ር.ሊ.ጳ. ንቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኢጣሊያ፥ ‘ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ርህውቲ እያ’
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት መበል 77 ሓፈሻዊ ጉባኤኦም ኣብ መዛዘሚ፡ ዕለት 25 ግንቦት ኣብ ዝለገዎ ቃለ ምዕዳን፥ ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ኣብ መንገዲ ሲኖዳውነት ሓባራዊ ጉዕዞ ብምስጓም “ሓባራዊ ሓላፍነት” ዓለማውያን ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ንምድንፋዕ ቀሲሳዊት ዘይኮነት ቤተ ክርስቲያን ምህናጽ የድሊ፥ እክብሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ሓሙስ ዕለት 25 ግንቦት፥ “ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ኣብ መሰርሕ ሲኖዶውነት “ብትብዓትን ብቆራጽነትን” ክትቕጽል ኣተባቢዖም፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ሰበኻታትን ማሕበረሰባትን ክርስቲያንን ዘሎ “ዓቕሚ ዋጋ ብምሃብ ይኹን” ሓደራ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ንወከልቲ ሃገረ ሰብከታት ኢጣሊያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ መበል 77 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ መሪሕነት 2021 – 2024 ዓ.ም. ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ዘተኮረ እውን ምንባሩ ኣመላኺቱ፥ ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ኣብ ሲኖዳውነት ክትጸንዕ ድማ ከም ዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጡ።
ፍሉይ መንፈሳዊ ተመክሮ፥ ምልዋጥን ምሕዳስን
እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ፥ መሰርሕ ሲኖዳውነት “ፍሉይ መንፈሳዊ ተመክሮ ምልውዋጥን ምሕዳስን” ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን “ዝያዳ ልኡከ ወንጌልን ንናይ ሎሚ ዓለም ወንጌል ንምስባኽን ዝያዳ ድልዋትን” ክገብሮም ዝኽእልን ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ነቲ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ምስማዕ ምዕራፍ ዛዚማ ናብ ምስትውዓል ምዕራፍ ኣብ እትኣትወሉ እዋን፡ ንገለ ሕቶታት ብቐዋሚ ሽማግለ ዝቐረበ መሰረት ገይሮም ኣብ ኣርባዕተ ለበዋታት ኣማኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣመላኺቶም፥
ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕካ ምጉዓዝ
እቲ ቀዳማይ ምዕዳን፥ “ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕካ ምኻድ” ወትሩ ንወንጌል ምግልጋልን - ናጽነትን ምህዞን ናይቶም ብስራት ፍቕሪ ኣምላኽ ዝምስክሩ ኣብ ኣገዳሲ ነገር ብምጽናዕ” ምዅስኳስ እዩ። ብመሓውራት ኣሰራርሓ ቤት ጽሕፈታዊ ብወግዓውነት እትምራሕ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኽ ኣብ ኣሰር መንፈስ ቅዱስ ኽትጓዓዝ ምስ ናይ ዘመንና ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣስንትዮን ክትራኸብ ብዙሕ የጸግማ፥
ኤቅለሲያዊ ሓባራዊ ሓላፍነት
እቲ ካልኣይ ምዕዳን ድማ “ሓቢርካ ምዕያይ” ዝብል ኮይኑ፡ እዚ ድማ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝጽውዖ ኩሎም ዝተጠመቑ ኣብ ህይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን ብምስታፍ “ቤተ ክርስቲያናዊ ሓባራዊ ሓላፍነት ምዕባይ ከም ዘድልን፥
ዝሰፍሕን ኩሉ ሰብ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ክስምዖ ዘኽእል እቲ መሓውራትን ሃዋርያዊ ኣገባባት ጉስነትን ንዝፍጠር ንኣሽቱ ጉጅለታት ዘይኮነስ ሓባራዊ ሓላፍነት ናይ ምዃንን ስምዒትን ዝፈጥር ሓጎስ ዝድግፍ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰባት የድልየና!
