ድለ

መደብ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሞንጎሊያ መደብ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሞንጎሊያ 

መደብ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሞንጎሊያ

ፍራንቸስኮ ኣብ ሞንጎልያ ምብጻሕ ዘካይዱ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ. ክኾኑ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዕድመ ርእሰ ብሔር ሞንጎሊያን ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሞንጎሊያን ተቐቢሎም፡ ካብ ዕለት 31 ነሓሰ - ዕለት 4 መስከረም ኣብታ ኣብ ምብራቕ እስያ እትርከብ ሃገር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መወዳእታ ሓጋይ 2023 ዓ.ም. ናብ ሞንጎልያ ሓዋርያዊ  ጉዕዞ ክገብሩ ምዃኖም ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ሓቢሮም፥ እዚ ካብ ዕለት 31 ነሓሰ - ዕለት 4 መስከረም ኣብ ሞንጎሊያ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝርዝር መደባቱ ኣብ ዝቕጽል ሰሙናት ክሕበር ምዃኑን ኣማልኺቶም፥

ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ መደብ

ቅዱስነቶም ኣብ ሃንጋሪ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ናብ ሮማ ኣብ ምምላሶም ናብታ ምስ ሩሲያን ቻይናን ካዛኪስታንን እትዳወብ ምብራቓዊት እስያ ክበጽሑ ድላይ ከም ዘለዎም ገሊጾም ከም ዝነበሩን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ ናብ ፖርቱጋል ርእሰ ከተማ ሊዝበን ከበጽሑን ኣብዚ መገሻ እዚ እውን ንኻልኣይ ግዜ ናብ ፋጢማ ክበጽሑ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ሓደስቲ ካርዲናላት ከም ዝሰመዩን ሓደ ካብኣቶም እውን ናይ ሞንጎሊያ ርእሰ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ጆርጆ ማሬንጎ ከም ዝኾኑን ናይታ ሃገር ቀዳማይ ካርዲናል እዮም፡ ኣብ ሞንጎሊያ ኣስታት 1500 ካቶሊካውያን ከም ዘለዉን ፍራንቸስኮ ኣብ ሞንጎልያ ምብጻሕ ዘካይዱ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ. ክኾኑ እዮም።

05 June 2023, 15:43