ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ንግዳያት ሓደጋ መጓዓዝያ ባቡር ህንድን ንግዳያት ኩናትን ይዝክሩ ር.ሊ.ጳ.፥ ንግዳያት ሓደጋ መጓዓዝያ ባቡር ህንድን ንግዳያት ኩናትን ይዝክሩ  (ADNAN ABIDI)

ር.ሊ.ጳ.፥ ንግዳያት ሓደጋ መጓዓዝያ ባቡር ህንድን ንግዳያት ኩናትን ይዝክሩ

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ህንዲ ዘጋጠመ ሓደጋ መጓዓዝያ ባቡር ህይወት ኣስታት 300 ሰባት ንሞት ካልኦት 1200 ድማ ዘቑሰለን እናሓሰቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ሰነ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብሓባር መሪሖም ምስ ደገሙ፥ ኣብ ህንዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር ኣስታት 300 ዝኾኑ ግዳያትን ከምኡ እውን ንዩክረይን ብምዝካር ንኹሎም ብውግእ ንዝሳቐዩ ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ህንዲ ዘጋጠመ ሓደጋ መጓዓዝያ ባቡር ህይወት ኣስታት 300 ሰባት ንሞት ካልኦት 1200 ድማ ዘቑሰለን እናሓሰቡ፡ ንዅሎም ግዳያት ዘኪሮም ቅርበቶምን ጸሎትም ከም ዘረጋገጹን ነቶም ዝዓረፉ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብ መንግስቱ ይቀበል” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣተሓሒዞም ብፍላይ ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ዩክሬይን ብምዝካር ንኹሎም ግዳያት መዓት ኲናት ንጸሊ ቢሎም፥ ተኣማኒት ድንግል ናይ ኢጣሊያ ሓላዊት ቅድስቲ፥ “ንኹሎምን ንኣባይቲ ስድራን ክትከላኸለሎም ከም እትኽእል ገሊጾም፥ “ንዓኣ ብሕድሪ ኣሕሊፍና ንሃብ” ቢሎም፥ከምኡ እውን ንኹሎም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሓለዋ ጸጥታ ንዘካይዱ ናይ ኢጣሊያ ወተሃደራዊ ሓለዋ ጸጥታ ስለ መዓልታዊ ኣገልግሎቶም ኣመስጊኖም ቅርበቶምን ጸሎትም ከም ዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።

05 June 2023, 15:51