ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰማያት ብሕውነትን ብሓባርን ክንመላለስ ይዕድሙና

ካብ ልቢ ዝተወልደ ሕውነት ዘማእከለ ዓቢ መንፈሳውን ማሕበራውን ቃል ኪዳን ጥራይ እዩ ነቲ ቅዱስን ዘይገሃስን ክብሪ ሰብኣዊ፡ ሕመረት ዝምድናታት ክመልስ ዝኽእል!

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ቀዳም ዕለት 10 ሰነ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ሰብኣዊ ሕውነት፥ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “መንግስተ ሰማያት ብሓባር ክንመላለስን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ዳግማይ ክንራኸብ ይዕድሙና፥ ሕውነት መሰረት ነጋድነትና ኣብዛ ምድሪ እዩ” ቢሎም፥ ከምኡ እውን ኣብ ምዝዛም እቲ ፍጻመ በቶም 30 ናይ ኖበልስ ተሰለምቲ ዝቐረበ ናይ ሓባር ናይ ውሳነ ሰነድ ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንኹሎም ኣብቲ ጽምብል ንዝተርኽቡ ንኹሎም ብመረብታዊ ምስማዐ ርእየት ምስ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝሓበራ ከተማታት ንዝተረኽቡ ኩሎም ሰላምታኦም ከም ዘቕረቡን ክቅዱስነቶም ኣብ ሕክምና ስለ ዘለዉ ነቲ መእኽቶም ንተጋባእያን ዘስምዑ ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣመሓዳሪ ናይ ቤት ዕዮ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቦ መንበር ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ካህናት ብጽዕ ካርዲናል ማውሮ ጋምቤቲ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥

ሕውነትን ሰላምን

ር.ሊ.ጳ. “ኣብ ዓለም ሕውነትን ሰላምን ክህሉ ድሌቶም” ምዃኑ ምስ ድሌት ኮሎም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ሓቢሮም . . . ኩሎም ነቲ ካብ ዘሕዝን ተመክሮታት ውግእ ድኽነት ወይ ስቓይ ዝሓደጎ በሰላ እውን እንተሃለወ ነቲ ዝረኸብዎ ናይ ሰናይ ድሌትን ሕውነትን ጽምኢ ሕውነትን ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም፡ እቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ብሓባር ኣብ ምትሕግጋዝን ምሕዝነትን ተጠርኒፎም፡ ኣብ ህይወት ንቕድሚት ክኸዱ ብምኽኣሎም ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ተኣኪቦም - ናይ ሓባር ሰብእውነትና ብምምስካር ንጻውዒት ሕውነት ምላሽ ይህቡ ከም ዘለዉ ገሊጾም፥

ብሓቂ ሰማያት ብሓባር ክንመላለስ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ዳግማይ ክንራኸብ ሕውነት ኣብዛ ምድሪ ነጋድያን ንምዃናን መሰረት እዩ!

ቢሎም . . . ነታ ኩላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ጠቒሶም፥ ሓቀይና ሕውነት ከም ሓው ወይ ከም ሓብቲ ከም ጸብጻብ ወይ ካልእ ዘይኮነስ፡ ክብሪ ዘለዎን ክብሪ ዝግብኦን ሰብ ምዃንና ክንርኢ ይጽውዓና፡ ኣብዛ ብመዝመዛን ዘይምግዳስን ዓመጽን ውግእን እትልለይ ዓለምና ምትዕራይ እዅል ኣይኮነን . . . ቢሎም፥

ካብ ልቢ ዝተወልደ ሕውነት ዘማእከለ ዓቢ መንፈሳውን ማሕበራውን ቃል ኪዳን ጥራይ እዩ ነቲ ቅዱስን ዘይገሃስን ክብሪ ሰብኣዊ ሕመረት ዝምድናታት ክመልስ ዝኽእል!

