ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንሕቶ ሶርያዊ - ማልባረዝ ንምፍታሕ ናብቲ ጉባኤ ወኪሎም ይመዙ! ር.ሊ.ጳ. ንሕቶ ሶርያዊ - ማልባረዝ ንምፍታሕ ናብቲ ጉባኤ ወኪሎም ይመዙ! 

ር.ሊ.ጳ. ንሕቶ ሶርያዊ - ማልባረዝ ንምፍታሕ ናብቲ ጉባኤ ወኪሎም ይመዙ!

“እቲ ብሲኖዶስ ሶርያዊ ማልባረዝ ርእሰ ኤጳርቅና ዝጸደቐ ሕዳሴ ስርዓተ ሊጡርጊያ ተግባራዊ ምዃኑ ምርግጋጽ” ዝብል ክኸውን እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሶርያዊ - ማልባረዝ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝጸደቐ ናይ መመሓየሺ ስርዓተ ሊጡርጊያ ኣዋጅ ተግባራዊ ንምግባር ዝግበር ኪደት ንኽከታተሉን ውሑስነት ክህቡሉን ሊቀ ጳጳሳት ሲረል ቫሲል ኤስጄን ተወካሊ ር.ሊ.ጳ. እንክብሉ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ንሊቀ ጳጳሳት ሲሪል ቫሲል፥ ነቲ ሶርያዊ ማልባረዝ ስርዓት ናይ ዝኽተል ርእሰ ኤጳርቅና ዘኤርናኩላም ኣንጋማልይ ዛዕባ ሊጡርጊያ ዝምልከት ተላዒሉ ንዘሎ ሕቶ ንምፍታሕ ዝግበር ዕዮ ውሕስነት ንኽህቡ ፍልዩ ልኡኾም ገይሮም ከምዝሰመይዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕማሞም ድማ “እቲ ብሲኖዶስ ሶርያዊ ማልባረዝ ርእሰ ኤጳርቅና ዝጸደቐ ሕዳሴ ስርዓተ ሊጡርጊያ ተግባራዊ ምዃኑ ምርግጋጽ” ዝብል ክኸውን እዩ። ስለዚህ ሊቀ ጳጳሳት ሲሪል ቫሲል እቲ ሕዳሴ ስርዓተ ሊጡርጊያ ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ዘኤርናኩላም ኣንጋማልይ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝብል ውሳኔ ንምርግጋጽ ቅዱስነቶም ዝሃብዎም መዝነት ካብ ናይ ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳያት ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳስ ክላውዲዮ ጉጆሮቲ ዕለት 23 ሰነ ከም ዝተወህባኦምን፡ ነዚ ዝተወሃቦም ሓላፍነት ንኽፍጹሙ ዕለት 4 ነሓሰ ናብ ህንዲ ከምዝኸዱን ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚሮም ድማ ተልእኾኦም ብወግዒ ከም ዝጀመሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

11 Aug 2023, 15:11