ኣገልግሎት ቤተ ርክስቲያን ብዘይ ካልኦት ፈጺሙ ክካየድ ኣይክእልን እዩ። እዚ ንጳጳሳት ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣገልግሎቶም ብዘይ ናይ ካህናትን ዲያቆናትን ከምኡ እውን ንባዕሎም ካህናትን ዲያቆናትን ክግበሩ ኽከኣል ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን ንብምሉኡ ዝተጠመቐ ማሕበረሰብ “ነፍሲ ወከፍ ምስ ካልኦት ኣሕዋን ኣሓትን ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌልን ኣብ ብርሃን መንፈስ ቅዱስ ብሓባር ይመላለሱ፥
ኣብዚ ግዜን ኣብዛ ቤተ ክርስቲያንን ከመይ ጌርና ተራ ኣገልገልቲ ክንከውንን ከመይ ጌርና ነዚ ክንርዳእን ክንፍጽምን ከም እንኽእል ንመንፈስ ቅዱስ ከብርሃልና ክንልምኖ ይግባእ። ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ናይ ካልኦት ውህሉል ዓቕሚ ነዚ ኩሉ ክትፍጽም ኣይትኽእልን እያ!
ርህውቲ ቤተ ክርስቲያን
ሳልሳይ ምዕዶ፥ ንድምጺ መንእሰያትን ኣንስትን ድኻታትን ተስፋ ዝቘረጹን ኣብ ህይወቶም እተጐድኡ ከምኡ እውን እንጻር እቲ ሕጂ እውን ኣብ “ርእሰ ተወካስነትን ቀሲሳዊነትን ዘየማእከለት ንኹሉ ክፍቲ ዝኾነት ኣገዳስነት ቤተ ክርስቲያንን ዘተሓሳስብ ኮይኑ፥
ቄስስነት ብልሽውና እዩ፡ ናይ ካህናት ኣቡን ወይ ውሉደ ክህነት ብዝገደደ ኸኣ ቄሲስነት ዓለማውያን ምእመናን ኣዚዩ እቲ ዝኸፍአ ብልሽውና እዩ!
ሲኖዶስ፥ ኵላትና ተቓላዕቲ ምዃንናን ንሓድሕድና እንደላለ ምዃንና ኣስተውዒልና፡ ኣብ ዘመንና ብሓጐስን ብትሕትናን ብመሃዝነትን እትመላለስ ቤተ ክርስቲያን ክንከውን ይጽውዓና።”
ኣብ ምቹእነት ደው ዘይትብል
ኣብ መወዳእታ፥ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ብድሆታት እትቕበል ብዘይ ጽልኢ ንኹሉ ሰብ ናይ ወንጌል ሓጐስ ንምእዋጅ ብኸመይ ከም እትወጽእ እትፈልጥ “ምቹእነት” ዘይትፈልጥ ቤተ ክርስቲያን ክትከውን ዘመላኽት ምዕዳን ኣቕሪቦም፥
ጭንቀት ታሪኽ ክንእክብ ገዛእ ርእስና ክንሕተት ብምፍቃድ ኣብ ምስጢረ ፋሲካ ክርስቶስን ከነእትዎ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከነቕርቦ ዝተጸዋዕና ኢና!
መንፈስ ቅዱስ ቀንዲ ተዋሳኢ መስርሕ ሲኖዳውነት እዩ
ምስ በሉ ደጊሞም ንቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ነዚ ጉዕዞ ኣብ መንፈስ ቅዱስ “ቀንዲ ተዋሳኢ መስርሕ ሲኖዳውነት” ተኣማሚና ብሓባር ክትቕጽሎ ኣተባቢዖም፡ ንውልቀ ሰባትን ማሕበረሰባትን ንምስማዕ ርህዋን ዝገብር ንሱ እዩ። ንዘተ ሓቀይና ፍረ ዘለዎ ዝገብሮ ንሱ እዩ፡ ምስትውዓል ዘብርህ ንሱ እዩ። ምርጫታትን ውሳነታትን ዝመርሕ ንሱ እዩ፡ ልዕሊ ኩሉ እቲ ኣብ ቤተ ርክስቲያን ስኒትን ሕበረትን ዝፈጥር ንሱ እዩ፥
ገዛእ ርእስና ብተኣማንነት ንመንፈስ ቅዱስ ነቕርብ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ግዜ ባዕልና ብእንፈጥሮ ስርዓት ዝፈጠርናዮ ኮይኑ ካብ ዝስምዓና ስኒት ዝተፈልየ ሓቀይና ስኒት ዝፈጥር!
እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።