ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ! ኣንጻር ዘይሕጋውነትን ግህሰትን ምቅላስ ፍራንቸስኮ፥ ናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ! ኣንጻር ዘይሕጋውነትን ግህሰትን ምቅላስ  (ANSA)

ፍራንቸስኮ፥ ናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ! ኣንጻር ዘይሕጋውነትን ግህሰትን ምቅላስ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ንመንእሰያት “ተስፋ ጽቡቕ መጻኢ” እንክብሉ ገሊጾም፥ “ብዘይ ፍርሒ ተባዓት” ክኾኑ ተላብዮም፥ ምኽንያቱ እቶም ናይ ገበን ጉጅለታት - ማፍያ፥ “ፍርሒ ኣእምሮን ልብን ምስ ዝህሉ እያቶም ሱር ዝሰዱ” . . . “ንለውጢ ኣተሓሳስባ ንጡፍ ደጋፊ፡ ኣብ ማእከል ጸልማት ብልጭታ ብርሃን፥ ምስክር ናጽነትን ፍትሕን ጽድቅን ክትኮኑ ዝተጽዋዕኩም ኢኹም . . .

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ኣብ ሮማ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያን - ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖን ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ቬላብሮን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነቶም ንሓለዋ ሕብረተሰብ ህይወቶም ንኸቢድ ሓደጋ ዘቃልዑ ክንዝክርን መንእሰያት ድማ፥ “ንጡፋት ደገፍቲ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ” ክኾኑ ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ንእናዊ ሕብረተሰብ ዘሳቕይ ዘሎ ብዙሕ ዓይነት ዘይሕጋውነትን ግህሰትን ብጽኑዕ ክትቃወምዎ እላቦ። ናይ ሓባር ረብሓ ብፍላይ ድማ ዕጫ ናይቶም ኣዚዮም ተነቀፍቲ ኣብ ትሑት ደረጃ መነባብሮ ዝርከቡ ብኹሉ ዓይነት ዘይሕጋውነትን ዝሳቐዩ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝገለጹን፥ እቲ መልእኽቲ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 30 ዓመት መጥቃዕቲ ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያን ሮማ፥ “ሮማ ኣይትርስዖን፥ ዝኽርን ተወፋይነትን ንዝኽሪ ንጹሃት ግዳያት ማፍያ” ብዝብል መርሕ ቃል ሰበኻ ሮማ ብሓባር ምስ በርገሳዊ ቤት ምኽርን ማሕበር ናጽነትን ኣብቲ መጥቓዕቲ ወሪድዎ ኣብ ዝነበረ ቦታ ኣብ ዘካየዶ መንፈሳዊ ስነ ስርዓት ብዝመርሑ ናይ ሰበኻ ሮማ ተራዳኢ ጳጳስ ባልዶ ረይና ከምእተነበን፥ በቲ ዕለት 27 ደሓር እውን ዕለት 28 ሓምለ 1993 ዓ.ም. ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 22 ሰባት ከምዝቖሰሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ነቶም ንኽብሪ ደሞክራሲ ህይወቶም ዘሕለፉ ምዝካር

ቅዱስነቶም “ኣብተን ጸልማት ዓመታት ማሕበራዊ ታሪኽ ኢጣሊያ . . . ብማዕረ ማዕሪኡ ከቢድ ተግባራት ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትካላትን ኣገልገልቲ መንግስትን ዝተለለየ፡ “እቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ እቲ ንመጉዳእቲ ዝተፈጸመ ትርጉም ኣልቦ ዓመጽ” ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ዘስዓቦ ጸገም ብብዙሕ ዝተራእየሉ ኩነታት” ምንባሩ ዘኪሮም፥ “ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ነቶም ግብኦም ኣብ ምፍጻም ሓደ ሓደ ግዜ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ፡ ንሓለዋ ሕብረተሰብ ህይወቶም ዘሕልፉ ምዝካርን ምምስጋንን ናይ ኩሉ ግዴታ እዩ። ኣብ መስዋዕቲ ናይቶም መሰረታት ደሞክራሲ ዝኾኑ ክብርታት ፍትሕን ናጽነትን ዝኣምኑ ዝጣበቑን ዝነበሩ ሰባት ኩሉ ሰብ ሓድሽ ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ኣብ ምህናጽ ሓባራዊ ሓላፍነት ኽስምዖ ሓያል ናይ ሕልና ጻውዒይት” እዩ። ከምኡ እውን ንድሕሪት ተመሊስና ነቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሲቺልያ ዞባ ኣግሪጀንቶ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዝተዛረብዎ ትንቢታዊ ቃላት፥ ነቲ ኣብ ሮማ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ እውን ዝምልከት እዩ . . . ስኒት ይሃሉ፥ እዚ ስኒት ከምኡ እውን ኩሉ ህዝቢ ዝምነዮ ሰላም ክህሉ ናይ ህይወት ስልጣነ የድልየና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

መንእሰያት ናይ ናጽነትን ፍትሕን ጽድቅን ምስክር እዮም

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ንመንእሰያት “ተስፋ ጽቡቕ መጻኢ” እንክብሉ ገሊጾም፥ “ብዘይ ፍርሒ ተባዓት” ክኾኑ ተላብዮም፥ ምኽንያቱ እቶም ናይ ገበን ጉጅለታት - ማፍያ፥ “ፍርሒ ኣእምሮን ልብን ምስ ዝህሉ እያቶም ሱር ዝሰዱ” . . . “ንለውጢ ኣተሓሳስባ ንጡፍ ደጋፊ፡ ኣብ ማእከል ጸልማት ብልጭታ ብርሃን፥ ምስክር ናጽነትን ፍትሕን ጽድቅን ክትኮኑ ዝተጽዋዕኩም ኢኹም . . . እቶም በርገሳዊ ሓላፍነት ዝፍጽሙ እውን ከማኡ፡ እቶም ብዙሓት ቤተ ክርስቲያናዊ ትካላት ናይታ ከተማ ሓድሽ ሰብኣውነት ንምድንፋዕ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ሓደራ” ምስ በሉ፥ “ብለውሃትን ርህራሄን ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ደው ካብ ምባል ድሕር ኣይተብሉ፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ወሰናስን ከተማን ህላወን ንዝርከቡ” . . . ኣብ  መወዳእታ ቅዱስነቶም ንኹሎም ንሓለዋ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያንን ንቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስን ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 Jul 2023, 16:03