ድለ

15-08-2014 Viaggio Apostolico in Corea 2014 Incontro Giovani Santuario di Solmoe 15-08-2014 Viaggio Apostolico in Corea 2014 Incontro Giovani Santuario di Solmoe 

ነብያት ሰላም ኩኑ! መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኮርያውያን

ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 27 ሓምለ 2023 ዓም ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገረ ደቡብ ኮርያ ሴኡል ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ሚዮንግ-ዶንግ ብፁዕ ካርዲናል ላዛሮ ዩ ሄንግ-ሲክ ንዝኽሪ መበል 70 ዓመት ዕርቂ ኲናት ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ዝምልከት ካብ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝተላእከት መልእኽቲ እንከንብቡ ቅዱስነቶም ንሕዝቢ ኮርያ ናይ ሰላም ነቢያት ክኾኑ ዕድመ ከምዘቅረቡሎም ካብ ቅድስት መንበር ዝወxe ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ውሉዳዊ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን ብሓዋርያዊ ቡራኬን መልእኽቶም ምስ ፈለሙ እቲ ቅድሚ ሰብዓ ዓመት ኮርያውያን ምረት ውግእን ምፍሳስ ደምኣሕዋትን ተሰቊርዎም ዕርቂ ክገብሩ ንዝተቀሰቡሉ ኩነት ብምዝካር ሎሚ እንተኾነ ዓለምና ነዚ ትምህርቲ እዝን ካልእ ተመኲሮታት ውግኣት ዓለምን ረሲዖም ክሳብ እቶም ብሥልጣኔ ዘርክበና የልቦን ዝብላ ሃገራት ኤውሮጳ ገና ብውግእ ይሕመሳን ከም ሳዕቤኑ ከኣ ክንደይ መንፈሳውን ስነኣእምሮኣውን ቊሳውን ዕንወትን መቅዝፍቲ ሕይወት ንጹሓንን ይወርድ ከምዘሎ ምናዳ ኸኣ ነቲ ኣደራዕ ዝቅበሉ ድኻታትን ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብናን ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ሎሚ ንስድራቤታት ማሕበረሰብ ዓለምና ብፍላይ ድማ ነቶም ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ዝኾነ ድኻታትን ረዳኢ ዘይብሎምን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሳቕዮም ዘሎ ብዙሕ ውግኣትን ዕጥቃዊ ግጭታትን፡ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰባትን ኣብ መንጎ ህዝብታትን ፍትሕን ሰላምን ምሕዝነታዊ ምትሕብባርን ንምክልኻልን ንምድንፋዕን ቀጻሊ ንቕሓት ከምዘድሊ ወዓል ሕደር ዘይድልዮ ጉዳይ ምዃኑ ብዘሕዝን መንገዲ ዘመልክት እዩ ኢሎም።”

ታሪኽ ከምዝዝኽሮ ክሳብ ካብ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከይተረፈ ሠራዊት ብምልኣኽ ዝተሳተፉሉ ሓያል ደማዊ ኲናት ሰሜን ኮርያን ደቡብ ኮርያን ቅድሚ ሰብዓ ዓመት እንትርፎ ዕርቂ ካልእ ፍታሕ ከምዘይብሉ ብምግንዛብ ብዕለት 27 ሓምለ 1953 ናብ ዕርቂ ተበጺሐ። እግዚአብሔር ይመስገን እዚ ውዑል እዚ ክሳብ ለይቲ እንትርፊ እቲ ሕልፍ ሕልፍ ቢልካ ዝስማዕ ወጥሪ ምናዳ ኸኣ ብፓራለል  መበል 38 እትፍለጥን ናብ ክልቲኦም እተመቅለትን ሓውሲ ደሴት ወጥሪ ንፋስ ብቀጻሊ እንተኾነ 70 ዓመት ናይ ዕርቂ ኣብዒሎም።

ሰላም ኣብ ምክብባር ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተመስረተ እዩ!

