ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስለ ዝተመሓላለፈሎም ሰናይ ትምኒት የመስግኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስለ ዝተመሓላለፈሎም ሰናይ ትምኒት የመስግኑ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስለ ዝተመሓላለፈሎም ሰናይ ትምኒት የመስግኑ

ቅዱነቶም ዕለት 7 ሰነ ዝተገብረሎም መጥባሕቲ ስዒቡ ንምሉእ ሕውየት ኣብቲ ቤት ሕክምና ክጸንሑ ከም ዝኾኑን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና እውን ከም ዝርከቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሰነ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ድሕሪ ዝተገብረሎም መጥባሕቲ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዝርከቡን ንቅልጡፍ ሕውየቶም ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ምመናንን ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጵሳትን ንዝተመሓለለፈሎም ናይ ጸሎትን ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ከም ዘመስገኑ ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱነቶም ዕለት 7 ሰነ ዝተገብረሎም መጥባሕቲ ስዒቡ ንምሉእ ሕውየት ኣብቲ ቤት ሕክምና ክጸንሑ ከም ዝኾኑን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና እውን ከም ዝርከቡን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፥  ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዕለት 31 2023 ዓ.ም. ኣብቲ ቤት ሕክምና ኣብ ዝርከብ ናይ ሕጻናት ክፍሊ ሕክምና መንሽሮ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስቶም ሕሙማን ሕጻናትን ወለድን ከም እተራኸቡን ኣብኡ እውን ንሓደ ኣብ ሕክምና ዝርከብ ሕጻና ከም ዘጠመቑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣዘኻኺሮም፥ ካብታ ስድራ ቤትን ካብቲ ዘጠመቕዎ ሕጻን ሓዊሱ ንሕውየቶም ስለ ዝተመሓላለፈሎም ናይ ሰናይ መግለጺ መልእኽቲ ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ገሊጾም፥ ምስታ ስድራ ቤት እውን ብስልኪ ከም እተራኸቡ ኣፍሊጦም።

31 marzo 2023 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤት ሕክምና ሕጻናት ዝሰርዕዎ ምስጢረ ጥምቀት

 

Photogallery

ሰናይ ምንዮትን ሕውየትን
09 Jun 2023, 15:26