ድለ

ምስጋና መራሕቲ ኣማዞን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስጋና መራሕቲ ኣማዞን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ   (Vatican Media)

ምስጋና መራሕቲ ኣማዞን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ንኹሉ እቲ ዞባ ዝውንኖ ሃብቲ ኣብ ግምት ብምእታው ግዝኣታት ኣማዞንን ኣብ ዓለም ዘለዎም መሰረታዊ ኣበርክቶ ክኽበር

መራሕቲ ደቀባት ደቡብ ኣመሪካን ወከልት ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ዞባ ኣማዞን፥ ኣብ ዞባ ኣማዞን ዝፍጸም መጥቓዕቲ ዘለዎም ስክፍታ ዕለት 1 ሰነ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም ድሕሪ ምግላጾ ቅዱስነቶም ምእንቲ ኣማዞን ዘካይድዎ ንዘለዎ ናይ ምክልኻል ጻዕሪ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ዕለት 4 መጋቢት መራሕቲ ደቀብት ደቡብ ኣመሪካ ፓትሪሲያ ጉሊንጋ እናቴ ላዉራ ቪኩኛ ከምኡ እውን የሲካ ፓቲያቺ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ንኣማዞንን ተቐማጦ ኣማዞንን ንምዕቃብ ዘካይድዎ ዘለዉ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝተበገሰ ባህላውን ቲዮሎጊያውን ሰብኣውን ማሕበራውን ቃልሲ ንብምሉእ ስርዓተ ምህዳር ኣድላዪ ዝኾነ ዞባ ዓለም ዘየቋርጽ ቈላሕታኦም ኣፍልጦ ዝህብ ናይ ምስጋና መግለጺ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን ከም ዝነበራ ዝዝከር ኮይኑ፥

ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕድመ መሰረት ናይ ዞባ ኣማዞን መራሕትን ናይ ዞባ ኣማዞን ኤቅለስያዊ ጉባኤ ሓለፍትን ዕለት 3 ሰነ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ቅዱስነቶም ከም እተራኸቡን፡ ኣብዚ ርክብ እዚ እውን ሰለስተ ደቀባት መራሕቲ ናይ ዞባ ኣማዞን ቤተ ክርስቲያናዊ ጉባኤ ዝውክሉ ብዓቢኡ ግን ንኣማዞናዊ ህዝቢ ኤኳዶር ኮሎምቢያ ፐሩ ዝውክሉ ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ወጅሂ ኣማዞን ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞን
ወጅሂ ኣማዞን ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞን

ምስ ቅዱስነቶም ዝተኻየደ ዘተ

ወከልቲ ዞባ ኣማዞን ነቲ ኣብ ሃገሮም ዝፍጸም መጥቓዕቲ ንቕዱስነቶም ከም ዝሓበሩን እቲ ምስ ቅዱስነቶም ዝተኻየደ ርክብ ዘሐጉስ ታሪኻዊ ኣኼባ ምንባሩ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ከም ዝሓበራን እቲ ቅዱስነቶም፥ ንምዕቃብ ዞባ ኣማዞንን ደቀባት ኣማዞን ሓልዮትን ናይ ፍትሒ ሕቶ መሰረት ኢየሱስ ክርስቶስ ብምዃኑ ንድሕሪት ዝምለስ ከም ዘይኮነ ድማ ከም ዝረጋገጻ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዕዮ ደቂ ኣንስትዮ

ኣብቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተኻየደ ርክብ፥ ሰለስተ ነጥብታት ከም እተሰመረሉን፥ “ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዞባ ኣማዞን፡ ኣፍልጦ ናይ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣቃውማ ናይዚ ስራሕ ክውንነት ደቀባትን ትምህርትን” ከም ዝነበሩን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ወከልቲ ኣማዞን ንቕዱስነቶም ኣፍልጦ ክህልዎም ዝሕግዝ ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም ጉዳያ ኣማዞን ብቐረባ ከም ዝከታተልዎን እቲ ዝዓበየ ስግኣት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላት መጥቓዕቲ ዘለዎ ይኮኑ፡ ብፍላይ ንመሰል ነበርቲ ኣማዞን” ዝሃስይ ምዃኑ ወከልቲ ደቀባት ኣማዞም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን፥ ንኹሉ እቲ ዞባ ዝውንኖ ሃብቲ ኣብ ግምት ብምእታው ግዝኣታት ኣማዞንን ኣብ ዓለም ዘለዎም መሰረታዊ ኣበርክቶ ክኽበር ድማ ሓቲቶም፡ ኣብዚ መዳይ እውን ገና ብዙሕ ምስጓም ከም ዘድልን እንተኾነ ኣብዚ መዳይ እዚ ደቂ ኣንስትዮ ዞባ ኣማዞን ኣብ ቅድመ ግንባር ምዃነን ከም ዝገለጻ ኣፍሊጡ።

