ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ነቶም ኣብ ቻይና ዝሳቐዩ ካቶሊካውያን ቅርበቶምን ጸሎትምን የረጋግጹ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ምስቶም ኣብ ቻይና ዝርከቡ ካቶሊካውያንን ነቶም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ እናሓሰቡ ኣብ ቻይና መዓልቲ ጸሎት ንቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ብምዝኽኻር ቅርበቶምን ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፡ ወንጌል ብምልኣት ክእወጅ ምእመናን ክጽልዩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓሳበይን ቅርበተይን ነቶም ኣብ ቻይና ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣረጋግጽ፡ ኣብ ሓጎሶምን ተስፋኦምን ክካፈል እደሊ፡ ንኹሎም ዝሳቐዩ ጓሶትን ምእመናንን ብፍሉይ እዝክርን እሓስብን፡ ሕብረትን ምትሕግጋዝን ምጽንናዕን ምትብባዕን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክስምዖምን ቢሎም ነዚ ቅርበት ኣረጋጊጾም፥ ዕለት 24 ግንቦት ዓለምለኸ መዓልቲ ጸሎት ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ ኣብዚ ጸሎት እዚ ኪሎም ክርስቲያን ክሓብሩን፡ “ጸሎቶም ናብ እግዚኣብሔር ክልዕሉን እቲ ዝተሰቕለን ዝተንስኤን ብስራተ ክርስቶስ ብምልኣቱን ብጽባቔኡን ብናጽነቱን ምእንቲ ሰናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብ ቻይናን ፍርያምነት ይሓግዝ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢጣሊያ ዝነብሩ ቻይናውያን ካቶሊካውያን ምእመናንን ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህንትን ከም ዝሓበሩ ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 24 ግንቦት ጸሎት ምእንቲ ኣብ ቻይና እትክረብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ዝወሰኑ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2007 ዓ.ም. ክኸውን እንከሎ፡ እዛ መዓልቲ ጸሎት እዚኣ እውን ኣብ ዓዓመት ኣብ ዓመታዊ በዓለ ኣብ ሻንጋይ ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ቅድስተ መርያን ዘሽሻን ተተሓሒዙ ክፍጸም ኣውን ከም ዝገበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።