ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ነታ ኽብርቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ድለይዋን ርኸብዋን ሓንጐፋ ኢልኩም ተቐበልዋን

ስራሕ ጐይታ ተደጋጋሚን ዘሰልቹን ዘይኮነስ፣ የግዳስ ወትሩ "ንናይ ህይወት ሓቅታት ሓድሽ" ዝገብሮም ክንድዝኾነ ንምርካቡ ዜድልየና ነገር እዩ

ትማሊ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ዕለት 30 ሓምለ አብ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንጐይታ ምድላይን፣ ክቡር መዝገብ ናይታ ደረት ዘይብላ ፍቕሩ ሃሰስ ምባልን ከምኡውን ንጐይታ ወትሩ ናብ ህይወትና ምቕባል ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ ።

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወትሩ ሰንበት ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም አብ ዝሃብዎ ናይ ዕለቱ አስተንትኖ ቃል ወንጌል፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስላ ጌሩ ብዛዕባ ሓደ ነጋዳይ ክቡር ዕንቊ ንምርካብ ሃሰስ ዝብልን ምስ ረኸበ ኸኣ ከይዱ ዝለዎ ኩሉ ሸይጡ ነቲ ክቡር ዕንቊ ከም ዝዕድጐ ጠቒሶም ናይ ዕለቱ ትምህርተ ክርስቶስ አመሓላለፉ። 

አብ ትምህርቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ንሕና እውን ኣብ ህይወትና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእል ሰለስተ ተግባራት ናይቲ ነጋዳይ ብምምልካት አስተንትኖም ቀጸሉ - ፈለማ ይደሊ ድሕሪኡ ይረክብ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቲ ኽብር ዕንቊ ይዕድግ ። 

ንምርካብ ብሃንቀውታ ምድላይ 
እዚ "አብነት ዝኾነና ነጋዳይ" ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ዝወሰዶ ኽቡር ዕንቊ ኪደሊ ምውጽኡ ኢዩ፣ ነቲ ዘለዎ "ሰናይን ጽቡቕን ትምኒት" ዘርኢ እንክኸውን፣ ሓድሽ ነገር ክረክብ ከም ዚደሊ ዜርኢ ውን እዩ፣ ከመይሲ እቲ ነጋዳይ በቲ ዝነበሮ ጥራይ ዓጊቡ ስቕ ዝብል ዘይኮነስ ካብኡ ዚዓብን ዝበልጽ ተኽእሎታት ከም ዘሎ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ከምዚ ዝበለ ህንጡይነትን ድራኸን ዝኾነ ሓይሊ እዚ "ሓድሽነት ጐይታ" ሃሰስ ንምባል ዘድልየና ኢዩ፣ ምኽንያቱ ስራሕ ጐይታ ተደጋጋሚን ዘሰልቹን ዘይኮነስ፣ የግዳስ ወትሩ "ንናይ ህይወት ሓቅታት ሓድሽ" ዝገብሮም ክንድዝኾነ ንምርካቡ ዜድልየና ነገር እዩ። 

ብሩህ ዓይኒ ክህልወካ የድሊ
እቲ ነጋዳይ ነታ ኽብርቲ ዕንቊ ኬናድያ ኸሎ ብሩህን ንጹርን ዓይኒ ስለ ዝነበሮ ነታ ኽብርቲ ዕንቊ ብኸመይ ከም ዘለልያ ስለ ዚፈልጥ ነቲ ዚደልዮ ረኸቦ ። ነዚ ነጋዳይ እዚ ሓደ ብእተፈላለየ ኣቕሑ ዝመልአ ናይ ምብራቓዊ ዓለም ዕዳጋ  ዚሓልፍ ሰብ ይመስል ነቲ ዝረኸቦ እተፈላለየ አቑሑ ተጠንቂቑ ዝምርምርን ዝዕዘብን ጌሩ ከአ ይምስሎ ።  

