ድለ

ር. ሊ. ጳ. አብ ቅዳሴ - 'ከምቲ ምድሪ ዝናም ዘድልያ' ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን ትደልየኩም'

"ኣዝዩ ሰናይ ዝኾነ ነገር ክነግረኩም እደሊ አሎኹ፦ ሕጂ ኣነ ኣይኰንኩን ዝርእየኩም ዘሎኹ፣ ሕጂ አብዛ እዋን እዚአ ዚርእየኩም ዘሎ ኢየሱስ ባዕሉ እዩ ። ንኹልና ይጥምተና ኣሎ ። ይፈልጠኩም ኢዩ፣ ንልቢ ነፍሲ ወከፍኩም ይፈልጦ ኢዩ፣ ንህይወት ነፍሲ ወከፍኩም ውን ይፈልጦ እዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ሊዝበን አብ ዝተገብረ መዕጸዊ ቅዳሴ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ቅዱስነቶም ንመንእሰያት ክበርሁን፣ ክሰምዑን፣ ከምኡውን ከይፈርሁ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

 

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሎም ዓመት ዝተገብረ ዓለም ለከ ቅነ መንእሰያት መዛመሚ ቅዳሴ፣ ነቲ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ታቦር ትርኢቱ ክልወጥ ከሎ ዝረኣዩ ሓዋርያት ዝበልዎ ቃል ብምድጋም "ኣብዚ ምንባር ንዓና ክንደይ ሰናይን ጽቡቕን ኢዩ!" በሉ።

ቅዱስነቶም አብ ስብከቶም ነቶም መንእሰያት "ናብ ዕምቈት መዓልታዊ ህይወትና እንታይ ኢና ምሳና ሒዝና ኽንምለስ?" ኢሎም ንርእሶም ክሓቱ በዳሂ ናይ ህይወት ሕቶ አቕርብሎም። አብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ተመኲሶም ድማ ር. ሊ. ጳ. ሰለስተ ዓናቕጽ ጠቐሱሎም  - እዚ ኸኣ ምብራህ ወይ ምንጽብራቕ፣ ምስማዕ ከምኡውን ዘይምፍራህ ክብሉ፣ ዓሚቑ ናይ አስተንትኖ ሓሳብት ከም ዘመሓላለፉሎም ዜና ቫቲካን አመልኪቱ።

ር. ሊ. ጳ. አብ መዕጸዊ ቅዳሴ ዓ. ቅ. መ
ር. ሊ. ጳ. አብ መዕጸዊ ቅዳሴ ዓ. ቅ. መ   (Vatican Media)

ምብራህ ወይ ምንጽብራቕ

ናይ ዕለቱ ወንጌል ከም ዝምስክሮ አብ ደብረ ታቦር ትርኢት ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከመይ ቢሉ ብዘገርም አገባብ ከም ዝተለወጠ ይነግረና፣ ኣብኡ ኸኣ ኢየሱስ ነቶም ሰለስተ ንደቀ መዛሙርቱ፣ ነቲ ኣብ ጌተሴማኔን ቀራንዮን ክገጥምዎ ዘለዎም ጸልማት ምእንቲ ኼዳልዎም ገጹ ኸም ጸሓይ ከም ዝበርሀ ክዳውንቱ ድማ ጻዕዳ ዘንጸባርቕ ከም ዝተለወጠ የዘንትወልና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አስዒቦም - "ንሕና እውን ኣብ ህይወትና ንዝገጥመና ኣዝዩ ከቢድ ዝኾነ ጸልማት ንኽንገትሞ ተስፋ እንገብረሉ ብርሃን የድልየና ኢዩ።" ቅዱስነቶም ነዚ ብርሃን ሕይወት - “እዚ ብርሃን እዚ ኢየሱስ ኢዩ፣ ንሱ ዘይጠፍእ ብርሃን ብለይቲ ዜብርህን ዘንጸባርቕን እዩ" ክብሉ ገለጽዎ። እወ ኢየሱስ እዩ! "ንሱ ነዒንትና ዜብርህ፣ ልብና ዜብርህ፣ ኣእምሮና ዜብርህ፣ ከምኡ ውን ኣብ ህይወት ሓደ ነገር ንምግባር ንዘሎና ባህጊ ወትሩ ብብርሃን አምላኽ ዜብርህ ብርሃን ኢዩ!" በሉ።

ቅዱስነቶም ብምቕጻል "ወትሩ ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ከነተኩር ከለና ብርሃን ዘይብልና ዘይነጸባቕ ኢና ንኸውን" ክብሉ ኣጠንቀቝ ። ኣብ ክንዳኡስ "ንክርስቶስ ክንቕበል እንከሎናን፣ ልክዕ ከምናቱ ዝመስለ ፍቕሪ እንክህልወናን ንሕናው ውን  እነብርህን እነንጸባርቕን ንኸውን። ከም ኢየሱስ ንሰባት ከነፍቅሮም ምስ እንርከብ ድማ እነብርህን እነጸባርቕን ንኸውን፣ እዚ ድማ ግብሪ ፍቕሪ ንኽንገብር ይመርሓና።"

