ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሃገረ ጋና ርእሰ ብሔር
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ጳውሎስ ሳድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝርከብ ብፍሉ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ጋና ርእሰ ብሔር ናና ኣዶ ኣኩፎ ኣዶ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ጋና ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ወጻኢ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 22 ሓምለ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሃገረ ጋና ርእሰ ብሔር ናና ኣዶ ኣኩፎ ኣዶ ኣብ ሃዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ንኣስታት 20 ደቓይቕ ድሕሪ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ዘተ ርእሰ ብሔር ኣኩፎ ኣዶ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን
ኣርእስታት ዘተ
ዛዕባ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታት ጋና ብፍላይ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓውዲ ክንክን ጥዕናን ህንጸትን ትገብሮ ምትሕብባርን ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ኣብ ዓለምን ዝረአ ዘሎ ጸገማት ጸጥታን ሰላምን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ከም እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ኣብ መንጎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ጋና ርእሰ ብሔር ናና ኣዶ ኣኩፎ ኣዶ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ዘተ፥ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ሕትመትን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለዚ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን - ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ጋናን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ጉሊሑ፡ ገለ መዳያት ፖለቲካውን ማሕበረ - ቁጠባውን ኩነታት እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውድታት ትምህርትን ጥዕናን ዝግበር ምትሕብባር ከም ዝመኸሩን ኣብ መቐጸልታ ናይቲ ዝርርብ፥ ኣብ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን እዋናዊ ፍጻሜታት ናይ ሓሰብ ምልውዋጥ ተኻይዱ፡ ብፍላይ ድማ ንጸገማት ሰላም ዓለምን ጸጥታ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ምይይጥ ምክያዱ የመላኽት።
ምልውዋጥ ህያባት
ናይ ጋና ርእሰ ብሔር ካብ ር,.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ምስንባቶም ኣብ ዝተኻየደ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት፥ ቅዱስነቶም ንርእሰ ብሔር ጋና ኣኩፎ ኣዶ፥ “ማሕበራው ፍቕሪ” ዝብል ኣርእስቲ ዝተውሃቦ ሓደ ሕጻን ንሓደ ኣረጋዊ እናደገፈ እንከሎ ዘርኢ ምስሊ ዝተቐርጾ “ምፍቃር ሓገዝ” ዝብል ጽሑፍ ዝተነብሮ ዝተቐርጸ ምስሊ ከምኡ እውን ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዓለም ብኮቪድ - 19 ብብርትዕ ኣብ ዝተናወጸትሉ እዋን ተወሸብን ተፈናተትን ቅዱስነቶም ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ካብቲ መዓት ንኸናግፈና ዘቕረብዎ ጸሎት ምህለላ ብምስሊ ዘርኢ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ መጽሓፍን ናይ 2023 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ዘመሓለለፍዎ መልእኽቲ ሰላምን ኩላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽትን ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎምን ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ንርእሰ ብሔር ጋና ናና ኣዶ ኣኩፎ ኣዶን ኣሰነይቶም ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱይሕብር።