ድለ

2023.06.02 ር.ሊ.ጳጳሳትን ጳጳሳት መክሲኮን፥ ዛዕባ ስደትን ማሕበረ-ፖለቲካዊ ብድሆታትን ዘትዮም 2023.06.02 ር.ሊ.ጳጳሳትን ጳጳሳት መክሲኮን፥ ዛዕባ ስደትን ማሕበረ-ፖለቲካዊ ብድሆታትን ዘትዮም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳጳሳትን ጳጳሳት መክሲኮን፥ ዛዕባ ስደትን ማሕበረ-ፖለቲካዊ ብድሆታትን ዘትዮም

ብሰንኪ ዓቢ ማሕበራዊ ዘይምዕሩይነት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጸገማትን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ከቢድ ማሕበረ - ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቪሲታ ኣድ ሊሚና - ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መደብ መሰረት ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ መክሲኮ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባላት ዕለት 2 ሰነ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ዘተ፥ ብዛዕባ ስደትን ማሕበረ - ፖለቲካውን ዓመጽን ምይይጥ ምክያዱ ካርዲናል ኣጉያር ርተስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ተርእዮ ስደት ማሕበረ ፖለቲካዊ ኩነታት መክሲኮን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ዓመጽ ብጹዓን ጳጳሳት መክሲኮን ፍራንቸስኮን ዕለት 2 ሰነ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ቀንዲ ኣርእስታት ምንባሩ ናይ መክሲኮ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቀዳማዊ ብጹዕ ካርዲናል ካርሎስ ኣጉያር ረተስ ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣመላኺቶም፥

ብድሆታት ሃገረ መክሲኮ

“እቲ መስኪኮ ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ምስቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ብድሆ ሓደ እዩ” እንክብሉ ካርዲናል ኣጉያር ረተስ ኣመልኪቶም፥ “ንኣብነት እቲ እምነት ናብ ሓደስቲ ወለዶታት ንምትሕልላፍ ኣጸጋሚ ዝገብሮ ለውጢ ዘመን” እቲ ንኣኣቶም ንምድጋፍ ዝቐርብ መጋበርያታት ኣብ መንገዲ ናጽነት ዓብዮም ዓቕሞም ኣማዕቢሎም ሓቀይና ጽዋዕታኦም ንኸለልዩ ዝዓለመ ድሌት ዘለዎ ምዃኑ ሓቢሮም፥ ካልእ ዝተዘተየሉ ነጥቢ ይብሉ ኣጊያር ረተስ፥ ብሰንኪ ዓቢ ማሕበራዊ ዘይምዕሩይነት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጸገማትን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ከቢድ ማሕበረ - ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ዝምልከት ምንባሩ ገሊጾም፥ ኣብ ገለ ገለ እዋን “ፖለቲካውን ማሕበራውን ሓይልታት ኣብ ሰናይ መላእ ሕብረተሰብ ክሰማምዑ እዅል ስኒት ከም ዘይረኽቡ” ይሕብሩ።

ር.ሊ.ጳጳሳትን ጳጳሳት መክሲኮን
ር.ሊ.ጳጳሳትን ጳጳሳት መክሲኮን

ስደት

ጉዳይ ስደት ንኸም በዓል መክሲኮ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን መተሓላለፊት ሃገር ከቢድ ጸገም ዝውክል ብምዃኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘተኮረ ሰፊሕ ዘተ ምክያዱን፡ ጳጳሳት መክሲኮ ኣብ ስራሕን ኣገልግሎትን “መእለዪ ስደተይናታት” ብዕምቆት ይነጥፉ ምህላዎምን እንተኾነ ግን ምስ እዚዮም ዓበይትን ጽዑቓትን ናይ ስደተይናታት ቃፍላይ ዘጋጥሞ ጸገማትን ንምሕጋዝ ድሌታቱ ንምምላእን በዳሂ ምዃኑ ካርዲናል ኣጉያር ረተስ ኣብሪሆም፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ መዳይ ንጻዕርታት ብጹዓን ጳጳስት መክሲኮ ኣፍልጦ ከም ዝሃቡ ዝገለጹ ካርዲናል፥ “ስደተይናታት ምእላይን ዘድሊ ሓገዝ ምቕራብን ቀሊል ከም ዘይኮን እውን ቅዱስነቶም ብቐረባ ዝፍልጥዎ ጉዳይ እዩ” ቢሎም፡ ስለዚ “ናብቲ ዝኸድዎ ቦታ ውሑስ መተሓላልፎ ናይ ምቕራብ ተኽእሎ ክረጋገጽ” ሓይልታት ምውህሃድ የድሊ” እክብሉ ወሲኾም ድሕሪ ምግላጽ፥ ጳጳሳት መክሲኮን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ብምትሕብባር፥ መተሓላለፊ ድልድላት ንህዝቢ ውሑስ ክኸውን ኣብዚ መዳይ ብምውህሃድ ይጽዕሩ ኣለዉ” ኢሎም።

ር.ሊ.ጳጳሳትን ጳጳሳት መክሲኮን፥ ዛዕባ ስደትን ማሕበረ-ፖለቲካዊ ብድሆታት ዘትዮም
ር.ሊ.ጳጳሳትን ጳጳሳት መክሲኮን፥ ዛዕባ ስደትን ማሕበረ-ፖለቲካዊ ብድሆታት ዘትዮም
03 June 2023, 16:14