ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ ማዕበላት ህይወት ንጐይታ ጸውዑን ሓንጐፋይ ኢልኩም ውን ተቐበልዎ
አብ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንቃላት ጐታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምጥቃስ “አጆኹም በርትዑ” አይትፍሁ፣ ከመይ ጐይታ ወትሩ ከሰንየናን ካብቲ አብ ህይወት ከጓንፈና ዝኽእል ማዕበላት ከድሕነናን ድልው ኢዩ።
አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ትማሊ ሰንበት ዕለት 13 ነሓሰ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ንጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ተአኪቦም ዝነበሩ በጻሕቲ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓወርያዊ መስኮት ኮይኖም ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፣ አብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተመኲሶም ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ብለይቲ ኣብ ልዕሊ ማያት ብሕሪ ገሊላ ብእግሩ ተጓዒዙ ነቶም ብብርቱእ ማዕበልን ህቦብላ ንፋስን አብ ብጃልባኦም ክናወጹ ዝጸንሑ ደቀ መዛሙርቱ ክረክቦም ከም ዝመጸ ዘንንቱ ክፍሊ ቅዱስ ወንጌል ጠቒሶም ናይ ዕለቱ ቃል አምላኽ አስምዑ ።
አጆኹም አይትፍርሁ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ስብከቶም ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብጃልባ ነቲ ባሕሪ ሰጊሮም ሓሊፎም ክጸንሕዎ ከም ዝነገሮም ድሕሪ ምዝካሮም ፤ እዚ ፍጻመ እዚ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ብኸመይ ንሱ ጐይታ ኩሉ ከም ዝኾነንን፣ ብኸምይ ንኹሉ ከም ዝመልኽን ከምኡን ነቲ ኣብ ህይወት ዜፍርሃናን ዜሸግረናን ጸገማትን ፈተናታን ብኸመይ ከም ዘሳግረና ዝገለጸሉ ክፍሊ ወንጌል ኢዩ ኢሎም አስተምሃሩ።
ቅዱስ አቦና ከም ዝገለጽዎ ኣብቲ ግዜ እቲ ደቅ-ሰባት ነቶም ዓብይቲ ማዕበላት ናይ ማይ ብፍርሂ ኢዮም ዝርእይዎ ዝነበሩ፣ ብፍላይ ህቦብላ ንፋስ ኣብ ዚህልወሉ እዋን እዞም መጐዳትን ነውጽን ነቲ ጸልማትን ናይ መዓምይቕ ዓለም ኢዮም ዘመልክቱ ዝነበሩ ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ምስቲ ብርቱዕ ህቦብላን ዓቢይ ማዕበልን ንኢየሱስ ብማየምይ ክኸይድ ምስ ረአይዎ ምትሃት ከይከውን ፈርሁ ።
ጐይታ ግን ብኸመይ ከም ዝመለስሎም ቅዱስነቶም እንክጠቕሱ "አጆኹም፣ አይትፍርሁ ኣነ እየ " ብምባል ንደቀ መዛሙርቱ ከም ዘተባብዖምን ፣ ጐይታ ልዕሊ ማዕበላትን ፈተናታትን ከም ዝኾነ አርአዮም፣ ከምኡ ውን “ንጸላእትና ማለት ንሞትን ንሓጢአትን ንሰይጣንን ብኸይ ብእግሩ ከም ዝረግጾም ግለጸሎም።
ንጐይታ ጸውዕዎን ተቐበልዎን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ኸም ዝገለጽዎ ክርስቶስ ደጋጊሙ ዝነግረና “ክንብርትዕን” ወትሩ ምሳና ከም ዘሎን በይንና ከም ዘይኮናን ኢዩ ። ህቦብላን ማዕበልን ህይወት ኪብርትዓና ከሎ ኸኣ ንሕና እውን ከምቶም ደቀ መዛሙርቲ ንጐይታ ኽንጽውዖን ክንቅበሎን ኣሎና።
ልክዕ ከምቲ ሓዋርያ ጴጥሮስ ጐይታ ናባኡ ገጹ ክመጽእ ዘቕረበሉ ዕድመ ተቐቢሉ ንሱ ውን ብማየማይ ናብ ጉይታ ገጹ ክኸይድ ከሎ ክጥሕል ምስ ጀመረ"ጐይታይ ኣድሕነኒ" ኢሉ ከም ዝጨደረ፣ ንሕና እውን ነዚ ድንቂ ዝኾነ ጽሎት ክንደግሞ አሎና፣ በዚ ድማ "ጐይታ ኸድሕነና ከም ዝኽእልን ንጸግምናን ንፍርህናን ከም ዝሰዓሮ ርግጸኛ ከም ዝኾና ዝገልጽ" ዓቢይ ጸሎት ኢዩ፣ ስለዚ ወትሩ ክንደግሞ ከም ዘሎና ገለጹ። ድሕርዚ ቅዱስ አቦና ፍራንቸስኮ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመናን "ጐይታይ ኣድሕነኒ" ኢሎም ሰለስተ ሳዕ ክጽልዩ ዓደሞም!
"ልዕሊ ዅሉ ድማ ካብ "ህቦብላ ንፋስ " — ጐይታይ ኣድሕነኒ! "
ኣጋጣሚታት ማዕበል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኣብቲ ህውከት ዝመልኦ ባሕርን ንፋስን ብጃልባ ህይወትናን ቤተ-ክርስትያንን ክንጐዓዝ ከሎና ዅላትና ዘጋጥመና ብድሆ ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ኣብ ህላወኡን ኣብታ ሓጋዚትና ዝኾነት ኢዱን ብምትእምማን ንኽንረኽቦ ዘድሕን ኣጋጣሚታት ኢዩ ዝፈጥረልና ።
"ኣብቲ ናይ ጸልማት እዋናትና ከምቲ አብታ ለይቲ እቲአ አብ ባሕሪ ገሊላ ዝገብሮ ወትሩ ክረኽበና ይመጽእ ኢዩ።"
ንብርሃን ኢየሱስ ንድለ
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍርሂ ክንወሓጥ ከለና እንታይ ከም እንገብር ንምስትንታ፣ ባዕልና ዲና ክንዋጽኦ ንፍትን ወይስ ጐይታ ክሕግዘና ረድኤቱ ንጽውዕ ኢና? ክብሉ ሓሳብ ኣቕረቡ ። ክርስቶስ ካብቶም አንጽርና ዝለዓሉ ማዕበላትን ሞጎዳትን ከም ዝብርትዕ እምነት ኣሎና ዶ? ወይ ብአኡ ንተአማመን ዲና ? አብ ኩሉ ኩነት ህይወትና ንጐይታ ናብ ህይወትና ነዕዶሞ ዶ? ብፍላይ ከኣ ኣብ ህውከት ዝመልኦ ናብራና “አብታ ጃልባና ንዓኡ ዝኸውን ቦታ አለና ዶ?
አብ መወዳእታ ቅዱስ ነቶም አብቲ ጸልማት ዝወርሶ መስቀል ዝበዝሖ ባሕሪ ህይወትና እታ ኮኾብ ባሕሪ ዝኾነት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንብርሃን ክርስቶስ ንምድላይ ትሓግዘና ብምባል ስብከቶም ዛዘሙ።