ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሜጥሮጶሊታ አንቶንይ
ዕለት 3 ግንቦት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ምስቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኽቡ ምስ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ክፍሊ ጉዳያት ወጻእ ሓላፊ ናይ ቮሎኮላምስክ ሜጥሮጶሊታ ኤንቶንይ ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ሓላፊ ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ናይ ቮሎኮላምስክ ሜጥሮጶሊታ ኤንቶንይ ዕለት 3 ግንቦት ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም እተረኸቡን ድሕሪ እዚ መደብ እውን ምስ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲንል ላዛሩስ ዩ ሀኡንግ ሲክ ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ናይ ስራሕ ዑደት
ብበረኸት ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ፓትሪያር ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ናይ ስራሕ ዑደት ንኸካይዱ ናብ ኢጣሊያ ዝተላእኩ ሜጥሮጶሊታ ኤንቶንይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ምብራቕ ስርዓት ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ጉጆሮቲ ከም እተራኸቡን ሜጥሮጶሊታ ኣንቶንይ ካብ ዕለት 1 ግንቦት ጀሚሮም እውን ኣብ ሮማ ዑደት የካይዱ ምህላዎም ኣዘኻኺሩ፥ ኣብቲ ምስ ሊቀ ጳጳሳት ጉጆሮቲ ኣብ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ፥ ብዛዕባ ኣብ ናይ ሓባራዊ ኣገደስቲ ጉዳያት ኣማኣኪሎም ከም እተመያየጡ ኣፍሊጡ።