ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ብውዳሴ አምላኽን አገልግሎትን ዝመቀረ ሕይወት ቅድስቲ ድንግል ማርያም

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ፣ ሎሚ ዕለት 15 ነሓሰ ናይ ላቲናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን በዓለ ፍልሰታ ለማርያም አብ ዘብዓለትሉ፣ ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንጸሎት መልአከ እግዚአብሔ ተአኪቦም ዝነበሩ ምእመናን ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ዘስምዕዎ ቃል አምልኽ

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ፣ ሎሚ ዕለት 15 ነሓሰ ናይ ላቲናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን በዓለ ፍልሰታ ለማርያም አብ ዘብዓለትሉ፣ ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንጸሎት መልአከ እግዚአብሔ ተአኪቦም ዝነበሩ ምእመናን ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ዘስምዕዎ ቃል አምልኽ ምሉእ ትሕዝቶ ነቕርበልኩም፦

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሀገረ ቫቲካን

ሎሚ አብ ክብረ በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ብዛዕባ ድንግል ማርያም ከመይ ቢላ ብነፍሳን ብስጋአን ናብ ክብሪ ሰማይ ከም ዝፈለሰት ከነስተንትን ኢና ። አብ ናይ ዕለቱ ቃል ቅዱስ ወንጌል ከም እንረኽቦ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንኤልሳቤጥ ጓል ሓትኖኣ ምእንቲ ኽትሕግዝ ናብ "ናብ አኽርና ናብ ዝባውንቲ ይሁዳ" (ሉቃ 1፡39) ከም ዝደየበት ይነግረና ፣ አባኡ ድማ ነቲ “ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ” ዝብል መዝሙር ከም ዝዘመረት ንርኢ ። ማርያም ናብ ላዕሊ ደይባ ኽትድይብ ከላ እንታይ ዕዮ ከም ዘለዋ ቃል አምላኽ ይገልጸልና፣ እዚ ድማ ንዘመዳ ንሕጋዝን ንኣምላኽ ምውዳስን ኢዩ ዝነብረ ። ኣብ ርእሲ እዚውን ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ንህይወት ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ውን ከም ናብ ላዕሊ ምድያብ ጌሩ ይገልጾ ፣ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ እንከሎ ፣ ናብቲ መስዋዕቲ ገዛዕ ርእሱ ዝኾነ መስቀል ክድይብ እንገሎ ፣ ልክዕ ከምኡውን ንጕዕዞ ማርያም ብተመሳሳሊ መንገዲ ገሊጽዎ ርከብ አሎ ። ብሓጺሩ ኢየሱስን ማርያምን ሓደ ዝዓይነቱ መገዲ ህይወት እዮም ተጓዒዞም ፣ እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ምኽባርን ንኣሕዋእን ኣሓትን ምግልጋልን  ዝዕላማኡ ክልተ ጕዕዞ ህይወት ኢዩ ዝነበረ ፣ ንሞት ዚስዓሩን ናብ ሰማይ ዝዓረጉን ክልተ ህይወት፣ ከምኡ ውን ምስጢር ኣገልግሎት አሕዋትን አሓትን ከምኡ ድማ ውዳሴ አምላኽን ዝገለጹ ኽልተ ህይወት ኢያቶም። እስከ በሉ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ኽልተ መዳያት ነስተንትን ።

ኣገልግሎት 

ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምግልጋል ገዛእ ርእስና ምስ እነትሕት ኢና ናብ ላዕሊ እንድይብ፦ ፍቕሪ ድማ እያ ንህይወ ክብ እተልዕላ ። አገልግሎት አሕዋትን አሓትን ቀሊል አይኮነን ፣ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እታ ሽዑ ዝጠነሰት ካብ ናዝሬት ናብ እንዳ ኤልሳቤጥ ጓል ሓትነአ ንምብጻሕ ዳርጋ 150 ኪሎ ሜተር ተጓዒዛ ኢያ ። ሓገዝ ምሃብ ዋጋ ዝሓትት እዩ ! ንሕና እውን ንኻልኦት ንምግልጋል ዘለዎ ድኻምን ትዕግስትን ጭንቀትን ንጥዕሞ ኢና ። ንኣብነት ብዛዕባ እቲ ብዙሓት ሰባት ንጥቕሚ ኻልኦት ክብሉ ብዙሕ ዕዮ ንምፍጻም ፣ ከምኡውን ናብ ስራሕ ንምኻድን ንምምላስን መዓልታዊ ዝጐዓአዎ ኪሎ ሜተራት እስከ ንሕሰብ ፣ ከምኡውን ነቶም ናጽላ ህጻናትን ወይ ንኣረጋውያን ንምክንኻን ዚግበር መስዋእትታት ማለት ግዜን ድቃስን እሞ ንሕሰብ ፣ ከምኡ ውን ነቶም ወላ ሓንቲ እኳ መሊሶም ክህንቡና ዘይክሉ ሰባት ንምግልጋል እንገብሮ ተጸምዶን ቆራጽነትን ማለት ከምቲ አብ ቤተ-ክርስትያን ወለንተኛታት ኢልና እንጽውዖም ዝሓቶ ዋጋ ንሕሰብ ። ይኹን እምበር ኣድካሚ እኳ እንተ ዀነ ናብ ላዕሊ ምድያብ ኢዩ ፣ መዝገብካውን አብ ሰማያት ምንባር ውን ኢዩ!

