ስለ ቤተ ክርስቲያናዊ ምንቅስቓሳትን ጉጅለታትን ንጸሊ! ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ ግንቦት
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ናይ ወርሒ ግንቦት ሓሳብ ጸሎቶምት ስለ እቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን “ህያብ”ን “ሃብት”ን ኮይኖም ዘገልግሉ ዝተፈላለየ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ተቀቢሎም ዘገልግሉ ቤተ ክርስቲያናዊ ምንቅስቓሳትን ጉጅለታትን ከምዘወፈዩ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።
ዘተ ኣብ ኣገልግሎት ተልእኾ ስብክተ ወንጌል!
ር.ሊ.ጳፍራንቸስኮስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምለኻዊ መርበብ ሓሳብ ጸሎት ዝሕተም ናይ ርእየት-መልእኽቶም “እዞም ምንቅስቓሳት እዚኣቶም ንቤተክርስትያን ኣብ ኣገልግሎት ወንጌላዊ ተልእኾኣ ናይ ምዝርራብ ዓቕሞም ከሐድሳ ንጸሊ። ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ ካሪዝም ወይውን ውህበት ከም ዘለዎ እውን ነስተንትን፣ እዚ ድማ ንጽባቐን ሕዳሴን ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ንኸርእዩና የኽእሎም’ ኢሎም።
ነፍሲ ወከፍ ካሪዝም ወይውን ውህበት መንፈስ ቅዱስ ዝተፈላለየ ምዃኑ ሳላ እቲ ንዝተፈላለዩ ጉጅለታትን ምንቅስቓሳትን ዝሕብር ቀጻሊ ሕዳሴን ምህዞን ምዃኑ እውን ገሊጾም። ዝተፈላለየ ቋንቋ ዝዛረቡ እኳ እንተመሰሉ፡ ኣብ ገዛእ ርእሶም ምልስ ቢሎም ብምስትንታንን ጽጹይ መመያ ብምክያድን ብቀዳምነት ንነብሶም ብምርዳእ ግን ንነብሶም ጸዋዕታኦምን ተልእኮኦምን ንካልኦት ከረድኡ ከምዝኽእሉ እውን ኣብሪሆም።
ማዕረ ማዕሪኡ እዞም ዝተፈላለዩ ቤተክርስትያናዊ ምንቅስቃሳትን ጒጅለታትን “ኣብ ኣገልግሎት ጳጳሳትን ሰበኻታትን” ክቕጽሉ ብምዕዳም፡ ኣብ ገዛእ ርእሶም ካብ ናይ ምዕጻው ፈተና ክሕለው የዘኻኽሩ።
ኩሉ ግዜ ኣብ ምንቅስቓስን ሕዳሴን!
ቅዱስነቶም “ውህበት መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ስኒትን ውህደትን ሓድነትን ስለዝኾነ ምስ ቤተ ክርስቲያን ተሰማሚዖም ክጐዓዙ ከምዘለዎም፣ በዚ ኩሉ ግዜ ኣብ ምንቅስቓስ ክህልዉ፣ ምናዳ ኣብ ናይ ሎሚ ዓለምና ንዘጋጥሙ ብድሆታት ብመንፈስ ቅዱስ ምላሽ ክህቡ” የተባብዕዎም።
ቅዱስ ኣቦና መልእኽቶም ከምዚ ክብሉ ብጸሎት ይዛዝምዎ፣ “ቤተ ክርስቲያናዊ ምንቅስቓሳትን ጉጅለታትን መዓልታዊ ተልእኾኦም፣ ስብከተ ወንጌላዊ ተልእኾኦም ዳግማይ ክረኽብዎ፣ ነቲ ዝተዋህቦም ፍሉይ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ማለት ካሪዝማ ኣብ ኣገልግሎት ድሌታት ዓለምና ከውዕልዎ ንጸሊ”ኢሎም።
ውህበታት ወይ ካሪዝም ብዙሕ እቲ ተልእኮ ግን ሓደ!
ዓለምለኻዊ መርበብ ሓሳብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ወርሒ’ዚ ንምግላጽ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መላእ ዓለም ወንጌል ዝዝርግሑ ብርክት ዝበሉ ቤተ ክርስቲያናዊ ምንቅስቓሳትን ዓለማውያን ማሕበራትን ከምዘለው ዘጉልሕ ኮይኑ፡ ከም ኣብነት ሻሎም፡ ቁርባንን ሓርነትን፡ ሓድሽ ኣድማስ፡ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ፡ ከምኡ’ውን ፎኮላረ ዝበሃሉ ይርከብዎም ፦ “ብዙሕ ዝተፈላለየ ካሪዝማታት ኣሎ፡ እንተኽዕነ ሓደ እንኮ ተልእኾ እዩ ዘሎ፡ እዚ ከኣ ወንጌል ናብ ዝተፈላለየ ቦታታትን ብዝተፈላለየ መንገድን ምስባኽ እዩ” ኢሉ።
እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምቅጻል “ቤተ ክርስቲያናዊ ምንቅስቓሳት ናይ ገዛእ ርእሶም ፍሉይ ካሪዝም ዘለዎም ንሓዋርያዊ ኣገልግሎት ተወፋይነት ዘለዎም ጉጅለ ሰባት እዮም፣ እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ንሓባራዊ ረብሓ ቤተ ክርስቲያን ዝህቦ ዝተፈላለየ ውህበታት ጸጋ እዩ። ብቐንዱ ብኣባላት ዓለማውያን ምእመናን ዝቖሙ ኮይኖም፡ ምስ ክርስቶስ ውልቃዊ ርክብ ንምፍጥር ዝግበር ምድላይ ይጥርነፎም። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል ምስ ናይ ሎሚ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ኩሉ ሃለዋት ይዛተዩ” እንክብል መግለጺ ደምዲሙ።