ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት፥ ንኢጎነትን ትህኪትን በድሁ፥ ዓለም ዝበለጸት ግበርዋ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ክሳብ ዕለት 30 ሓምለ ዝካየድ ዕለት 26 ሓምለ ናብ ዝተጀመረ ጽምብል መጂጎሪየ ዝሳተፉ መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ጸቕጢ ኣይትፍርሕዎ ምኽንያቱ ከዋኒና ዝኾነ ናይ ፍቕሪ መደብ ስለ ዝኾነ እንክብሉ ጽባቔ ፍቓድ ኣምላኽ የመልክቱ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ኣዚዩ ጽኑዕ ጽሕጊ እምነት ከይተረፈፍ ፈተና ወትሩ ክህሉ እዩ! ንኣምላኽ ፍቓዱ ክፈልጥ ድየ ዝደልይ ወይስ ዘይፈትዎ ነገር ከይረክብ ስለ ዝፈረሕ ፍቓዱ ከይፍጽም ይቑጠብ? ኣብዚ መዋጥር እዚ ኸኣ እቲ እንኮ ሓቂ “ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ናይ ፍቕሪ መደብ ኣለዎ” ዝብል እዩ። ስለዚ ከኣ እዚ ፍቓድ እዚ ክንደልየሉ ዝግባእ ምኽንያት ክንርድኦ እንኽእል መገዲ ስለ ዝኾነ እዩ፡ እረ ምስ ኣምላኽ፥ “ካብቲ ዝቕረበ ማእሰር ደም ዝበልጽ ማእሰር” ዝፍጥር ብዋጋ ዘይሽነን መዝገብ” ስለ ዝኾነ ኸኣ “ደቁ ኣሕዋቱ ኣሓቱ ኣዴታቱ” ከም ዝኾንና ኮይኑ እዩ ዝስምዓና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መደብ ፍቕሪ
“ንሕና - ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ - ብዙሕ ግዜ ምስዚ ድሌት እዚ ዝጻረሩ ኮይና ንርከብ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ንምርዳእን ንምቕባሉን ይጽግመና፡ ዝተፈልየ ህይወት ምደለና፡ ብዘይ ብድሆታት ብዘይ ስእቓይ ዝንበር፡ ንሕና ንባዕልና ፍልይ ዝበልና ክንከውን ምደለና፡ ምናልባት ዝያዳ በላሕቲ ዝያዳ ሃብታማት ወይ ተፈጥሮኣዊ ውህበታት ዝተዓደልና ክንከውን ምደለና። ግና “ንምሉእ ሓጐስ ኣብ ግምት ብምእታው ፍቓዱ መደብ ፍቕሪ ብምዃኑ “ንዓና ካብ ናይ ኣቦ ፍቓድ ካልእ ዝሓሽ ፍቓድ የሎን . . . መብዛሕቲኡ ግዜ ነዚ ፍቓድ እዚ ንፈርሖ ምኽንያቱ ኣምላኽ ንጽቡቕና ዘይኮነስ ኣብ ልዕሌና ከም ጸቕጢ ዝመጽእ ስለ ዝመስለና ፍቓዱ ምቕባል ማለት ናጽነትና ምሕዳግ ማለት ከይከውን ንፈርሖ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ክፉታት ኣልባብ
ቅዱስነቶ ኣስዒቦም፥ ንማርያም ክንመስል ዓዲሞም፥ ንሳ እታ ቀዳመይቲ እነኹልካ ከም ዝበልካዮ ይኹነለይ ብምባል ናይ ወዳ ጓል መዝሙር ኮነት፡ ኣብ ህይወትኩን ንርእሰ ፍትወትን ትህኪትን” ቦታ ኣይሃሉ፡ “ጸጋ ኣምላኽ ኣባኹም ክሰርሕ እንተፈቒድኩም ኣብ መዓልታዊ ተወፋነትኩም ለጋሳትን ጽኑዓትን እንተደኣ ኮይንኩም፥ ነዛ ዓለም ዝሓሸት ቦታ ክትገብርዋ ኢኹም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።