ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ በረኻታት ሰሜን ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ስደተይናታት ንምድሓን ስጉምቲ ክውሰድ ይላበዉ ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ በረኻታት ሰሜን ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ስደተይናታት ንምድሓን ስጉምቲ ክውሰድ ይላበዉ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ በረኻታት ሰሜን ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ስደተይናታት ንምድሓን ስጉምቲ ክውሰድ ይላበዉ

“ብፍላይ ናብ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኤውሮጳን ኣፍሪቃን፡ ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ህጹጽ ረድኤትን ሓገዝን ክግበረሎም ጻውዒት አቕርብ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መራሕቲ ዓለም ኣብ በረኻታት ሰሜን ኣፍሪቃ ተዓጊቶም ንዝርከቡ ስደተይናታት ህጹጽ ረድኤት ከቕርቡ፥ ኣብ ርእሲኡ ድማ ነቲ ጽንኩር ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ፍጻሜታትን ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ዋዒ ዓለምን መንግስታት ዓለምን ህዝብታትን ፍታሕ ኣብ ምድላይ ክነጥፉ፡ ዕለት 23 ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መእመናን ኣብ ዝተረኽቡሉ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ልዕሊ 20 ሺሕ ዝግመቱ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተሳተፍዎ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ስሜናዊ ክፋል ኣፍሪቃ ንሰሙናት ኣብ በረኻ ተዓጊቶም ወይ ዝተጠንጠኑ በሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብዘስካሕክሕ ስቓይን ኣብ ጽንኩር ኩነት ዘለዉ ስደተይናታት እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ንህልውናኦም ሓደገይና ዝኾነ ዘሕዝን ኩነታትን ዘኪሮም፥ “ብፍላይ ናብ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኤውሮጳን ኣፍሪቃን፡ ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ህጹጽ ረድኤትን ሓገዝን ክግበረሎም ጻውዒት አቕርብ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ “ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ደጊም ትያትር ሞትን ኢሰብኣውነትን ኣይኹን። ስምዒታት ሕውነትን ምትሕግጋዝን ኣጋይሽ ምቕባልን ዝድርኽ ኣስተንፍሶ ክህሉ መታን ጐይታ ንኣእምሮን ልብን ኩሉ የብርህ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሜዲትራኒያ ባሕሪ ድሕሪ ደጊም ናይ ሞትን ኢሰብኣውነትን ትያትር ስፍራ ኣይኹን

ብወሰኽ ዋዕን ምዕልቕላቕን ንዝሳቐዩ ቀረባ ምዃን

ኣስዒቦም ምስቶም ብጽንኩር ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ፍጻሜታት ንዝሳቐዩ ዘለዉ፥ ብኸቢድ ዋዒ ይኹን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዕልቕላቕ ማይን ንሳቐዩ ኩሎም ቅርበቶም ገሊጾም፡ ብዙሓት ሃገራት ኣዕናዊ ባርዕ ሓውን ኣብ ካልኦት ቦታታት ድማ ሰፊሕን ብርቱዕን ዝናብ ብዝፈጥሮ ዘይተለመደ ብርቱዕ ምዕልቕላቕን ማዕበል ሃሩርን የጋጥመን ከምዘሎ ዘኪሮም፥ ብዛዕባ እቲ ንደቡብ ኮርያ ዝጸለወ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ብፍሉይ ጠቒሶም፥ ምስቶም ዝሳቐዩ ዘለዉን ነቶም ግዳያትን ተመዛበልትን ዝሕግዙ ሰራሕተይናታት ህጹጽ ረድኤትን ዘለዎም ቅርበት ገሊጾም፥ “ንመራሕቲ ሃገራት ዘቕረብክዎ ጻውዒት አሐድስ፥ ብከላ ዝፈጥር ልቀት ንምድራት ዝያዳ ዝጭበጥ ነገር ክግበር” ኣለዎ፥ “ክመሓላለፍ ዘይብሉ ንኹሉ ዝምልከት ህጹድ ብድሆ እዩ፥”

ናይ ሓበር ቤትና ንሓልው!

ጸሎት መእንቲ ዩክሬይን

ቢሎም፥ ኣብ መወዳእታ ኣብታ እቲ ዓመጽ ብፍላይ ኣብ ኤዶሳ ዝያዳ ሞትን ዕንወትን ዘስዓበላ ዩክሬይን ሰላም ክትረክብ ኩሉ ክጽሊ ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 Jul 2023, 14:59