ጳጳሳዊ ወኪል ቀዋሚ መንበር ኣብ ቨትናም ክህሉ ዝብል ክሌኣዊ ስምምዕ ቅድስቲ መንበርን ቨትናምን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ሓምለ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ቨትናም ርእሰ ብሔር ቮ ቫን ቱንግ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ሃገረ ቨትናም ኣብቲ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርኡይ ምዕባለ ዝምድናታትን ዓቢ ኣድናቖት ዝተዋህቦ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣተቕርቦ እወታዊ ኣብርክቶ ከም ዝመኸሩን፡ ኣብዚ ርክብ እዚ እውን ቅድስቲ መንበር ኣብ ቨትናም መንበሩ ቀዋሚ ዝገብር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንኽህልዋ ኣብ ዝብል ስርዓት ስምምዕ ከምእተፈረመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅድስቲ መንበርን ማሕበርነታዊ መንግስቲ ረፓብሊክ ቨትናም፥ ኣብ ሃገረ ቨትናም ነባሪ ጳጳሳዊ ወኪልን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈትን ክቐውም ዝብል ስምምዕ ከምእተበጸሐን፥ እዚ ስምምዕ እዚ ዕለት 27 ሓምለ ናይ ቨትናም ርእሰ ብሔር ቮ ቫን ቱንግ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዑደት ኣብ ዘካይድሉ እዋን ከም እተፈረመን፡ እቲ ዝተበጽሐ ክሌኣዊ ስምምዕ ዕለት 31 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ዓስራይ ሓባራዊ ጉጅለ ዕዮ ክልቲአን ሃገራት “ምስ ድሌት ክሌኣዊ ዝምድናታት ብቐጻሊ ንምስጓም” ንዝብል ክሌኣዊ ውሳኔ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ኣብ ዝተወሃበ ናይ ሓባር መግለጺ ከምእተነገር ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ዕለት 27 ሓምለ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቨትናም ርእሰ ብሔር ቮ ቫን ቱንግ ድሕሪ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብን ርእሰ ብሔር ቮ ቫን ቱንግ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ንዝተራእየ ርኡይ ምዕባለን ክሳብ ሕጂ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኣብታ ሃገር ንዘቅርቦ እወታዊ ኣበርክቶን ዓቢ ኣድናቖት ከም እተገልጸን፡ ክልቲኦም ወገናት ብተወሳኺ እቲ ዝቐውም ነባሪ ጳጳሳዊ ወኪል ኣብቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝተዋህቦ ተራን ስልጣንን ክፍጽም ምዃኑን፡ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ቨትናም ሕጊ ብምኽባር ንምዕባለ ሃገሩ ወትሩ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣስተንፎ ገይሩ ሃገር ናይ ምምዕባል ጸዋዕታኡ እናኸወነ ዘተኣማምን ካቶሊክን ዘተኣማምን ዜጋ” ብምዃን ኣበርክቶ ክህልዎ ዝድግፍ እውን ምዃኑ ኣብቲ ስምምዕ ከም እተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቨትናምን ኣብ 1975 ዓ.ም. እኳ እንተተበትከ ካብ 1990 ዓ.ም. ንደሓር ዜተባብዕ ምዕባለታት ከምእተራእየን፡ ኣብ 2011 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቨትናም ዋና መንበር ዘይብሉ ጳጳሳዊ ልኡኽን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ከምዝሾሙ ኣመላኽቱ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ቨትናም ርእሰ ብሔር ቮ ቫን ቱንግ ኣብ ንኡስ ጽርሓ ቤተ መዝገብ ሓዋርያዊ መንበር ተቐቢሎም ንኣስታት 30 ደቓይቕ ከምዘዘራረቡን ቅዱስነቶም ንርእሰ ብሔር ቱንግ ኣሰነይቲ ኩሎም ጳጳሳዊ መዳሊያ ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡን ንርእሰ ብሔር ቱንግ ናይ 2023 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላምን ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድን ከምኡ እውን ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዓለም ብኮቪድ - 19 ብብርቱዕ ኣብ ዝተናወጸትሉ እዋን ተወሸብን ተፈናተትን፡ ቅዱስነቶም ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ካብቲ መዓት ንኸናግፈና ዘቕረብዎ ጸሎት ምህለላ ብስእሊ ዘርኢ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ ስእላዊ መጽሓፍን ናይ ጳጳሳዊ ህንጻ ስእላዊ ሰነድን ምሕረትን እንግዶትን ሕውነትን ዝገልጽ ሓንቲ ውላዳ ዝሓቖፈት ኣደ ዘርኢ ምስሊ ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎምን ርእሰ ብሔር ቮ ቫን ቱንግ እውን ብወገኖም ኣብ ቨትናም ዝተቐርጸ ምስሊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተነብሮ ሳርማ ንቕዱስነቶም ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡሎም ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።