ድለ

2023.07.24 ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንደናግል ማሕበር ክላሪቲያን 2023.07.24 ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንደናግል ማሕበር ክላሪቲያን  (Vatican Media)

ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንደናግል ማሕበር ክላሪቲያን

ከምቲ ናይቲ ማሕበር መስራቲ ኣባ ክላሬት ዝገበሮ መልክዓ ምድራዊ ዶባት እንኮላይ ናይ ህላወ ዶባት ክተሰግራ ኣይትፍርሓ፡ ኩሎም ነቲ ዕልቕልቕ ዝበለ ፍቕሪ ልቢ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክፈልጡ፡ ሎሚ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ናይቲ ዝተቐደሰ ውፉይ ህይወትክን እሙናትን ተባዓትን ምስክርነት ብህጹጽ የድልያ!

“ኣብ ዓለም ንምስማዕን ወንጌል ንምእዋጅን ቦታታት ምፍጣር”፥” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ሓምለ ብምኽንያት መበል 18 ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ሮማ ዝርከባ ናይቲ ብኣንቶኒዮ ማሪያ ክላሬት ዝተመስረተ፥ ማሕበር ደናግል ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ ብቅዲ ሲኖዳውነት ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም፥ በቲ ናይቲ ማሕበር መንፍሳዊ መስህብ ልኡካውነት ተደሪኸን መልክዓ ምድራውን ህላወኣውን ዶባት ንምስጋር ከይፈርሓ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“መልክዓ ምድራውን ህላወኣውን ዶባት ክትሰግራ ኣይትፍርሓ፥” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ሓምለ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንማሕበር ደናግል ክላሪትያን ተጋባእያን መበል 18 ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ኣብ ሃገር ቫቲካን ጽርሓ ጳውሎስ ሻድሻይ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ብመስራቲ እቲ ማሕበር ኣንቶንዮ ማሪያ ክላሬት ዝተሓትመ መንፍሳዊ መስህብ ኣብ ኒሕ ስብከተ ወንጌልን ትብዓት ወንጌላውነትን ዘማእከለ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንደናግል ማሕበር ክላሪቲያን
ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንደናግል ማሕበር ክላሪቲያን   (Vatican Media)

ርክብ ተሳትፎ ዘተ ሱታፌን ተልኾን

ቅዱስነቶም ኣብ መደረኦም ነቲ መደበይና ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበር ደናግል ክላሪቲያን ምስቶም መንፈስዊ ህይወትን ተልእኾን ክላሪቲያን ዝካፈሉ ብሓባር ዝፍጸም እዩ። ነዚ ድማ ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘሎ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቲ ኤማሁስ ዝተነግረ ታሪኽ ብምንጽጻር፥ ንሳቶም ድማ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ዘሎ ህልው ጉዕዞ ሲኖዳውነት መለለዪ ዝኾኑ ባእታታት ዘማላኽቱ ምዃኖም ከም ዘብርሁን፥

ኣብቲ ናይ ወንጌል ዛንታ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ብሓባር ክጓዓዙ ንርኢ፡ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ህሞት ምስ ሓደ ዘይፈልጥዎ ሰብ ይራኸቡ፡ ምስኡ ይዛረቡን ድራው እውን ይዕድምዎ፡ እቲ ነጋዳይ ድማ እቲ ዝተንስአ ኢየሱስ ምዃኑ ምስ ፈለጡ - ኣብ ቅድሚኡ ብህላወኡ ልቦም ይነድድ። ናይ ቃላቱን ግብሩን መሰኻኽር ምስ ኮኑ፥ ምስኡ እንጌራን ወይንን ምስ ተኻፈሉ ምስኡ ውህደት ይህልዎም፥ ድሕሪ እዚ ርክብ እዚ ከበስርዎ ጥራይ እዮም ክወጹ ዝኽእሉ፡ ብሓጎስ ተመሊኦም ይወጹ ይጎዩ፡ ኣብ ታሪኽ ኤማሁስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይቲ እንነበሮ ዘሎና ሲኖዳውነት መስርሕ ቀንዲ ባእታታት፡ ማለት ርክብ ተሳትፎ ዘተን ውህደትን ተልክእኾን ከነለልይ ንኽእል።

ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንደናግል ማሕበር ክላሪቲያን
ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንደናግል ማሕበር ክላሪቲያን   (Vatican Media)

ልኡካነ ወንጌል ብማርያም ሕድሪ ብምባል

ቅዱስነቶ ነቲ ምዕሩግ ማርያማዊ ባህሪ ናይቲ ጉባኤ ብኣጽንዖት ብምዝኽኻር ልኡካነ ወንጌል ምስ ጉዕዞ ኵላዊት ቤተ ክርስያት ዝተጣመረ ክኸውን ምዒዶም፡ ወትሩ ፍሉይነት ማርያም ወትሩ ናብ ኢየሱስ ምምልካት እምበር ንባዕላ ፍጻመ ከም ዘይኮነት ኣብ ግምት ብምእታው፥

በዚ ድልውነት እዚ፡ ነዚ ወንጌል ንምስማዕን ንምእዋጅን ዝሕግዙ ቦታታት ብሓባር ንምሃንጽ ዘለክን ሃረርታ ምኽንያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቦታ ዓለም ምህላውክን አምስግን!

ቤተ ክርስቲያን ትብዓት ውፉያንን ውፉያትን የድልያ

ቢሎም፥ እቲ ናይቲ ማሕበር ኣብ ተልእኾ ወንጌል ዘማእከለ መንፈሳዊ መስህብ ካብ ሰቂለ ህሊናውነት ናብ ተልእኾ ወንጌል ትብዓት ክትርጎም ብቐረባ ክርእይዎ ምኽኣሎም እውን ገሊጾም፥

ከምቲ ናይቲ ማሕበር መስራቲ ኣባ ክላሬት ዝገበሮ መልክዓ ምድራዊ ዶባት እንኮላይ ናይ ህላወ ዶባት ክተሰግራ ኣይትፍርሓ፡ ኩሎም ነቲ ዕልቕልቕ ዝበለ ፍቕሪ ልቢ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክፈልጡ፡ ሎሚ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ናይቲ ዝተቐደሰ ውፉይ ህይወትክን እሙናትን ተባዓትን ምስክርነት ብህጹጽ የድልያ!

ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 Jul 2023, 15:54