ስጉምቲ ንናይ ሰላም ባህሊ

ካብ ክልሰ ሓሳባት ንላዕሊ ናይ ሰላም ባህሊ ንምስፋሕን ብሓባር ዝተሰርሑ ጭቡጥ ምልክታት እውን ከም ዘድልዩና ኣስሚሮም፥ ሕብረተሰብ እንታይ ክገብረለይ ከም ዝኽእል ጥራይ ኣብ ምባል ካብ ምትኳር ብቐዳምነት “ንኣሕዋተይ እንታይ ክህቦም ይኽእል” ቢልና ክንሓትት ይግባእ። ሕውነት ናይ ምሃንጽ ጭቡጥ ምንቅስቓሳት ምስ ኣባላት ስድራ ቤት ፍተውትን ጎረባብትን ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ዝጎድኡና ክንጽሊ ንዝተጸገሙ ክንሕግዝ ኣብ ኩሉ ቦታታት ህይወትና ናይ ሰላም ቃላት ክንዛረብ ምሱእ ድማ ከነጸናንዕን ነቶም በይኖም ዝኾኑ ቀረባ ምዃን ንሕተት፥

መድሃኒት ሓልዮት

ኣብ  መንጎ ውልቀ ሰባት ወይ ህዝብታት ዘሎ ርክብ ንምዕራይ “ፈውሲ ለውሃት - ሓልዮት ክንጥቀም” ዝተጸዋዕና ኢና፡

ኣይፋል ንወግእ ብስም እግዚኣብሔርን ብስም ነፍሲ ወከፍ ሰላም ዝብህግ ሰብኣይን ሰበይትን ኣይፋል ንውግእ ቢልና ኣብ ምጭዳር ኣይንሰልኪ - ኣይንድከም!

ሕውነት እውን ክቡርን ተኣፋፍን ምዃኑ ቅዱሰንቶም ኣብ መልእኽቶም ኣዘኻኺሮም፥ “ካብ ጽልንእን ዓመጽን እቲ ዝጥርንፈና ሕውነት ይሕይል” ቢሎም፥ ኣብ ናይ ሓባር ስቓይ እቲ ብሓባር ምዃንና ክስምዓና ዝገብር ስምዒት ነቲ ጸላም ዓመጽ ደው ዘብል ብርሃን ዳግማይ ይውልዕ።”

ምስ ሕውነት ናብ ዝሓሸ ለውጢ

ኩላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ምእማን ካብ ናይ ገዛእ ራስና ብሔራውን ባህላውን ሱር ወጺና ንኽብር ዋጋ ናይ ሓባር ሰብኣዊ ክብረትና ክንርኢ ይሕግዘና እንክብሉ ኣብሪሆም፥ ውልቀ ሰባትን ማሕበረሰባትን ሕውነት ክመርጹ ከለዉ ድማ መምርሕታት ናብ ዝሓሸ ክቕየሩ ከም ዝኽእሉ ተዓዞቦም፥ ንኣካባቢ ዝሕሉ መምርሕታት ይኹን ንስራሕ ፍትሓዊ ደሞዝ ዘረጋግጹ ወይ ሕሉፍ በደላትን ንምሽፋን ዝግበር ጻዕሪ ኩሉ ናብ ተስፋ ምዕባለን ፍትሕን ፈውስን ክመርሕ ይኽእል” ምስ በሉ፥

ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ

ኣብ መደምደምታ ቅዱሰንቶ ንኣዳለውቲ እቲ ኣኼብ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡን ሰነድ ኣዋጅ ሰብኣዊ ሕውነት ንዘቕረቡ 30 ናይ ኖበል ተሰለምቲ እውን ዕዙዝ ሰላምታኦም ኣቕርቦም፡ ንህያው ሕውነትን ንዑኡ ንምምስካርን መምርሒ ዝህብ ሰነድ እዩ ፥ መዓልታዊ ብጭቡጥ መገዲ ሰብኣዊ ሕውነት ንምንባር ዝሕግዝ፥

ብሓባር ናይ ሰላም ባህሊ ንምሃንጽ ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዓለም ንምሕቋፍን ናይ ተዘክሮን ድላይ ኣብ ልብኹም ክትዕቅቡ እምነ። ብርግጽ ሰላም ሕውነት የድልዮ ሕውነት ድማ ርክብ የድልዮ!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ መወዳእታ ንኹሎም ነቶም 30 ናይ ኖበል ተሰለምቲ፥ ብሓባር ዝጸሓፍዎ ኣዋጅ ሰብኣዊ ሕውነት ብናይ ኖበል ተሰለምቲ ዶክተር መሓመድ ዩኑስን ዶክተር ናድያ ሞራድን ቀሪቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብስም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተረኪቦም  ክታሞም ከም ዘንበሩ ኣፍሊጡ።

12 Jun 2023, 15:23