ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኡጋንዳ መራሔ መንግስቲ
“ምስጋና ንናይ ኡጋንዳ ኣቀባብላ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፡” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ሓምለ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዋ ናይ ኡጋንዳ መራሒት መንግስቲ ሮቢይና ናባጃ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ቅዱስነቶም ኡጋንዳ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሃገሮም ንዝስደዱ ዜጋታት ንምቕባል ማዕጾዋ እትኸፍት ሃገር ብምዃና ዝፈጥረሎም ሓጎስ ገሊጾም፡ ምስጋናኦም ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን መራሒት መንግስቲ ኡጋንዳ ሮቢይና ናባጃን ኣስታት ዕስራ ደቓይቕ ዝወሰደ ዘተ ዕለት 24 ሓምለ ንጎሆ ምክያዱን፥ “ካብቶም ኣብቲ ርክብ ዝተመያየጡሎም ኣርእስታት ሓደ ዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ዞባ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ሃገራት ማእከላይ እስያ ከይተረፈ ንዝስደዱ ኡጋንዳ ብለጋስነት እተቕርቦ ኣቀባብላን እንግዶትን ስደተይናታት ከምዝተንከፎም” ገሊጾም፥ ምስጋናኦም ከምዘቕረቡለን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ፥ መራሒት መንግስቲ ኡጋንዳ ናባጃ ዕለት 25 ሓምለ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸባ ኣፍሊጡ።
ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት
ናይ ኡጋንዳ መራሒት መግንስቲ ካብ ር,.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ምስንባተን ኣብ ዝተኻየደ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት፥ ቅዱስነቶም ንመራሒት መንግስቲ ናባጃ፥ “ብነሓስ ዝተሰርሐ ጨንፈር ኣውሊዕ ዝሓዘት ርግቢት ዝተቐርጾ፥ ልኡኻታ ሰላም ኩኑ” ዝብል ጽሑፍ ዝተነብሮ ከምኡ እውን ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዓለም ብኮቪድ - 19 ብብርትዕ ኣብ ዝተናወጸትሉ እዋን ተወሸብን ተፈናተትን ቅዱስነቶም ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ካብቲ መዓት ንኸናግፈና ዘቕረብዎ ጸሎት ምህለላ ብስእሊ ዘርኢ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ መጽሓፍን ናይ 2023 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ዘመሓለለፍዎ መልእኽቲ ሰላምን ‘ሰብኣዊ ሕውነት’ ዘርእስቱ ሰነድ ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡለን” ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።