ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንመዓት ህልቂት ባሕሪ በሸለልትነት ኣይንርኣዮ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንመዓት ህልቂት ባሕሪ በሸለልትነት ኣይንርኣዮ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንመዓት ህልቂት ባሕሪ በሸለልትነት ኣይንርኣዮ

ዓለምና ዝሸምም ዘሎ ቀንዲ ክፍኣተ ግብሪ እንታይ ገደሰኒ ንኣይ ይጥዓመኒ እምበር እናበልካ እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ እናሰማዕካ ከምዘይሰማዕካ ንኩሉ ሸለል ምባል ምናዳ ኸኣ ንዓመጽን ድኽነትን ውጽዓት ዘይምግዳስ ምዃኑ ካብ ምሕባር ዓዲ ከምዘይወዓሉ

41 ስደተይናታት ጽዒና ካብ ቱኒዝያ ዝተበገሰት ንእሽተይ ጀልባ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ኢጣሊያ ተገልቢጣ ከም ዝጠሓለትን ኣርባዕተ ሰባት ጥራሕ ክድሕኑ እንከለዉ እቶም ካልኦት 41 ድማ ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም ምስ ተሓበረ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 10 ነሓሰ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ “ሓንቲ ስደተይናታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ መዲትራኒያን ከም ዝጠሓለት ዝተነግረ ሓበሬታ ብዓቢይ ሓዘን ሰሚዐ፡ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ መዓት ኣብ ዘይተገዳስነት ኣይንትረፍ፥ ስለ እቶም ግዳያትን ኣባይቲ ስድራኦምን ንጸሊ!” ዝብል መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ እዋን ሓጋይ ምስ ዘሎ ኩነታት ከባቢ ኣየር ህዱእ ማያት ባሕሪ  ክህሉ ዝገብር ብምዃኑ ምስ ኣዚ ተተሓሒዙ ስደተይናታት ብባሕሪ መዲትራኒያን ኣቢሎም ብኢጣሊያ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ንኽኣትዉ ዝገብርዎ ጉዕዞ ባሕሪ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት፡ ዝሓሸ ህይወት ንኽነብሩ ተስፋ ገይሮም ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ዝሞቱን ሃለዋቶም ዘይርከብን ብዙሓት ስደተይናታት ጉዳይ ኣዚዩ ዘሰክፍን ንማሕበረሰብ ዓለም ናይ ሕልና ደወል እውን ምዃኑ ዝተፈላለያ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ክሕብራ እንከለዋ እታ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ኣፍሪቃ ዝመጹ 45 ስደተይናታት ዝጸዓነት ጀልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣሊያ ደሴት ላምፐዱሳ ከም ዝጠሓለትን ኣርባዕተ ሰባት ጥራሕ ካብቲ መዓት ከም ዝደሓኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብዚ ዓመት ስደተይናታት ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝገበርዎ ጉዕዞ ዛጊድ ልዕሊ 1800 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም ኣመልኪቱ።

ምስክርነት ናይቶም ብህይወት ዝተረፉ

እታ ዝተጓዕዙላ ጀልባ ሰለስተ ህጻናት ዝርከብዎም 45 ስደተይናታት ጽዒና ካብ ቱኒዝያ ከም ዝተበገሰትን እቶም ዝደሓኑ ካብ ኣይቮርይ ኮስትን ጊኒ ኮናክሪን ዝመጹ ኣርባዕተ ስደተይናታት ካብ ዝሃብዎ ምስክርነት ክፍለጥ እንከሎ፥ እቶም ብህይወት ዝተረፉ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓለንስተይቲ ክትከውን እንኮላ፥ ካብቶም ስደተይናታት እቶም 15 ጥራሕ ናይ ህይወት ኣድሕን ካባ ከም ዝነበሮምን ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ጉዕዞ እንኮላ ብዘጋጠመ ሓደጋ ከም ዝጠሓለትን በቲ ከባቢ ትሓልፍ ብዝነበረት ናይ ጽዕነት ናይ ማልታ ሰደንደቕ ዕላማ ዝነበራ መርከብ ከም ዘድሓነቶምን ንናይ ኢጣሊያ ናይ ሓለዋ ገምጋም ባሕሪ ከም ዝተረከቦምን እቶም ናይታ ሮሞና እተሰመየት ናይ ጽዕነት መርከብ ባሕረይናታት ነቶም ኣርባዕተ ብህይወት ከም ዝረኸብዎም ኣብቲ ከባቢ ሬሳታት ከም ዝረኣዩ ናይ ኢጣሊያ ናይ ደባት ባሕሪ ጸጥታ ሓለዋ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን፥

ካብ ቱኒዚያ ናብ ሲቺሊያ

ካብ ላምፐዱሳ ኣስታት 130 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ስፋክስ ስደተይናታት ናብ ኢጣሊያን ብኢጣሊያ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ንኽስደዱ ንዝደልዩ ብዙሕት ሰባት ህቡብ ኣፍደገ ኮይና ከምዘላን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናይ ኢጣሊይ ናይ መጓዓዝያ ነደዳዲ መራኽብን ኣብ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ ኣድሕን ህይወት መራኽብ ግብረ ሰናይ ኣብ ላምፐዱዛ ዝኣተዉ ካልኦት 2000 ስደተይናታት ከምዘድሓኑ የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ላምፐዱሳ

ዓሰርተ ዓመት ይገብር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ምሕራዮም ሒደት ኣዋርሕ ቀዳማይ ኣብ ላምፐዱሳ ደሴት ኢጣሊያ፥ ነቶም ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ ስደተይናታት ንኽዝክሩን ስለኤኦም ክጽልዩን ሓዋርያዊ መገሻኦም ናብታ ደሴት ከም ዝገበሩን፥ ቅዱስነቶም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝተረከቡሉ  ጀሚሮም ንዓለምና ዝሸምም ዘሎ ቀንዲ ክፍኣተ ግብሪ እንታይ ገደሰኒ ንኣይ ይጥዓመኒ እምበር እናበልካ እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ እናሰማዕካ ከምዘይሰማዕካ ንኩሉ ሸለል ምባል ምናዳ ኸኣ ንዓመጽን ድኽነትን ውጽዓት ዘይምግዳስ ምዃኑ ካብ ምሕባር ዓዲ ከምዘይወዓሉን እዚ ንኸብርሁ ብዙሕ እኳ እንተገዓሩ ቀንዲ ግን ባዕሎም ብኣካል ነቲ ቤተክርስትያንስ ይኹን ካልኦት ተቊዋማት ካብ ገዛእ ርእሶም ውጽእ ቢሎም ከም ሕያዋይ ሳምራዊ ኰይኖም ኣብ ሻውላት ረድኤት ስኢኖም ዝሳቀዩ ድኻታትን ረዳኢ ዘይብሎምን ወሰናስን ከተማታትን ዓለንም ንዝርከብ ኣደዳ ማሕበራውን ቁጠባውን ሰብኣውን ኢፍታሓውነት ንዝኾኑ፡ ነቶም ወጅሂ ክርስቶስ ዝኾኑ ጽጉማት ስደተኛታት ረዳኢ ዘይብሎም ኣብ ፈቀዶኡ ዝርከቡ ደቂሰባት ንርዳእ ክብሉ ከም ተበግሶ ክንወስድ ከምእተማሕጸኑን ሎሚ እውን እዚ ናይ ቅድሱነቶም ምዕዶ ይስማዕ ዘሎ ኣይመልስልን።  ስደተይናታት ንኸኣይትዉ መናድቕ ምህናጽ ዘይኮነ ጠንቂ ስደት ዝኾነ ኢፍትሓውነት ኢማዕርነትን ምዝመዛን ምእላይ እዩ መፍትሒኡ።

10 Aug 2023, 16:09