ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ናብ እግዚኣብሔር ዝማርኹ ልብታት የድልይዋ

ልኡካነ ወንጌል ማለት ኣብ ዘለውዎ ከም መሳርሒ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝነብር ሰብ እዩ፥ ልኡካን እቶም ምስርክነቶም ብጸሎቶም ብኣማላድነቶም ኢየሱስ ብእኡ ኣቢሉ መታን ክሓልፍ ኩሉ ዝገብሩ እዮም!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሰነ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንቅድስቲ ተረዛ ዘሕጻነ ኢየሱስ ማእከል ገይሮም፥ ነቲ እዛ ቅድስቲ እዚኣ ብነኣሽቱ ነገራት ኣቢላ ዝተመከረቶ ዓቢይ ፍቕሪ እግዚኣብሔር” ዋላ እኳ ሕማም ዘጓነፋን ብኣጋኡ ምድራዊ ህይወታ ዝዛዘመት እንተኾነት፡ እዛ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቕ ብነኣሽቱ ነገራት ሰናይ ብምግባር ዘሐለፈቶ ምድራዊ ህይወታ ዝነኣድ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንቅድስቲ ተረዛ ኣብቲ ብነኣሽቱ ነገራት ንምሰላ፥ ከምቲ ጐይታ ዝገበሮ ንእሽቶ ነገር እውን እንተኾነ ብዓቢ ፍቕሪ ምፍጻም እዩ። ቅዱስነቶም በዚ ስምዒት እዚ ኣብነት ሓዋርያዊ ቅንኣት ዝኾኑ ቅዱሳት ኣማኣኪሎም ዘበገስዎ ሓፈሽዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፥ ዕለት 7 ሰነ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም፥ ኣብ ቅድስቲ ተረዛ ዘሊዘ ሓላዊት ተልእኾ ወንጌል ኣማእኪሎም፥ እዛ ቅድስቲ እዚኣ ቅድሚ 150 ዓመት ዕለት 2 ጥሪ 1873 ዓ.ም.  ዝተወልደት ምዃኑ ብምዝካር፥ ወንጌል ንምስፋሕ ልእኽቲ ወንጌል ኮይና ናብ ዝተፍላለየ ከባቢ ዝተላእከት እኳ እንተዘይነበረት በቲ ወንጌላዊ ሕይወታ ግና ሓላዊት ተልእኾ ቢላ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝሰመየታን ኣዘኻኺሮም፥

ጽጌረዳ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሰብ

ተሬዛ ንህይወታ ብመሰረት ንኡስነትን ድኹምነትን እትነብር ዝነበረት፡ ቀርሜሎሳዊት መነኮስ ምንባራ ገሊጾም፡ ንነብሳ “ከም ሓደ ንእሽቶ ናይ ሑጻ ጸጸር” ኢላ ከም ዝገለጸት ኣዘኻኪሮም፡ ምሉእ ጥዕና ስለ ዘይነበራ ኣብ መበል 24 ዓመት ዕድመኣ እያ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየት፡ ኣካላታ ዋላ እኳ እንተሓመመ “ልባ ህያውን ልኡከ ወንጌልን እዩ ነይሩ” ቢሎም፥ ቅዱሰንቶም ናይ ህይወታ ዕለታዊ ዝክረ ማህደራ ከም ዝበለቶ፥ ድሌታ ልኡኽቲ ወንጌል ክትከውን ከም ዝነበረን እዚ ኽኣ ክሳብ መወዳእታ ዝብል ብምንባሩ፡ መዓልታዊ ውሳነኣ “ንኢየሱስ ምፍቃርን” ከምኡ እውን ምእንቲ ካልኦት ምጽላይን እዩ ዝነበረ፡

ኣብዛ ምድሪ ሰናይ እናገበርካ ምሕላፍ

ኣብ መልእኽትታታ፥ “ነፍሳት ከድሕንን ንርእሰይ ክክሕድን እደሊ ኣለኹ። ድሕሪ ሞተይ እውን ከድሕን እደሊ” ዝብል ጽሑፍ ነንብብ፥

መግስተ ሰማይ ዘስተማቕሮ ኣብ ምድሪ ሰናይ ኣብ ምግባር እዩ!

