ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ጐ. መ. ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ምስና ይጕዓዝ አሎ
ቅዱስ አቦና ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ካብ ኩሉ ዓለም ዝተአከቡ ተሳትፍቲ ዓ. ቅ. መ. አብ መደብ ጸሎት ፍኖተ መስቀል አብ ዘምዕዎ ቃል አምላኽ፣ “ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ንዒስራ ዘመን ዝአክል ተገሊጹ ምስናን መንታን ዝሳቐ ዝሎ አፍቃሪናን ናባዪናን ምኹኑ ብምግላጽ፣ ሎሚ ውን ብተስፋን ፍቕርን መሊኡ ማሳና ይጕዓዝ አሎ፣” ኢሎም።
አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መንገዲ ኢዩ (ዮሐ 14:6)፣ እቲ ወትሩ አብ ጐዳና ህይወትና እንረኽቦ ኢዩ። እዚ ከአ ንትጽቢታት ሰባት ዚምልስን ነቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ሰባት ከም ዚሓልየሎምን ዜርኢ እዩ ። ንሱ በቲ ናይ ሰባት ትጽቢታት ዝጽሎ ዘይኮነስ፣ ብቐጥታ አብቲ ዕለታዊ ህይወትናን ኩነትናን አትዩ ዝራኸበና ኢዩ ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንታሪኽ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጽን ኢሉ ዝሰምዕ፣ ጉዳዩ ቅድሚ ምግባሩ ኸኣ ንዅሉ ዝሓሊ እዩ።
ናይ ኢየሱስ ምድራዊ ህይወት ወትሩ ቀጻሊ ዝኾነ ጕዕዞ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ንዓና ክረክብ አቐዲሙ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኢዩ ዜርኢ። ስለዚ ሓደ ካባታትና ብምዃን ድማ ጽምዋ፡ ፍርሂ፡ ስቓይ፡ መከራ፡ ተነጽሎ ከምኡውን ሞት ተሞኪሩ ኢዩ። ምእንትን ክረኽበና፣ ፍቕሩ ውን ክገልጸልና፣ መገዲ ህይወት እውን ክኾነና ምእንታና ምእንቲ እቶም የዕሩኹ ዝኾና ህይወቱ አሕሊፉ ክህብ ናብ ቀራንዮ ደየበ (ዮሐ 15:13)።
እዚ አብ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት እነልዕሎ ዘሎና መስቀል፣ ነቲ ክርስቶስ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ዜመልክት ቅዱስ ምልክት ኢዩ። እዚ መስቀል እዚ ነቲ ሓቀይና ጽባቐ ፍቕሪ ዘርኢ ኢዩ ። እዛ ደረት ዘይብላ ፍቕሪ ግን ከኣ እተተአማምን ፍቕሪ ኢያ፣ እዛ ፍቕሪ እዚአ ክትምብርከኽ እትገብረካ፣ ንውሽጥኻ እተንቀሳቕሰ፣ ብልብኻ ንኽንጽሊ እትመርሓካን እትድርኸካን ኢያ። ስለዚ ድማ ስምብራት ቍስልና ስለ እትጸውርን፣ ብርክና ዓጺፍና ክንብርከኽ ስለ እትገብረናን፣ አብ ዕምቈት ውሽጣዊ መንነትና ስለ እትድርኸናን፣ ብእአ ክንተአማምነ ስለ እትፈቕደልናን ናይ እምነትና ግርምቢጥ ዝኾነት ምስጢር ኢያ።