"ንክርስቶስ ክንቕበል እንከሎናን፣ ልክዕ ከምናቱ ዝመስለ ፍቕሪ እንክህልወናን ንሕናው ውን  እነብርህን እነንጸባርቕን ንኸውን። ከም ኢየሱስ ንሰባት ከነፍቅሮም ምስ እንርከብ ድማ እነብርህን እነጸባርቕን ንኸውን፣ እዚ ድማ ግብሪ ፍቕሪ ንኽንገብር ይመርሓና።"

 

ምስማዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ አብ ደብረ ታቦርት እተፈጸመ ተአምራት አስተንትኖኦም ብምቕጻል፣ ነቲ እግዚአብሔር ኣቦ ንሃዋርያት እተዛረቦም ቃላት ማለት - “ነቲ ፍቑር ወዱ ንኽሰምዑ ድማ ኣዘዞም!” እንክብሉ ካብ ቃል ቅዱስ ወንጌል ጠቐሱ  ። "ዅሉ ነገር አባኡ ኢዩ ተጠቃሊሉ ዘሎ፣” እንክብሉ ቅዱስ አቦና፣  “ኵሉ እቲ ኣብ ህይወት ኪግበር ዘለዎ ነገራት ፦ ንአኡ አብ ምስማዕ ኢዩ ዘሎ፣ ንኢየሱስ ስምዕዎ ኵሉ ምስጢር ኣብኡ ኢዩ ዘሎ" ክብሉ አስተምሃሩ።

ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዚዛረቦም ዘሎ ነገራት ርግጸኛ እንተ ዘይኰይኑ፤ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዛረቦም ዘሎ ንምስማዕን ነቲ ኣብ ልቦም ዚብሎ ንዘሎ ውን ንምስተውዓል ንቅዱስ ወንጌል ከንብቡ አለዎም። "አባኡ ናይ ዘልዓልም ቃል ህይወት አሎ፣ ኣምላኽና ኣቦ ከም ምዃኑን ፍቕሪ ከም ዝኾነንን ውን ይምስክረልና ኢዩ። መገዲ ፍቕሪ የስተምህረና እዩ።”

ር. ሊ. ጳ. አብ መዕጸዊ ቅዳሴ ዓ. ቅ. መ
ር. ሊ. ጳ. አብ መዕጸዊ ቅዳሴ ዓ. ቅ. መ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ኣይትፍራህ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ አቦና ነቶም ጽን ኢሎም ዝሰምዕዎም ዝነበሩ መንእሰያት፣  ነተን ቃላት ጐይታናን መሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብግዜ ተኣምራቱ ንእተዛረቦም ናይ መወዳእታ ቃላት ጠቒሶም "ተንስኡ ኣይትፍርሁ" ክብሉ አነቓቕሕዎም። 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም "ዓብዪ ሕልሚ" ዘለዎም ግን ከኣ አብ ትግባረ ከይበጽሑ ንዝፈርሁ፣ ብኣሉታዊ አተሓሳስባ ወይ ውን ብተስፋ ቑርጸት ንዝፍተኑ ወይ ውን ጻዕርታቶም እኹል ከም ዘይኰነ ዀይኑ ዝስምዖም መንእሰያት ንዘለዎም ፍርሂ ዘኪሮም አተባብዕዎም።

እኳ ደአ ንዓለም ክቕይርዋን ፍትሕን ሰላምን ንምንጋስ ክቃለሱን ምድላዮም ሰናይ ምዃኑ ብምግላጽ ኣተባብዕዎም ። ች ኣይትፍርሁ" እንክብሉ ብአባታዊ ፍቕሪ አበራትዕዎም።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ይጥምቶም ከም ዘሎ ውን ኣረጋገጸሎም - "ኣዝዩ ሰናይ ዝኾነ ነገር ክነግረኩም እደሊ አሎኹ፦ ሕጂ ኣነ ኣይኰንኩን ዝርእየኩም ዘሎኹ፣ ሕጂ አብዛ እዋን እዚአ ዚርእየኩም ዘሎ ኢየሱስ ባዕሉ እዩ ። ንኹልና ይጥምተና ኣሎ ። ይፈልጠኩም ኢዩ፣ ንልቢ ነፍሲ ወከፍኩም ይፈልጦ ኢዩ፣ ንህይወት ነፍሲ ወከፍኩም ውን ይፈልጦ እዩ። ንሱ ንሓጐስካ ይፈልጦ ኢዩ፣ ሓዘንካን ኣሳልጦኻን ድኽመትካን ኩሉ ይፈልጥ እዩ። ንልብኹም ይፈልጦ እዩ፣ ሎሚ ኸኣ ኣብዚ ኣብ ሊዝበን ኣብዛ ዓለም ለኸ መዓልቲ መንእሰያት እዚኣ 'ኣይትፍርሁ፣ ኣይትፍራህ፣ ኣይትፍርሂ፣ በርትዕ፣ ትባዕ ኣይትፍራህ" ይብለና አሎ፣ ክብሉ ቃል አምላኽ ከም ዘካፈልዎም ዜና ቫቲካን አመልኪቱ።

ር. ሊ. ጳ. አብ መዕጸዊ ቅዳሴ ዓ. ቅ. መ
07 Aug 2023, 10:50