ዝበለት ኣብነት ሕያዋይ ጓሳ ብምስዓብ ዝነበራ ሓዋርያዊ ቅንኣት ናብ ሓጥኣንን ናብቶም ኣብ ርሑቕ ዝነበሩ ዘቕነዓት እያ ነይራ። ንሓያሎ ልኡካነ ወንጌል፥ “መንፈሳዊ ሓብቲ” ኮይና ከም ዘገልገለት ካብ ዝነበረቶ ገዳም ብመልእኽትታታን ጸሎታን ከምኡ እውን ምእንታኦም ብቐጻሊ ስቓያ ከም መስዋእቲ ብምቕራብ ከም ዘሰነየት ገሊጾም፥ ብዙሕ እዋን ብጾታ ዘይርድኣኣ ምዃኑ ድማ ብዙሕ የንብዓ ነበረ። ቅድስቲ ተረዛ ካብቲ ዕባባ ጽጌረዳ ዝስከሞ ኣእሿኽ እያ ዝተቐበለት። እዚ ኩሉ ዝወርዳ ዝነበረ ፍርድን ዘይምርዳድዳእን ከይተረፈ ምስ ዝነበራ ኣካላዊ ሕማማ ገይራ ከም መስዋዕቲ ተቕርቦ ነይራ። እዚ ኸኣ ብጽዉግ ገጽ ዘይኮነ ብሓሴት` ምእንቲ ንጠለባት ቤተ ክርስትያን ከም ምልዶ ተወፍዮ ነበረት . . . ።

ዳግማይ ምሓሳብ ተልእኾ ወንጌል

እቲ ብግብረ ሰናይ ዝንቀሳቀስ ኣማላድነት ኣዚዩ ሓያል ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣጉሊሖም፥ “እዚ መንቀሳቐሲ ተልእኾ ወንጌል እዩ!” ልኡካነ ወንጌል ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዙ ሓደሽቲ ቋንቋታት ዝመሃሩ ሰናይ ስራሕ ዝፍጽሙ ኣብ ምእዋጅ ቃል ኣምላኽ ንፉዓት ጥራይ ኣኮይኑን፥

ልኡካነ ወንጌል ማለት ኣብ ዘለውዎ ከም መሳርሒ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝነብር ሰብ እዩ፥ ልኡካን እቶም ምስርክነቶም ብጸሎቶም ብኣማላድነቶም ኢየሱስ ብእኡ ኣቢሉ መታን ክሓልፍ ኩሉ ዝገብሩ እዮም!

ሓዋርያዊ ቅንኣት “ብምምራኽ” እምበር ሃይማኖት ብምስዳዕ ወይ ብግዴታ ፈጺሙ ኣይሰርሕን” እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብፍቕሪ ኢየሱስ ምምራኽ

ሓደ ሰብ ክርስቲያን ዝኸውን ብሓደ ከምኡ ሰብ ስለ ዝተገደደ ዘይኮነስ ብፍቕሪ ስለ ዝተተነከፈ እዩ!

ብዙሕ መገድታት መሓውራትን ስለ ዘሎ፥ “ቤተ ክርስቲያን ከም ናይ ቅድስቲ ተረዛ ዝመሰሉ ልብታት የድልያ” ማለት “ንሰባት ናብ ፍቕሪ ዝስሕቡን ናብ ኣምላኽ ዘቕርቡን” እንክብሉ ኣብሪሆም፥ ቅድስቲ ተረዛ “ንርእሰ ፍትወትና ክንስዕር ኢየሱስ ምእንቲ ክፍለጥን ክፍቀርን ናይ ጸሎት ልመና ኒሕን ጸጋ ተማልደልና እንክብሉ ዝለግስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 June 2023, 15:50