ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኩባ ርእሰ ብሔር ዲያዝ ካነል በርሙዳዝ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኩባ ርእሰ ብሔር ዲያዝ ካነል በርሙዳዝ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኩባ ርእሰ ብሔር ዲያዝ ካነል በርሙዳዝ

እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ኩባን ክልኣዊ ዝምድናታት ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ከም ዝመኸረን እዚ እውን ኣብ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት መገሻ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ረፓብሊካዊት ኩባ ድሕረ ባይታ ዝገበረ ምንባሩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ሰነ ንወግዓዊ ምብጻሕ ብናይ ሃገሮም ሰበ ስልጣናት ተሰንዮም ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ኲባ ርእሰ ብሔር ዲያዝ - ካነል በርሙደዝ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ ቅዱስ ኣቦናን ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ኲባ ርእሰ ብሔር ዲያዝ - ካነል በርሙደዝ ድሕሪ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ብሔር ኩባ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ናይ ብዝሓ ጎናውነት ጉዳያት ሓላፊ ብጹዕ ኣቡነ ዳኔል ፓቾ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣስዒቡ፥ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ኩባን ክልኣዊ ዝምድናታት ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ከም ዝመኸረን እዚ እውን ኣብ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት መገሻ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ረፓብሊካዊት ኩባ ድሕረ ባይታ ዝገበረ ምንባሩ ኣፍሊጡ።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኩባ ርእሰ ብሔር ዲያዝ ካነል በርሙዳዝ
ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኩባ ርእሰ ብሔር ዲያዝ ካነል በርሙዳዝ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ቀጺሎም ኣብ ኩነታት ሃገረ ኩባን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኩባ እተቕርቦ ኣበርክቶን ብፍላይ ኣብ መዳይ ግብረ ሰናይ፡ ኣብ ዛዕባ ኣህጉራዊ ኣርእስታትን ኣገዳስነት ምቕጻልን ምድንፋዕን ሓባራዊ ረብሓን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ምይይጥ ምክያዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ናይ ኲባ ርእሰ ብሔር ከም ኣካል ናይቲ ካብ ዕለት 20 – 24 ሰነ ኣብ ኤውሮጳ ዘካይድዎ ወግዓዊ ዑደት ሰሉስ ዕለት 20 ሰነ ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ከም እተራኸቡን ዕለት 21 ሰነ ብመንግስቲ ፈረንሳ ኣቦ መንበርነት ኣብ ዝምራሕ ናይ ጉጅለ 77 ሃገራትን ድምር ቻይናን ኣብቲ ንሓድሽ ዓለም ሓቆፍ ቍጠባዊ ውዕል ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝመክር ዋዕላ ንኽሳተፉ ናብ ፓሪስ ከም ዝኸዱ የመላኽት።

ናይ ኩባ ርእሰ ብሔር ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ
ናይ ኩባ ርእሰ ብሔር ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)
21 Jun 2023, 15:34