ጹፒ ምስ ባይደን፡ ዘተ ብዛዕባ ስቓይ ኲናትን ህጹጽ ኩነታት ህጻናትን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዩክሬይን ናይ ሰላም መገዲ ንምድላይ ዝዓለመ ተልእኾ ሰላም ብሓላፍነት ዝሃብዎም ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ቢሎይና ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ጹፒ፥ ብመሰረት እቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት መንግስታት ኣመሪካ ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት፥ ምስ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን ከም ኣተራኸቡን ብዛዕባ ስቓይ ኲናትን ምምላስ ሕጻናት ዩክረይንን ጉዳያት ግብረ ሰናይን ኣርእስታት ከምዝዘተዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሕጂ’ውን ቫቲካን ብሓይሊ ናብ ሩስያ ዝተወስዱ ህጻናት ዩክሬን ናብ ዓዶም ንምምላስ ኣብ ዝግበር ጻዕር ተወፋይነታ ትማሊ 18 ሓምለ ኣብ መንጎ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ካርዲናል ማቴዮ ማርያ ጹፒን ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያን ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ቦሎይናን… ር.ሊ.ጳ. ነቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምእላይ ናይ ሰላም መንገዲ ንምድላይ ዝዓለመ ብዝሃብዎ መዝነት መሰረት ኣብ ዋሽንግቶን ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ (ብኣቆጻጽራ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) ኣብ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ምስ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን ናይ ክልተ ሰዓት ዘተ ከም ዘካየዱን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ጹፒ ኣብ ዋሽንግተን፡ ተልእኾ ሰላም ኣብ ዩክሬን ይቕጽል
ድሕሪ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ነዊሕ ከይጸንሐ ምምሕዳር ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መዘኻኸሪ፡ ባይደን "ኣገልግሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ንዓለማዊ መሪሕነቶምን ሰናይ ትምኒቱ ገሊጹ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብቶም ዕለት 30 መስከረም ካርዲናል ዝስመዩ ሓደ እውን ካብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ብምዃኑ ዝተሰምዕዖ ሓጐስ ከም ዝገለጸን”፥ እቲ መግለጺ ቀጺሉ፡ "ቅድስቲ መንበር ኣብ ዩክሬን ብቐጻሊ መጥቓዕቲ ሩስያ ዘስዓቦ ሰፊሕ ስቓይ ንምፍታሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ዝኣተወቶ ተወፋይነት" ከምኡ'ውን "ደገፍ ቫቲካን" ንጉዳይ እቶም ልዕሊ 19,000 ትሕቲ ዕድመ ዩክሬናውያን (ብመሰረት መንግስቲ ኪየቭ ብዙሓት ካልኦት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም) ናብ ሃገሮም ምምላስ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘተ ምኽያዱ ከም ዘፈልጠ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካርዲናል ጹፒ ካብ 5-6 ሰነ ዩክረይን ርእሰ ከተማ ኪየቭ ብምኻድ ምስ ርእሰ-ብሔር ቭሎዲመር ዜለንስኪን ምስ ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ሃገረ ዩክረይን ከም እተራኸበ ዝዝከር ኢዩ። ብድሕርዚ ካርዲናል ጹፒ ካብ 28-30 ሰነ ናብ ሞስኮ ርእሰ ከተማ ሩስያ ውን ምምብጻሕ ብምክያድ ምስቶም ኣማካሪ ወጻኢ ጉዳያትን ምኽትል ርእሰ-ብሔር ፈደራላዊት ሩስያ ዩሪ ኡሻኮቭን ከምኡውን ምስታ አማኻሪት መሰላት ቈልዑ ዝዀነት ማሪያ ልቮቫ-ቤሎቫ ከምኡ እውን ምስ ናይ ሞስኮን መላእ ሩስያን ፓትርያርክ ኪሪል ተራኺቦም ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰላምታ አብጽሑሎም ከምኡ ውን ኣብ ዩክረይን ሰላም ከምጽእ ዘኽእል ተበግሶታት ግብረ - ሰናይ ክግበር ከምእተመያየጡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ጹፒ፡ ቆልዑ ዩክሬን ናብ ገዝኦም ንኽመለሱ ንፈትን
ኣብ ዋሽንግተን፡ ጹፒ ካብ ዕለት 17 – 19 ሓምለ ብሓደ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ በዓል መዚ ጉዳያት ወጻኢ ተዓጂቡ ዘካይዶ ዘሎ ምብጻሕ ቅድሚ ምስ ርእሰ ብሔር ምርኻቦም ኣብ ሕንጻ ህዝባዊ ባይቶ ምስ ገለ ኣባላት ፓርላማ ኣሜሪካ ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ: "ክትስምዕን ክትስማዕ"
ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሓደ ካብቶም ዕለት 30 መስከረም ካርዲናል ዝስመዩ ሊቀ ጳጳስ ክሪስቶፍ ፒየር፥ ካርዲናል ጹፒ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቅድሚ ምእታዎም ምስ ገለ ገለ ማዕከናት ተለቪዥን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት - ዕላማ ናይ ሰላም ተልእኾ ካርዲናል ጹፒ፥ "ዘተን፥ ምስማዕን ክትስማዕን" ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም፡ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን፡ ወሲኾም እቶም ሕጹይ ካርዲናል "ኩሉ ግዜ ንቅዱስ ኣቦና ብዙሕ ኣቓልቦ ኣለዎ" ኢሎም። እቲ ሓፈሻዊ ሓሳብ "ንሰላም ኣበርክቶ ምግባር ዝብል ኮይኑ፡ ብፍሉይ ድማ ዛዕባ ሰብኣዊ መዳይን ጉዳይ ህጻናትን ብፍሉይ ዝምልከት" እዩ። እቲ ዘተ ኣብኡ ዘተኮረ እዩ” እንክብሉ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ንላ ረፑብሊክ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ሓዊሱ ምስ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም። “እዚ እቲ ዝያዳ ፍሉይ ዕላማ ካርዲናል ጹፒ እዩ፣ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተውሃቦም ሓላፍነት እዩ፡ መሰረታው ሓሳቡ ግና ኣብቲ ዘሎ ዝተሓላለኸ ኵነታት ብዛዕባ ሰላም ምሕሳብ ዝብል ምዃኑ ርዱእ እዩ፣ . . . ዝከኣል ኩሉ ክንገብር ንፈትን" ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