ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 2023 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 2023 ዓ.ም. 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 2023 ዓ.ም.

መበል 37 ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ - 19 ተናዊሑ ከም ዝጸነሐን እነሆ ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ ዝካየድ ኮይኑ፡ ዝኽተሎ መርሕ ቃል “ማርያም ተንሲኣ ብታህዋኽ ከደት” (ሉቃ. 1,39) ዝብል ከም ዝኾነ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 37 ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ ናብ ፖርቱጋል ዝገብርዎ ዑደት መደብ መገሻ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 6 ስነ ወግዓዊ ከም ዝገበሮ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 6 ሰነ ዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ ኣብ ፖርቱጋል ርእሰ ከተማ ሊዝበን ንኽካየድ ዝተወሰነ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ዝርዝር መደባቱ ወግዓዊ ከም ዝገበሮን  ኣብቲ መደብ ልዕሊ 400 ሽሕ መንእሰያት ንኽሳተፉ ከም እተመዝገቡን ቅዱስ ኣቦና ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዝመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ መንእሰያት ኣብቲ ኣብ ሊዝበን ንኽካየድ ዝተወሰነ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ንኽሳተፉ ስለ ምምዝጋቦም ኣመስጊኖም፡ ሓጎስ ከም ዝፈጥረሎም ገሊጾም ከም ዝነበሩን  ቅዱስነቶም ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሪዮ ደ ጃይነሮ፡ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ክራኮቪያ ፖላንድ፡ ኣብ2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ፡ኣብ ዝተኻየዱ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ከም ዝመርሑ ዝዝከር ኮይኑ፥ እቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ ፖርቱጋል ክካየድ ዝነበሮ መበል 37 ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ - 19 ተናዊሑ ከም ዝጸነሐን እነሆ ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ ዝካየድ ኮይኑ፡ ዝኽተሎ መርሕ ቃል “ማርያም ተንሲኣ ብታህዋኽ ከደት” (ሉቃ. 1,39) ዝብል ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን የዘኸኽር።

መደባት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ረቡዕ ዕለት 2 ነሓሰ ንግሆ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 07.50 ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ክነቕሉን፡ ሰዓት 10.00 ሊዝበን ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ፊጎ ማዱሮ ክበጽሑን ብቐጥታ ድማ ናብ ሃገራዊ ቤት መንግስቲ ብምኻድ ምስ ርእሰ ብሔር ማርሰሎ ረበሎ ደ ሶዛ ክራኸቡን ኣብኡ እውን ኣብ ማእከል ባህሊ፥ ናይ ፖርቱጋል ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካልት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን በርገሳውያን ማሕበራትን መራሕቲ ኣብ ፖርቱጋል ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ክራኸቡን ንኽብሮም ናይ ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ድሕሪ ዘቕርቡሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም መደረ ከስምዑ እዮም፥ ስዒቡ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 16.45 ደቓይቕ ኣብ ሃዋርያዊ መንበር ጳጳስ ምስ ናይ ፖርቱጋል መራሔ መንግስቲ ክራኸቡን ሰዓት 17.50 ድማ ኣብቲ ፍሉጥ ገዳም ዶስ ጀሮኒሞስ ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ገዳማውያንን ገዳማውያንት ልኡካነ ወንጌልን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣባላት ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ብሓባር ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም ክደግሙን ቃለ ምዕዳን ከስምዑን ምዃኖም መግለጺ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዕለት 3 ነሓሰ፥ ስነ ስርዓት ወግዓዊ ምኽፋት ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት

ቅዱስነቶም ኣብ ቀጽሪ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ምስ ተመሃሮን ምስ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ማሕበር ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክባት ኣባይቲ ትምህርቲ ክራኸቡን ምሸት ኣብ ቅርዓት ኤድዋርድ ሻብዓይ ኣብ ዝካየድ ወግዓዊ ስነ ስርዓት መኸፍትን ኣቀባብላን ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክሳተፉ እዮም።

ዕለት 4 ነሓሰ፥ ጸሎት ፍኖተ መስቀል

ኣብ ቅርዓት ሶ ኢምፐሪዮ ስነ ስርዓት ጸሎተ ንስሓን ምስጢረ ንስሓን ክስራዕ  ከም ዝኾነን ኣብ ከባቢ ሰዓት 09.45 ደቓይቕ ናብቲ ደ ሰራፊና ዝጽዋኦ ናይ ግብረ ሰናይ ማእከል ክበጽሑን ምስቶም ኣብኡ ዘገልግሉን ዘመሓድሩን ዝሕገዙን ክራኸቡ እዮም፡ ሰዓት 12.00 ኣብ ሓዋርያዊ መንበረ ጳጳስ ምስ መንእሰያት ናይ ምሳሕ መኣዲ ክቋደሱ እዮም፡ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 18.00 ኣብ መናፈሻ ኤድዋርድ ሻብዓይ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ክመርሑ እዮም።

ዕለት 5 ነሓሰ፥ ኣብ ፋጢማ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራን ኣብ ዋዜማ ዓለም ሓቆፍ መንእሰያትን

ዕለት 5 ነሓሰ ቅዱስነቶም ብጉዕዞ ሄሊኮፕተር ናብ ከተማ ፋጢማ - ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ክኸዱን ሰዓት 09.30 ኣብ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ምስ ህሙማን መንእሰያት ክራኸቡን ስነ ስርዓት ጸሎት ከመርሑ እዮም፥ ድሕሪ ቐትሪ ናብ ሊዝበን ክምለሱን ልክዕ ሰዓት 18.00 ኣብ መናፈሻ ተዦ ምስ መንእሰያት ክራኸቡን ድሕሪ ዝተፈላለየ ምርኢትን ኣስተንትኖን ጸሎትን ቃለ ምዕዳን ክልግሱ እዮም።

ዕለት 6 ነሓሰ፥ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ድሕሪ ቅዳሴ ናብ ሮማ ክነቕሉ እዮም

ንግሆ ሰዓት 09.00 ኣብ መናፈሻ ተዥ ክርከቡን ናይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ምስቶም ኣብቲ ናይ ፖርቱጋል ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝነጠፉ ወለንተይናታትን ሽማግለ ኣሰናዳእትን ምስ ተራኸቡ ድሕሪ እዚ ርክብ እዚ ብቐጥታ ናብ ፊጎ ማዱሮ መዓርፎ ነፈርቲ ብምኻድ ድሕሪ ንኽብሮም ዝቐርበሎም ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ልክዕ ሰዓት 18.15 ናብ ሮማ ክነቕሉ ሰዓት 22.15 ደቓይቕ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

07 Jun 2023, 15:58