ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዝተገብረሎም መጥባሕቲ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት በቶም ንቕዱስቶም ዝሕግዙ ጉጅለ ሕክምና እተወሰነ ነቲ ብሰንኪ መዓናጡ ምውራድ ዝፈጥረሎም ቃንዛ ንምእላይ ናይ ከብዲ መጥባሕቲ ክግበረሎም ዕለት 7 ሰነ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ከምዝኣተዉን ድሕሪ ዝተገብረሎም መጥባሕቲ እውን ነቲ መጥባሕቲ ዝመርሑን ዘካየዱን ሓኪም ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ቅዱስነቶም ደሓን ምህላዎምን ዝተገብረሎም መጥባሕቲ እውን ዕዉት ምዃኑ ሓቢሮም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ጽቡቕ ምህላዎምን ድሕሪ ዝተገብረሎም መጥባሕቲ ከም ዝነቕሑን ነቲ መጥባሕቲ ዝመርሑ ናይ ስነ መጥባሕቲ ሓኪም ሰርጆ ኣልፊየሪ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም፥ እቲ መጥባሕቲ ብዘይ ገለ ጸገማት ከም እተጠናቐቐን፥ እቲ መጥባሕትን ሓፈሻዊ መደንዘዝን ብዘይ ሕልኽላኻት ከም እተፈጸመን ድሕሪ ከምዚ ዓይነት መጥባሕቲ እውን ምሉእ ብምሉእ ንኽትሓዊ ኣስታት 7 መዓልቲ ኣብ ቤት ህክምና ምጽናሕ የድሊ፡ ብፍላይ ከኣ ብዕድመ ዝደፍኡ ብምዃኖም “ኵሉ ጥንቃቔታት ዘድልዮ ጉዳይ እዩ” ከም ዝበሉን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ እውን ብወገኖም ቅዱስነቶም ክሳብ ዕለት 18 ሰነ ዝነበሮም መርሓ ፍጻሜታት ደው ክብል ምዃኑ ከም ዘፍለጡን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።