት ከምስል ይኽእል፡ እንተኾነ ግን ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እተን ደናግል ኣብ ጸሎት ዘሕልፈኦ ግዜ “ተላባዒ ሓይሊ ከም ዘመንጩ፡ እዚ ድማ ነዊሕ ከይጸንሐ ካብ ኩሉ ትጽቢት እዚዩ ዝሓለፈ ንዋታውን ባህላውን መንፍሳውን በጃዊ ስራሕ ንኽፍጽማን ንኸስፍሓን ምኽንያት ይኾነን - ኣንጻር ድኽነት ኣንዳር በደል ካልእ ዓይነት ለበዳ ካልእ ዝተፈልየ ዓይነት ኩናት፥ ፍቕሪ ድማ ኣስፍሓ” እንክብሉ ይምዕዱ።
ሓንጎፋይ ቢሉ ዝቕበል ጽዋዕ
ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና ነቶም ነጋድያን፥ “መሰኻኽርን ወረስትን፡ ግን ከኣ ቀጸልትን” ናይተን ደናግል መበቆል፡ “ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ዘቅዱስ ቁርባን ፊት ካብ ምርኻብ ጀሚሮም እቲ ዝተፈተተ እንጌራ እቲ ኣእጋር ኣርድእቱ ዝሓጸበ ጐይታ” ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ብመንጽር እቲ ዝተባርከ ህብስቲ ምርኣይ፥ ብፍላይ ነቶም ዝደኸዩ ኣዚዮም ዝተናዕቁን ዝተገለሉን ኣባላት ኣካለ ክርስቶስ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ከምኡ እውን ቅዱስነቶም ናይቲ ማሕበር መስራቲት ነተን ናይ ማሕበራ ደናግል፥ “ሒላብ ጐይታ” ክኾና ዝሃበቶ ምዕዳን ኣቃሊሖም፥ እዚ ብትኽኽል ተልእኾኽን ዝገልጽ ጽቡቕ ኣበሃህላ እዩ። ከምቲ ናይቲ ማሕበር መስራቲት እትብሎ፥ ጐይታ ሒዝኪን ምውጻእ፥ ብዘይ ካልእ ማልእ፥ ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ብግዲኡ ህይወቱ ህያብ ምእንቲ ኪገብር” ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም ሓዋርያዊ ቡርኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።