ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰብ ከምቲ ምዃናውነቱ ምኽባር ር.ሊ.ጳ.፥ ሰብ ከምቲ ምዃናውነቱ ምኽባር  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰብ ከምቲ ምዃናውነቱ ምኽባር

ብዙሓት መንእሰያት ግቡእ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ዘይብሎም ኮይኖም ምርኣይ የሕዝን እንክብሉ ነቒፎም፥ . . . ናይ ስነ ጾታዊ ትምህርቲ ዘይምህላው ንፍቕሪ ናብ ንግድ ይመርሕ . . . ፍቕሪ ንግዳዊ ኣይኮነን መንእሰያት ድማ መጋበርያ ኣይኮኑን . . .

ጳጳሳዊ ማሕበር ምትእስሳር ኣቢያተ ትምህርቲ ምስ ላቲን ኣመሪካ ናይ ልምዓት ባንኪ ብምትሕብባር 50 ከንቲባታት ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለም ዘሳተፍ “ምህዳራዊ ትምህርቲ ከተማታት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ፈላማይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዕለት 23 – 25 ግንቦት ከም እተኻየደን ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መዕጸዊ ተረኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነፍሲ ወከፍ ሰብ “ከም ምዃናውነቱ - ኣብ ሓቅነቱ’ ክኽበር ከምዘለዎን . . . ትምህርቲ ዘይምርካብ ዘስዕቦ ሓደጋታትን ዝርግሐ ጸያፍ ኣሳእልን ዘስዕቦ ጸገም ብፍላይ መንእሰያት ግዳያት ዝኾኑሉ “ፍቕሪ ንግዳዊ ምግባር ዝብልን ከምኡ እውን ኣብ ኣርጀንቲና ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ዘሎ ተኽእሎን ዝብሉ ነጥብታት ከም ዝዳህሰሱን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ምስ ከንቲባታት ላቲን ኣመሪካን ኤውሮጳን

ነቲ ኣብ 2001 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲና ንፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ባህላዊ ምላሽ ንምሃብ ኣብቲ እዋን ኣብ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ቡወኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ኾርገ ማርዮ በርጎሊዮ ፍሉይ ድላይ ዝተመስረተ ትካል መረብታዊ ምትእስሳር ኣቢያተ ትምህርቲ፡ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓረዩ ዓለም ለኻዊ ቫቲካናዊ ማሕበር ክኸውን ከም ዝወሰኑን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ድኻታት ሃገራት ኣብ ምስፋሕ ትምህርቲ ዘገልግል ዘሎ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ጳጳሳዊ ትካል እዚ ሮማ ኣብ ዝርከብ ተቕዋም ኣጉስቲኒያኑም ዕለት 23 ግንቦት ዘበገሶ ቀዳማይ ኣህጓዊ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 25 ግንቦት ቅዱስነቶም ተረኺቦም ብዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ህጹጽ ኣገዳስነት ትምህርቲ

ቅዱስነቶም ካብ ተጋባእያን ዝቐረበሎም ሕቶታት መሰረት ገይሮም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ህጹጽነት ትምህርትን ኣድላይነት ዓለማዊ ውዕል ትምህርትን ዝብሉ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት ንደጊሞም ብምቕራብ፡ ብዙሓት መንእሰያት ግቡእ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ዘይብሎም ኮይኖም ምርኣይ የሕዝን እንክብሉ ነዚ ከነታት እዚ ነቒፎም፥ . . . ናይ ስነ ጾታዊ ትምህርቲ ዘይምህላው ንፍቕሪ ናብ ንግድ ይመርሕ . . . ፍቕሪ ንግዳዊ ኣይኮነን መንእሰያት ድማ መጋበርያ ኣይኮኑን . . .

መንእሰያት ምምሃር “ግዴታ ወለድን ብሓፈሻ ሕብረተሰብን እዩ . . . ትምህርቶም ክዛዝሙ ዘይክእሉ መንእሰያት ኣብ መወዳእታ ጾር ሕብረተሰብ እዮም ዝኾኑ፡ . . .

ንሓቅነት ምኽባር

ሰብ ከምቲ ኮይንዎ ዝተፈጥሮ ከም ሓቅነቱ ዘይምቕባል ኣብ ማሕበረሰብ ኣብ ስድራ ቤት እውን ከይተረፈ መንቀሊ ብዙሕ ዓይነት ዓመጽ እዩ ዝኸውን፡ . . . ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ወድን ጓልን “ሓቀይና ክኾኑ ግዴታ ኣለዎም - ምዃኖም ምቕባል! ስለዚ ገዛእ ርእሶም ኮይኖም ናይ ምንባር መሰሎም ክሕሎን ክኽበርን ኣለዎ . . . ኣተሓሒዞም ብዛዕባ ኣቦሓጎታቶም ኣደሓጎታቶም ምስል ቢሎም ብምዝካር . . . ተራ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ሕብረተሰብን ዓቢይ ምዃኑ ብምዝኽኻር ስድራ ቤት ኣብ ምዕባይ ዘለዎም መተካእታ ዘይብሉ ተራ ኣገዳሲ ከም ዝኾነን . . .

ኣገዳስነት ሱር

. . . ኵሉ ግዜ ናብ ሱርካ ክትምለስ ከም ዘሎካ ዝስምዓካ ስምዒት ኣሎ፡ ቅዱስነቶም ነቢይ ዮኤል ኣብ ምዕ. 2, “ኣረግቶት ኪሓልሙ ህጻናት ድማ ራእይ ክራዩ እዮም . . . “ እንክብል ዝገልጾ ሓሳብ ጠቒሶም እዚ ዝኽወን ድማ ኣብ ነንሓድሕድካ ካብ ምትእስሳር እዩ . . .

ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣብ በይኖም ከይሕደጉ

ቅዱስነቶም ኣብ ኣርጀንቲና ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ናብ ኣባይቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዝገብርዎ ዝነበረ ምብጻሕን ኣብዚ ህሞት እዚ ዝሰንዕምዕ ዝነበረ ዘንታታት ክሳብ ክንደይ ድጋፍ ከም ዝኾኖም ገሊጾም . . . ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ተነጺሎም ክሞቱ ዝፈቕድ ማሕበረሰብ ኣይሃሉ . . . መንእሰይ ወለዶ ነቲ ህያው ቤተ መዝገብ ዝኾነ ኣረጋዊ ወለዶ ከይጥንጥኑ ሓደራ ቢሎም፥ እዚ እውን ነቲ መንእሰይ ክሕሾ እዩ። ዝምድና ዘይከናኸን ሕብረተሰብ ህልዮኣዊ ሕብረተሰብ እዩ ዝኸውን ኑፋቔነት ዘስፍሕ . . .

ንቕድሚት

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳታ ነቶም ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡ መንእሰያት እዚ ዝተበገሰ ጉዕዞ መዛዘሚ ዘይኮነስ ሓድሽ ጃምር እዩ . . . ስለዚ ንቕድሚ ንበል ሓደራ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

27 May 2023, 08:14