ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመጥባሕቲ ከብዲ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣትዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመጥባሕቲ ከብዲ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣትዮም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመጥባሕቲ ከብዲ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣትዮም

ድሕሪ ዝግበረሎም መጥባሕቲ ንእተወሰነ መዓልታት ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ክጸሑ ምዃኮኖም ...

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ከምቲ ተመዲቡ ዝነበረ ንናይ ከብዲ መጥባሕቲ ሕክምና ሮማ ናብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ከም ዝኸዱን ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ እውን ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ክግበረሎም ትጽቢት ይግበር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 7 ሰነ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ከምቲ ልሙድ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝለገሱን ንጉባኤ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ኣፋነዉ፥ “ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት በቶም ንቕዱስቶም ዝሕግዙ ጉጅለ ሕክምና እተወሰነ ነቲ ብሰንኪ መዓናጡ ምውራድ ዝፈጥረሎም ቃንዛ ንምእላይ ናይ ከብዲ መጥባሕቲ ክግበረሎም ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ከምዝኣተዉን ድሕሪ ዝግበረሎም መጥባሕቲ ንእተወሰነ መዓልታት ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ክጸሑ ምዃኮኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 Jun 2023, 15:54