ሎሚ ምሸት ኢየሱስ ብተስፋን ብፍቕርን መሊኡ ምስና ይጕዓዝ አሎ፣ ከቶ ከአ አይከቋእጽን ወይ ውን ሰገጥ አይክብልን ኢዩ። እዚ ኢዩ እቲ መንገዲ መስቀል፣ አባኡ ኢየሱስ ምስ ሞትናን፣ ጸገማትናን፣ ውርደትናን፣ ዝተጋጠመሉ ኩነት ኢዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ መከራኡ ምስ ተስፋኡ ኺወዳደር ከሎ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይኰነ ዜርኢ ሓቂ ኢዩ።
ኢየሱስ ሎሚ ንነፍስና ሓራ ክገብራን፣ ምሉእ ህይወቱን ፍቕሩን ኪህበናን፣ ሓጢኣትና ድማ ክፍውስ እዩ ሓሊኑ ዘሎ ። ካብ ጓህን ተስፋ ምቝራጽን ሓራ ኼውጽኣና፣ ብፍቕሩ ተማሪኻና ናይ ህይወት ስጉምቲ ክንጅምር ይጽውዓና አሎ። ኢየሱስ ኣብ መስቀል ተሳቚዩ ንቝስልና ኣሕወዮ፣ ምድራዊ ሞት ተቐቢሉ ድማ ካብ ዘለኣለማዊ ሞት ሓራ ኣውጽእና። ንህይወትና ኻብ ጸልማት ሞት ምእንቲ ኼድሕና ኢሉ ኣብ ጐድንና ብምዃን ይዋጋእ አሎ፣ ከቶ እውን ኣይሕለልን እዩ። ኣብ መወዳእታ ምድራዊ ጕዕዞና፣ ንህይወትና ናብ ሓድሽ ጅማሬ ዘለዓለማዊ ሓጐስን ሰላምን ብምቕያር ነቲ ሰላማዊ ዝኾነ ቤትና አብ ሰማያት አዳልዩልና አሎ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ጽባቐ ኸም ብሓድሽ ከብርሃልናን፣ ሰብ ተስፋ ምእንቲ ክንከውን እዩ ዚደሊ። ምእንታና ናብ ጎልጎታ ተጓዒዘ፣ አብ መስቀል እውን ተሰቕለ፣ እዚ ድማ ሰናይ ሕልምን ባህግን ሓጐስን ንኽህበና ኢዩ ዝነበረ። ዝሓሸት ቤተ-ክርስትያንን ዝያዳ ፍትሕን ርትዕን ዘለዋ ዓለምን ንምርካብ ዘሎና ፍርህን ትምኒትን መስዋዕቲ ብምግባር ኣስር-ኣሰር ክርስቶስ ክንስዕብ ኣሎና። ንጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ አብ ዓለምና ዘሎ ምጕዳል ፍትሕን ዓመጻን ኣድልዎን ውግእን ከርሕቐልና ንልምኖ።
ኢየሱስ ኣቝሳልናን ድኽመታትናን ጕድለታትናን ይርድኦ ስለ ዝርድኦ፣ ትርጕም ዘይብሉ ንኽገብሮ ከአ ንኵሉ እከይን ስቓይን ኣብ ርእሱ ኣውደቖ ። ምሳኡ ምስ ጐታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምዃን መሰኻኽሩ ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ነቲ አባኡ ዘሎና እምነት ማለት ንሱ እቲ ዝደልየናን ዝናብየናን፣ ምእንታና ዝሓምምን አምላኽ ምዃኑ ብምእዋጅ መሰኻክሩ ክንከውን ንኽእል ኢና። ንዕስራ ዘመን ዚኣክል ብስጋ ተገሊጹ ጸርፍን መከራን ክቕበል ጸኒሑ አሎ፣ ነቶም ዚደልይዎን ዝቕበልዎን ኸኣ ማይ ህይወት ኪህቦም ይርከብ አሎ።
አብ መወዳእታ ቅዱስነቶም፣ ነቲ ሰብአዊ ዝኾነ ብኽያትኩም ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አምጽእዎ፣ አባኡ ድማ ሰላምን ትውክልትን ክትረኽቡ ኢኹም(ኤፌ 2:14)። ኣብ ክቡር ዝኾነ ካብ ጐድኑ ዝፈሰሰ ደምን ማይን ብምውካል ልብና ንየሱስ ንክፈተሉ ህርኩታት ሰበኽቲ ወንጌልን ተባዓት ናይ ተስፋ መሰኻኽርን ድማ ክገብረና ኢዩ። እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።