ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ መስቀል ሕቑፉ ኣምላኽ ክስምዓና ይገብር!

መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ኢየሱስ ምስ ኒቆዲሞስ ዝገበሮ ምሳና እውን ከምኡ ይገብር፡ ማለት ምስ ምስጢር ሓድሽ ውልደት የላልየናን ልቢ ኣቦ ይገልጸልናን

“ትእምርተ  መስቀል እግዚኣብሔር ክሳብ ክንደይ ከም ዘፍቅረናን ቀጻሊ ሕቑፊ እግዚኣብሔር ክስምዓና ዝገብርን ዘዘኻኽርን እዩ” ነዚ ዝብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ሰነ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተመርኩዞም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ትእምርተ መስቀል እግዚኣብሔር ክሳብ ክንደይ ከም ዘፍቅረና ዘዘኻኽረና ምዃኑ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ “ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ክብረ በዓል ቅድስተ ስላሴ” ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ዝተነበ ወንጌል መሰረት ገይሮም ከም ዘስመሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ኣብ ክርስትና እምነት እቲ ዝቐለለን ገና ካብ ቁልዕነትና እንመሃሮ ትእምርተ መስቀል፥ ሕቑፊ እግዚኣብሔር ከም ዝስምዓናን ብፍቕሩን ለውሃቱን ምልኡ ብምሉእ ከም ዝኸድነና ዘረጋግጽ እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዘተ ምስ ኒቆዲሞስ ዛዕባ ፍቕሪ እግዚኣብሔር

ዕለት 4 ሰነ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብኣምልኾ ስርዓት ላቲን መሰረት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ስላሴ ኣብ ዘብዓለትሉ ሰንበት፡ ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 3, 16 – 18 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም ቅዱስነቶም ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝኣንገደ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ እቲ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኢየሱስ ምስ ኒቆዲሞስ ዘካየዶ ዝርርብ ዝነግር ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ኒቆዲሞስ ንኢየሱስ “መሎኮታዊ ጎይታ” ምዃኑ ኣለልዩ፡ ብለይቲ ብሕቡእ ክዛረቦ ከም ዝኸደን፥ ኒቆዲሞስ ሓደ ካብቶም ፈሪሳውያን ሓለቓ ኣይሁድ ዝነበረ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምሱጥ ምንባሩን ናብ ኢየሱስ ከይዱ ከዘራርቦ እንኮሎ ድማ “እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ኣዚዩ ስለ  ዘፍቀረ ንወዱ ናብ ዓለም ከም ዝለኣኾ ኣብቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ነንብብ። ኢየሱስ ብዛዕባ ኣቦኡን ብዛዕባ እቲ ዘይተኣደነ ፍቅሩን ይዛረብ።

ኣቦን ወልድን

እቲ “ኣቦን ወልድን” ዝብል ቃል ክንሓስብ እንኰለና ነቲ መብዛሕቲኡ ግዜ “ንጽልን ግርማውን ርሑቕን ክውንነት” ክመስል ዝኽእል ኣባና ዘሎ ምስሊ ኣምላኽ ዝዘርግ እዩ። እንተኾነ ግን እዚ ኣምር እዚ ናብ ቤትና ንኽንምለስ ዝገብረና እዩ። ቅዱሰንቶም ነዚ ኣብ ወወልድ ዝብል ኣምር እዚ “ኣብ ዙርያ መኣዲ እትእከብ ስድራ ቤት” ብዝብል ምስሊ ክንሓስቦ ከም እንኽእል ገሊጾም፡ “ብጀካ እዚ እቲ ኣብ መሰውኢ ዝቐርብ መኣዲ” ምልክት ስላሴ ዝገልጽ “ሕብረት ኣምላኽ” ዝዛረበና ምስሊ እዩ፥ “ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ።” ምስሊ ጥራይ ግን ኣይኮነን፡ ክውንነት እውን እዩ። ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ እቲ ኣቦ ብኢየሱስ ኣቢሉ ናብ ልብና ዘፍስሶ መንፈስ ኣቢሉ ህላዌ ኣምላኽ ከነስተማቕር ይገብረና፡ ህላወ እዩ። ኩሉ ግዜ ቀረባናን ርህሩን ምዉቕን ህላወ ድማ እዩ!”

ኣብ ፍቕሪ ኣምላክ ንኽንካፈል ንዕደም

መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ኢየሱስ ምስ ኒቆዲሞስ ዝገበሮ ምሳና እውን ከምኡ ይገብር፡ ማለት ምስ ምስጢር ሓድሽ ውልደት የላልየናን ልቢ ኣቦ ይገልጸልናን። ኣብ ህይወት ኣምላኽ ተኻፈልቲ ይገብረና። “እቲ ዝገብረልና ዕድመ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ መኣዲ ኮፍ ኢልና ኣብ ፍቕሩ ንካፈል፡ እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቅዳሴ ኣብ መሰውኢ ኢየሱስ ንርእሱ ናብ ኣቦ ዘቕርበሉ ፍጻመ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ምእንታና ገዛእ ርእሱ የቕርብ!

እዚ ብኸመይ ክንዝክሮ ከም እንኽእል ድማ ትፈልጡ ዶ? በቲ ዝቐለለ ምልክት ብቁልዕነትና ዝተመሃርናዮ ትእምርተ መስቀል እዩ!

ትእምርተ መስቀል ክንገብር እንኮለና እግዚኣብሔር ክሳብ ክንደይ ከም ዘፍቀረና ንዝክር። ምእንታና ህይወቱ ክሳብ ምሃብ ከም ዘፍቀረና፥ ፍቕሩ ደረት ኣልቦ ምዃኑ መላእነትና ከም ዝእሽፍን ፍጺሙ ዘይሓድገና ሕቑፊ ዘረጋግጸልና እዩ!

ፍቕሪ ኣምላኽ ምምስካር

እግዚኣብሔር ከም ፍቕሪ ክንምስክር፡ ብስሙሕብረት ክንፈጥር ቃል ንኣቱ፥

ሎሚ እምበኣር ንርእስና “ንኣምላኽ ከም ዘፍቕረኒ እምስክር ዶ ወይስ ኣምላኽ ከም ፍቕሪ ኣምር፡ ድሮ ዝሰማዕናዮን ርሑቕን ‘ነገር’ ገርና ኢና እንርእዮ?

ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፥ ማሕበረሰብ ምእመናን ነዚ ፍቕሪ እዚ ይምስክሩ ዶ? ምፍቃር ይፈልጡ ዶ? ኣብ ውሽጢ ስድራና እውን ከመይ ገርና ከም እነፍቅር ንፈልጥ ዶ? ዝብል ሕታቶታ እውን ኣቕሪቦም፥

ፍቕሪ ምቕራብ፥ ምሕረት ምግባር ማዕጾ ምርሃው ማሕበረሰባትና ቤት ኩሉ ምግባርን ዘጠቓልል ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ “ቅድስቲ መርያም ንቤተ ክርስቲያን ከምታ ሓደ ሰብ ብፍሉጥ መገዲ ዝቐርባ ቤት ኮይና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ንኽንነብር ትሓግዘና” ቢሎም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 June 2023, 15:46