ነታ ቅዱስነቶም ንኣቦመንበር ጉባኤ ጳጳሳት ኮርያን ጳጳስ ሱዎንን ዝኾኑ ብፁዕ አቡነ ማትያስ ሪ ኢዮንግ-ሁን ዝተላእከት መልእኽቲ ኣብቲ ኣብ ካቴድራል ሴኡል ስለ ዝኽሪ እቲ ዕርቅን ስለሰላምን ኣብ ዚዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክንዲ ቅዱስነቶም ኮይኖም ዘንበብዋ ተወላዲ እቲ ዓድን ኣብ ቅዱስት መንበር ንካህናት ናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ሓላፍን ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ላዛሮ ዩ ሄንግ-ሲክ፡ ከምዘምበብዋ እውን ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኩሎም ኮርያውያን 'ነብያት' ሰላም ክኾኑ" ብምዕዳም፡ "ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ታሪኹ ዝኾነ ይኹን፡ ኣብ ምኽባር ሕግን ሓባራዊ ረብሓን፡ ብሓላፍነት ዝተዋህቦ ፍጥረትን ናይ ሞራላዊ ግድነትን ኣብ ምኽባር ዝተመስረተ'ዩ" እንክብሉ ነቲ ካብ ዝሓለፉ ወለዶታት ዝመሓላለፍ ዓቢይ ሃብቲ ውርሻ ክብሉ ዝገለጸዎ ትዕድልቲ ኮርያውያን ገሊጾም።

ዕርቂ ንሓውሲ ደሴት ኮርያን ንመላእ ዓለምን።

ቅዱስነቶም ብምቅጻል "ብመንፈስ ኣብ ጐድንኹም ኣሎኹ’ እንክብሉ መንፈሳዊሳዊ ቅርበትኩም ይገልጹ እሞ ‘እዚ ዝኽሪ እዚ ናይ ምድርኩም ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዓለማውያንን ነታ `ብመንፈስ ቅዱስ 'ፍትሒ፡ ሰላምን ሓጐስን’ (ሮሜ 14.17) ዝመልአት መንግስቲ ልዑል እግዚኣብሔር ንምህናጽ ተወፋይነቶም ዘሐድሱሉ ኣጋጣሚ ይኹን” ብማለት ሠናይ ምንዮቶም ገለጹ። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይ መወዳእታ ትምኒቶም እንክገልጹ፡ ዝኽሪ ስምምዕ ዕርቂ "ተጻብኦታት ምቁራጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሓውሲ ደሴት ኮርያ ጥራይ እውን ዘይኮነ፡ ንዝተረፈ መላእ ክፍሊ ዓለምና ብሩህ መጻኢ ዕርቂ፡ ሕውነትን ነባሪ ስኒትን ዘመልክት ክኸውን እዩ ትምኒተይ" ኢሎም።

ቅዱስነቶም ብ2014 ናብ ኮርያ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ!

ከምዝዝከር ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ብዕለት 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ናብ ኮርያ ኣብ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብዛ ሎሚ መልእኽቶም ዝተነበትላ ካተድራል ስለ ሰላምን ዕርቅን መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ነበሩ። ኣብቲ ሽዑ ዘቅረብዎ ስብከት ‘ ክርስቶስ ኣብ ገዛውትኹም፡ ኣብ ማሕበረሰባትኩምን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓውዲ ሃገራዊ ሕይወትኩምን ሒዝክምዎ ክተጐዓዙ ሓደራ! (...) ስለዚ ሓደስቲ ዕድላት ዝርርብ፡ ንፍልልያት ንምብዳህን፡ ርክባት ንምፍጣርን ንዝተጸገሙ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምሃብ ቀጻሊ ልግሲ ንክትረኽቡን ንጸሊ ፡ ከምኡ’ውን... ንኹሎም ኮርያውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤትን ሓደ ህዝብን ምዃኖም ዝገልጽ ክውንነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝሰፍሐ ኣፍልጦ ንክዕድለኩም ንጸሊ’ ቢሎም ነበሩ።

 

29 Jul 2023, 10:33