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ብጥንቃቐ ዝግበር ናይ ምስትውዓል መስርሕ እዚ ጽቡቕን ክቡርን እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕል ዘረድአና ትምህርቲ ሓዘል ምሳሌ ኢዩ ይብሉ ። 

ነቲ ንህይወትና ዘገድስን ዋጋ ዘለዎን ነገራት ከነናዲ፣ ነቲ ኣብ ህይወት ዘሎ "ኽቡር ነገራት" ካብ ዘይጠቅም ወይ ካብ ከንቱ ዝኾነ ነገራት ፈሊና ንኽንርኢ ገዛእ ርእስና ኸነሰልጥን ከም ዘሎና ገለጹ። 

"ህይወት ወትሩ ግዜ ንኣምላኽን ንኻልኦትን ዝኸውን ኽብር ዕንቊ ኽትህበና ኸላ ግዜናን ናጽነትናን ብኸንቱ ዝኾኑ ነገራት ኣይነጥፍእ።

ነቲ ርኽበት ተቐበሎ 
ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ እቲ ነጋዳይ ዘለዎ ዅሉ ብምሻጥን መስዋእቲ ብምግባርን ነታ ክቡርቲ ዕንቊ ክዕድጋ ኸሎ ዝወሰዶ ናይ መወዳእታ ስጕምቲ ገለጹ፣ ከመይሲ እቲ ክቡር ዋጋኡ "ናይ ሕጅን መጻእን ኩሉ ሃብቱ" ከም ዝኾነ ተገንዘበ። 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ተግባር እዚ ንዓና እውን ዝብለና አለዎ፣ ከመይሲ ነቲ "ክትድለዮን ክትረኽቦን ናቱ ኽትከውንን ዝደሊ ክብርቲ ዕንቊ ህይወት" ዝዀነ ጐይታና ኢየሱስ ክንቅበሎ ጻውዒት አቅሪቡልና ኢዩ። 

ቅዱስ አቦና "ሓደ ሰብ ምስ ክርስቶስ ኪራኸብ ከሎ ህይወቱ ይቕየር" ምስ በሉ ፣ ኣብ ሕቝፊ ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ናይ መወዳእታ ትርጕም ህይወቱ ይረኽብ ብምባል፣ ትርጉም ህይወት ንክርስቶስ አብ ምርካብ ከም ምዃኑ ገለጹ ። 

እቲ ዝበለጸ ጽቡቕ ህይወት 
ቅዱስነቶም ነቲ ጥበበኛ ነጋዳይ ዝወሰዶ ሰለስተ ስጕምትታት ኣሕጽር አቢሎም ድሕሪ ምግላጾም፣ ኣብ ህይወትና ብሓቂ እንታይ ከም እንደሊ ንኣምላኽ ንምድላይን ሰናይ ንምግባርን ንጽዕር እንተ ደአ ዄንና ንርእስና ኽንሓትትን ክንምርምርን ከም ዘሎና ገለጹ ። 

ድሕሪኡ ብዛዕባ እቲ ብሓቂ ሰናይ ዝዀነን ካብ ኣምላኽ ዚመጽእን ኩለንትና ናይ አምላኽ ክኸውን ዝሕግዘናን ነገራት ንምስትውዓል ክንለማመድ ከም ዘለና አባታዊ ምኽሮም ለገሱ። 

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህይወትና ኽንምርምሮ እሞ፣ ንጐይታ ናበይ ከም እነተኵር ከምዘሎና፣ ጻዕርናን ድካምናን አብ ምንታይ ከነውዕሎ ከም ዝደልየና ኽንሓትት ከም ዘሎና አመልከቱ ። 

ኣብ መደምደምታ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ንጐይታ ብምሉእ ልብና ኽንደልዮን ክንረኽቦን ክንቅበሎን ክትሕግዘና ንለምና ቢሎም ናይ ዕለቱ ቃል አምላኽ ከም ዘስምዑ አገልግሎት ዜና ቫቲካን ገሊጹ ። 

31 Jul 2023, 13:32