ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መካነ ንግደት ፋጢማ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መካነ ንግደት ፋጢማ 

ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በማላድነት ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ

ኦ ማርያም ንፈትወክን ንኣምነክን ኢና! ሕጂ ድማ መልሲና ኣብኺ ንምዕቆብ። ብልቢ ቆልዑ ህይወትና ንዓኺ ንነፍሲ ወከፍ ጽሕጊ ህላወና ኵሉ ዘሎናን ንኣኺ ነወፍዮ። ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ንዓኺ ብፍላይ ድም እተን ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት ነወፍይ።

ኦ ማርያም ኣብ ቅድመኺ ኣሎና፡ ንስኺ እትከናኸንና ኣደ ኢኺ፡ ስቓይናን ጻዕርናን ትፈልጥዮ ኢኺ፡ ናባኺ ንጥምት ናብ የዕንትኺ ነብል ገዛእ ርእስና ንልብኺ ኣሕሊፍና ንህብ!

ካብ ፍርሕን ሕቶን ናጻ ኣይኮንናን፡ ንስኺ እቲ መልኣኽ ኣብ ናዝሬት ክበጽሓኪ እንከሎ ፍርሒ ተሰማዓኪ፡ ኣብ ቤተ ልሄም መንበሪ ዘይረኸብክሉ እዋን ስግኣት፡ ኢየሱስ ኣብ ቤተ ምቐድስ ምስ ሰኣንክዮ ጭንቀት ተሰመዓኪ፡ ኣብ ፈተናታት ተባዕ ኢኺ። ንኹሉ ንኣምላኽ ኣሕሊፍኪ ሃብክዮ፡ ፍርሒ ብፍቕሪ፡ ንስግኣት ብጥንቃቔ፡ ጭንቀት ብመስዋዕቲ መለስክዮ። ኣብቲ ወሳኒ ህሞት ንድሕሪት ከይበልኪ ተበግሶታት ወሰድኪ፡ ብትግሃትን ታህዋኽን ናብ ኤልሳቤጥ ከድኪ፡ ኣብ ቃና ኣብ ዝነበረ መርዓ ንልቢ ኢየሱስ ኳሕኳሕኪ፡ ኣብ ጽርሃ ጽዮን ንደቀ መዛሙርቲ ኣብ ሕብረት ኣጽናዕክዮም ኣብ ቀራንዮ ልብኺ ብሰፍይ ተወግኣ፡ ንስኺ ግን ትሕትን ሓያልን ዝኾንኪ ንቓንዛ ለይቲ ብተስፋ ፋሲካ ኣብራህክዮ።

ንኣና ጠምቲ ምሳናን ምእንታናን ትሳቐዪ። ልብኺ ኣብ ጸገማትና ተሃዋሲ እዩ፡ ኩሉ ናባኺ ንሓድጎ፡ ኣብዚ ብበደል ዝተጨፍለቕናን በጽዋር ኣብ እንዓንወሉ ዘሎና እዋን ስሌና ተበግሶታት ግበሪ። ኣደኣዊ ኣጠማምታኺ ናብታ መገዲ ሰላም ዝሰኣነ ስምዒት ሕውነት ስኢና ሃዋሁ ቤት ክረክብ ዘይከኣለ ሰብኣዊ ስድራ ቤት  ኣቕንዒ። ኣብ ዕግርግን ሓደጋን ስለ እትርከብ ዓለም ኣማልዲ። ንህይወት ክንቅበልን ውግእ ክንነጽግን ነቶም ዝሳቐዩ ክንከናኸንን ንፍጥረት ክንሕሉን። ናባኺ ንመጽእ፡ ኣብቲ ንጹህ ልብኺ ዑቕባ ነናድይ። ኣደ ምሕረት ምሕረት ንምህለል ንግስተ ሰላም ሰላም ንልምን። ናይቶም ጽልኢ ዘጓሃህሩን ግርጭት ዘበግሱን ናይቶም ኲናት መፍትሒ ሽግር እዩ ቢሎም ዝኣምኑን ልቢ ለውጢ። ልቢ ናይቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ፡  ናይቶም ንኣምላኽ ናይ ምፍላጥ ሓጎስ ዘይብሎም ተንክፊ። ነቶም በይኖም ዘለዉ ሓግዚ። ንዝሓመሙ ደግፊ፡ ነቶም ተስፋ ዝቖረጹ ኣጸናንዒ።

ኣብዚ ምሳኺ ንግስቲ ቅዱስ ሮዛሪየም ኣብ ኣንዛረበሉ እዋን ንኣደኣዊ ምዕዶታትኪ ንዝክር። ጸሎትን ንስሓን ንኸነዘውትር ተገለጽኪ፡ በንጻሩ ብዙሕ ግዜ ብኻልእ ነገራት ክንስሓብ ፈቒድናን ብድሌታትና ተኣሲርና ንዕድመታትኪ ኩሉ ጸማማት ኮይንና። ንስኺ ግን ኣብ ምፍቃርና ዘይትደኽሚ ኢኺ፣ ንእግዚኣብሔር ቀዳምነት ከም ዝግብኦ ደጋጊምኪ ተዘኻኽርና፡ ንኽንልወጥ ደግፍና። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብርእየተ ዓለም ለሚስና ብሓጢኣት ደቃ ክትቖስል ብዓለማውነት ክትፍተን ከላ ሓላዊት ሓድነታ ኩኒ! ንስኺ ትሕትቲ ነቲ እግዚኣብሔር ኣባኺ ዝፈጸሞ ዓበይቲ ነገራት ተዕብዪ። ትሕትናን ልኡምነትን ንልቢ ኣምላኽ ዝኸፍት መፍትሕ ምዃኖም ተዘኻኽሪ። መንፈሱ ኣብ ልዕሊ ዓለም ክወርድ መታን። ንትሁታንን ገርሄይናታትን ነቶም ዝኣምኑን ተስፋ ዝገብሩን ዘፍቅሩን ኣጸናንዒ። ኣብ ተልእኾኦም ክተባብዑ መታን። ኣብ ኩላትና ሓዋርያዊ ቅንኣት ኣበራብሪ፥ ንመንእሰያት ድማ ብኢድኪ ሒዝኪ ዓበይትን ሰናይን ሕልምታት ጋህዲ ንምግባር ህይወቶም ኣብ ሓደጋን ሕቶን ንምእታው ከይፈርሑ መታን።

ኦ ማርያም ንፈትወክን ንኣምነክን ኢና! ሕጂ ድማ መልሲና ኣብኺ ንምዕቆብ። ብልቢ ቆልዑ ህይወትና ንዓኺ ንነፍሲ ወከፍ ጽሕጊ ህላወና ኵሉ ዘሎናን ንኣኺ ነወፍዮ። ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ንዓኺ ብፍላይ ድም እተን ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት ነወፍይ። ሰላም እውህብና። ንስኺ ድንግል፥ መገዲ ዘይብሉ ኣብ ዝመስለሉ እዋን መገዲ ኣርህውልና፡ ንስኺ ፈታሒት ቁጻራት ንሰንሰለት ርእሰ ፍትወት ስልጣንን ፍትሕዮ። ኣብ ለጋስነት ዘይትሰዓሪ ብለውሃት ምልእና፡ ብተስፋ ምልእና ነቲ ዘይሓልፍ ሓጎስ ማለት ናይ ወንጌል ሓሴት ከነስተማቕር ግበርና!

05 Aug 2023, 16:10