ደቂኣንስትዮ ኣማዞን
ደቂኣንስትዮ ኣማዞን

ወጅሂ ኣማዞን ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞን

እተን መራሕቲ ደቀባት ኣማዞን፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቃል ኪዳን ደቂ ኣንስትዮ ኣማዞንን ንዕዮ ወንጌላውነተንን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ከም ዝነኣዱን ንቕድሚት ክስጉማ እውን ኣተባቢዖም፡ እቲ ዝተበገሰ ለውጢ ዝዓግቶ ምኽንያት ከም ዘየለን እዚ ለውጢ እዚ ነቲ ሲኖዶስ መላእ ዞባ ኣማዞም ዝጀመሮ ብድሆ እውን ዘጠቓልል ምዃኑ ሓቢረን፥ እዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞን ወጅሂ ኣማዞን ክህልዋ ዝገብር እዩ ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፥

ዕዳጋታትን ዕንወት ፍጥረትን

ፓትሪሲያ፡ እናቴ ላውራን የሲካን ከምቲ እቲ ናብ ቅዱስነቶም ዝተላእከ ሰታሪት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ፐሩ ኣብ ዝገበርዎ መገሻ፡ ምስ ደቀባት ፑርቶ ማልዶናዶ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ ቅዱስነቶም ምስ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ኣማዞን ብሓባር ዝካየድ ሰጓሚ ጻዕራታት ነቲ “ምህዳራዊ ርእየት” ናይቶም ደቀባትን “እቲ ህላወ ኣምላኽ ዘረጋግጽ ዓቢ መንፈሳውነትን” ደቀባት ዞባ ኣማዞን ዝያዳ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ንምዕዋት ዝሃቀነ ምዃኑ ዘረጋገጸ ምንባሩን ኣብ ዞባ ኣማዞን ዕዳጋ ማእከል ዝገበረ ዝፍጸም ዕንወት ፍጥረት ደው ክብል ደቀባት ኣማዞም ምስታ ኣብቲ ዞባ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዘይሕለል ጻዕርታት የካይዱ ምህላዎምን እዚ ከኣ ጽባቔ ተፈጥሮ ንምዕቃብ ዝኣመተ ምዃኑ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ከም ዘብርሃ ኣፍሊጡ።

ፓትሪሲያ ጉሊንጋ እናቴ ላዉራ ቪኩኛን የሲካ ፓቲያቺ
ፓትሪሲያ ጉሊንጋ እናቴ ላዉራ ቪኩኛን የሲካ ፓቲያቺ

ኣገልግሎት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን

እተን ደለይቲ ፍትሒ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘካየደኦ ርክብ፥ ንማሕበረ - ትምህርታውን ማሕበረ - ጉስነትን ክውንነት ኣማዞን ዘጉልሕ ኮይኑ፡ ኣብ ተልእኾን ኣገልግሎትን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘተኮረ እውን ምዃኑ ከም እተገልጸን፡ ጓለንስተይቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደኣዊ ወጅሂ መግለጽን ማርያም ኣደ ኢየሱስ ከም ጓለንስተይቲ ኣደ ቤተ ክርቲያን ምዃና ዘቃልሕ እውን እዩ፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ነቲ ስብከተ ወንጌል ቤተ ክርስቲያን ዘስፍሓን ለውጢ ዘምጽኣን ምዃነን ከም እተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፥ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ማሕበረሰብ ምስኡ ኴይካ እምነትን ትርጉም ህይወትን ከይስእኑ ከም ዘተባብዓን ስለዚ ብመሰረት ህጹጽነት ማሕበረ - ጉስነታዊ ክውንነት ቤተ ክርስቲያን ኣማዞን ንደቂ ኣንስትዮ ሓድሽ ኣገልግሎት ኣፍልጦ ምሃብ ኣብቲ ዞባ ዘጋጥሙ ብድሆታት ንምስጋር ዝግበር ጻዕሪ ከም ዘቀላጥፎ ርግጸይናነት እውን ከምዘሎ ገሊጸን፥

ኣደነት ቤተ ክርስቲያን
ኣደነት ቤተ ክርስቲያን

ዑደት ኣብ ኣሲዚ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት እተን ሰለስተ ልኡካን ዞባ ኣማዞን ምስ ሸሞንተ ዝተፈላለያ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኩርያ ሮማና ክራኸባን ንዑደት ናብ ከተማ እቲ ንመሬት ንኣየርን ኮታ ንኹሉ ፍጥረት ሓብተይን ሓወይን እናበለ ናይ ዝጽውዕ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ከተማ ኣሲዚ ክኸዳን በማላድነቱ ጸጋ ምህዳራዊ ምልዋጥ ክሓትታ ምዃንነ ሓቢረን ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ይዛዝማ።

03 June 2023, 16:00