ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ሰብኣዊ ሕውነት ክሳተፉ እዮም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ሰብኣዊ ሕውነት ክሳተፉ እዮም 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ሰብኣዊ ሕውነት ክሳተፉ እዮም

እዚ መደብ እዚ እታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላትና ኣሕዋት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ መሰረት ዝገበረ

“በይንኻ ኣይኮንካን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ሰብኣዊ ሕውነት፡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስን ተተሓሒዙ እውን ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ሸሞንተ ቅርዓት ዓለም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣሳቲፉ ዕለት 10 ሰነ ክካየድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዕለት 10 ሰነ ድሕሪ ቀትሪ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 16.00 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስን ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ ሸሞንተ ዓበይቲ ናይ ዓለም ቅርዓት “በይንኻ ኣይኮንካን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ኣኼባ ሰብኣዊ ሕውነት ክሳተፉ ከም ዝኾኖኑን፡ ብጀካ ቅዱስነቶም 30 ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ፡ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ መንእሰያት እውን ከም ዝሳተፉ ቫቲካናዊ ማሕበር ሰብኣዊ ሕውነት ዕለት 23 ግንቦት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፥ እዚ ብማሕበር ኵላትን ኣሕዋት ምስ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዘዳለዎ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ እቲ ተበግሶ

እዚ መደብ እዚ እታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላትና ኣሕዋት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ መሰረት ዝገበረ ተበግሶ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ሕውነትን ሰላምን ባህሊ ንምድንፋዕን ኣብ ምርጫታትን ኣሰራርሓን ሰብኣዊ ፍጥረት ዘተን ይቕረታን ውልቃዊ ተወፋይነትን ንምትብባዕ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ክብሪ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝኽሕድ ጽምዋን ምግላልን ንምብዳህ ተስፋ ካብ ምግባር ዝነቐለ እዩ።

ኣብቲ መደብ ሰብኣዊ ሕውነት ዘንጸባርቕ ኵለንተናዊ ሕቑፊ ቤተ ክርስቲያን ዘረጋግጽ ምልክት ሕውነታዊ ህንጸት ክቐርብ ከም ዝኾነን ብዙሓት ወከልቲ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዓለማውያን ምእመናንን ኣባላት ማሕበራት ውፉያንን ኣባይቲ ስድራን ከምኡ እውን ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ሕብረተሰብ ተነጺሎም ንኽነብሩ ዝተገዱን ድኻታትን ግዳም ሓደርን ስደተይናታትን ግዳያት ዓመጽን ግዳያት ዘይሕውጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ዝውክሉ ክሳተፉ እዮም።

ትጽቢታት

እቲ መደብ ንዕለት 10 ሰነ ኣብ ክልተ ህሞት ተኸፋፊሉ ዝካየድ ክኸውን እንከሎ ንጎሆ ማሕበረሰብ ተጋባእያን ብዛዕባ ዘለዎም ተመክሮ ሱታፌ ከካፍሉን ድሕሪ ቀትሪ ናይቲ ሱታፌ ተመክሮ ምክፋል ጸብጻብ ክቀርብ እዩ። ኣብቲ መደብ ካብ ዝተፈላለያ 30 ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምትን ናይ ስነ ምርምርን ባህልን ሕግን ኣህጉራዊ ትካላትን ብሓባር ክዝትዩን ንሰብኣዊ ሕውነት ተወፋይነት ዝጠልብ ሰነድ ክሕንጽጹ እዮም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ መደብ ድሕሪ ቀትሪ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 16.00 ክሳተፉ ከም ዝኾኑ ማሕበር ሰብኣዊ ሕውነት ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 May 2023, 16:02