ውዳሴ አምላኽ

እንተዀነ ግን ኣገልግሎት ብዘይ ክብሪን ውዳሴን ኣምላኽ ምስ ዝኸውን ከንቱን መኻንን ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ ። እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ግና ናብ ቤት ጓል ሓትኖኣ ምስ ኣተወት ንጐይታ ኢያ ክብርን ውዳሴን አቕሪባ። ብዛዕባ ኣብ ጕዕዞ ዘሕለፈቶ ድኻምን ጻዕርን ኣይተዛረበትን ፣ የግዳስ ካብ ልባ ናይ ሓጐስን ምስግናን መዝሙር ዘመረት ። ምኽንያቱ እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅር ዘበለ ውዳሴ አምላኽ ይፈልጥ እዩ ። ናይ ሎሚ  ወንጌል እውን "ዋሕዚ ናይ ውዳሴ" የቕርበልና አሎ - እቲ ህጻን ውን ከይተረፈ ኣብ ማሕጸን ኤልሳቤጥ ኮይኑ ብሓጐስ ዘለለን ተሰራሰረን (ሊቃ 1፡ 44 ርአ) ኤልሳቤጥ ብሓጐስ ዘመረትን አመስገነትን፣ እዚ ኵሉ ነገር ድማ በቲ ማርያም ዝዘመረቶ መዝሙር “ነፍሰይ ንእግዚአሔር ተዕብዮ!” (cf. ሉቃ 1፡ 46-55) ተዛዘመ ። ውዳሴ አምላኽ ሓጐስ ኢዩ ዚውስኸልና ። ውዳሰ ኸም መሳልል ኮይኑ ንልልባትና ናብ ሰማይ ልዕል የብሎ ። ውዳሰ ንነፍሳት ክብ የብለን እሞ ነቲ ካብ ናይ ውድቀት ፍርሂ ዝመጸና ፈተና ከም እንሰግሮ ይገብረና ። መዓልታዊ ንኣምላኽን ነቶም ኻልኦት አሕዋትናን አሓትናን ምምስጋን ክንደይ ሰናይ ኢዩ! ኣብ ክንዲ ጣዕሳን ምምራርን ብሞሳን ምስጋናን ምቕራብ ኣብ ክንዲ ኩራን ምጽዋግን ከኣ ናብ ላዕሊ ናብ ሰማይ ምጥማት ክንደይ ሰናይ ኰን እዩ!

ኣገልግሎትን ውዳሰን 

ኣብዚ መዳይ እዚ ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንፈትን - መዓልታዊ ስርሐይ ኰነ መደባተይ ብናይ ኣገልግሎት መንፈስ ድየ ዝነብሮም ? ብኡንብኡ ዝመጽእ ጥቕሚ ኸይደለኹ ብናጻ ድየ ገዛእ ርእሰይ ዘወፊ ? ብሓጺሩ ንኣገልግሎት ከም ንሰማይ ገጽና እንድይበሉ "መንኮርኮር" ጌርና ዲና እንሪኦ ? ብዛዕባ ውዳሰ እንክንሓስብ ድማ ፦ ከም ማርያም ብኣምላኽ ምሕጓስ እፈልጥ ድየ ?(cf. ሉቃ 1፡ 47)። ንጐይታ ወትሩ ኽባርኾ ድላይ አሎኒ ዶ ? ንአምላኽ ምስ ወደስክዎኸ ነቲ ካብኡ ዝተቐበልክዎ ሓጐሱ ምስቶም ኩሎም ዝረኽቦም ሰባት እካፈሎ ድየ ?

እታ ናብ ሰማይ ዝፈለሰት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብኣገልግሎትን ውዳሰን መዓልታዊ ልዕል ክንብልን ናብ ሰማይ ገጽና ከነብልን ትሕግዘና ። አሜን!

15 Aug 2023, 12:22